ሕቶ 10
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ተስፋ ይህብ፧
“ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”
“ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትነብር።”
“ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ እዩ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።”
“ሽዑ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ፡ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰራሰር፡ ልሳን ዓባስ ድማ እልል ኪብል እዩ። ከመይሲ፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።”
“ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”
“ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም። ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። ዕድመ ህዝበይሲ ኸም ዕድመ ኦም ኪኸውን እዩ፣ ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም።”