ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 10

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ተስፋ ይህብ፧

“ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”

መዝሙር 37:29

“ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትነብር።”

መክብብ 1:4

“ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ እዩ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።”

ኢሳይያስ 25:8

“ሽዑ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ፡ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰራሰር፡ ልሳን ዓባስ ድማ እልል ኪብል እዩ። ከመይሲ፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።”

ኢሳይያስ 35:5, 6

“ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”

ራእይ 21:4

“ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም። ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። ዕድመ ህዝበይሲ ኸም ዕድመ ኦም ኪኸውን እዩ፣ ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም።”

ኢሳይያስ 65:21, 22