መዝሙር 60:1-12

  • ኣምላኽ ንጸላእቱ የምበርክኾም

    • ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ (11)

    • “ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና” (12)

ንኣላዪ፣ ብ“እተዘኻኽር ሹሻን።” ሚክታም።* ናይ ዳዊት። ንትምህርቲ። ምስ ኣራም-ናሃራዪምን ኣራም-ጾባን ምስ ተዋግአ እሞ፡ ዮኣብ ተመሊሱ ኣብ ስንጭሮ ጨው 12,000 ኤዶማውያን ምስ ቀተለ።+ 60  ኦ ኣምላኽ፡ ደርቢኻና፣ ንመከላኸሊና ፈንጢስካዮ።+ ተቘጢዕካና፣ ሕጂ ግና ተመሊስካ ተቐበለና።  2  ንምድሪ ኣንቀጥቂጥካያ፣ ጨዲድካያ። ትፈርስ ኣላ እሞ፡ ጭዳዳ ጸግን።  3  ንህዝብኻ ሽግር ኣርኢኻዮ። ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቲኻና።+  4  ሃዲሞም ንቐስቲ ኼስሕቱስ፡ንዚፈርሁኻ ምልክት ሃቦም።* (ሴላ)  5  ፍቑራትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፡ብየማነይቲ ኢድካ ኣድሕነና፡ መልሰልና እውን።+  6  ኣምላኽ ብቕድስናኡ* ተዛሪቡ፦ “ክፍሳህ፡ ንሴኬም ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣+ንስንጭሮ* ሱኮት ከኣ ክልክዖ እየ።+  7  ጊልዓድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ እውን ናተይ እዩ፣+ኤፍሬም ቍራዕ* ርእሰይ እዩ፣ይሁዳ ዘንጊ ኣዛዝየይ እዩ።+  8  ሞኣብ ዝሕጸበሉ ገበራ እዩ።+ ኣብ ልዕሊ ኤዶም ሳእነይ ክድርቢ እየ።+ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤም ብዓወት ክጭድር እየ።”+  9  ናብታ እተኸብበት* ከተማ መን ኬምጽኣኒ እዩ፧ ክሳብ ኤዶምከ መን ኪመርሓኒ እዩ፧+ 10  ኣታ ደርቢኻና ዘለኻ ኣምላኽ፡ኣታ ምስ ሰራዊትና ዘይትወጽእ ዘለኻ ኣምላኽና፡ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 11  ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ እሞ፡ብግዜ ጭንቅና ርድኣና።+ 12  ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና፣+ንሱ ድማ ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሂብካዮም ኣለኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣብ መቕደሱ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርዲ።”
ወይ፡ “እተዓርደት” ኪኸውን ይኽእል።