መዝሙር 60:1-12
ንኣላዪ፣ ብ“እተዘኻኽር ሹሻን።” ሚክታም።* ናይ ዳዊት። ንትምህርቲ። ምስ ኣራም-ናሃራዪምን ኣራም-ጾባን ምስ ተዋግአ እሞ፡ ዮኣብ ተመሊሱ ኣብ ስንጭሮ ጨው 12,000 ኤዶማውያን ምስ ቀተለ።+
60 ኦ ኣምላኽ፡ ደርቢኻና፣ ንመከላኸሊና ፈንጢስካዮ።+
ተቘጢዕካና፣ ሕጂ ግና ተመሊስካ ተቐበለና።
2 ንምድሪ ኣንቀጥቂጥካያ፣ ጨዲድካያ።
ትፈርስ ኣላ እሞ፡ ጭዳዳ ጸግን።
3 ንህዝብኻ ሽግር ኣርኢኻዮ።
ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቲኻና።+
4 ሃዲሞም ንቐስቲ ኼስሕቱስ፡ንዚፈርሁኻ ምልክት ሃቦም።* (ሴላ)
5 ፍቑራትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፡ብየማነይቲ ኢድካ ኣድሕነና፡ መልሰልና እውን።+
6 ኣምላኽ ብቕድስናኡ* ተዛሪቡ፦
“ክፍሳህ፡ ንሴኬም ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣+ንስንጭሮ* ሱኮት ከኣ ክልክዖ እየ።+
7 ጊልዓድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ እውን ናተይ እዩ፣+ኤፍሬም ቍራዕ* ርእሰይ እዩ፣ይሁዳ ዘንጊ ኣዛዝየይ እዩ።+
8 ሞኣብ ዝሕጸበሉ ገበራ እዩ።+
ኣብ ልዕሊ ኤዶም ሳእነይ ክድርቢ እየ።+
ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤም ብዓወት ክጭድር እየ።”+
9 ናብታ እተኸብበት* ከተማ መን ኬምጽኣኒ እዩ፧
ክሳብ ኤዶምከ መን ኪመርሓኒ እዩ፧+
10 ኣታ ደርቢኻና ዘለኻ ኣምላኽ፡ኣታ ምስ ሰራዊትና ዘይትወጽእ ዘለኻ ኣምላኽና፡ ንስኻ ደይኰንካን፧+
11 ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ እሞ፡ብግዜ ጭንቅና ርድኣና።+
12 ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና፣+ንሱ ድማ ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።+

