ሕቶ 2
ከመይ ጌርካ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትምሃር ትኽእል፧
“ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይፈለ፡ መዓልትን ለይትን ከኣ ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ። ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።”
“ካብታ መጽሓፍ፡ ካብ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ዓው ኢሎም የንብቡን ብንጹር ይገልጹን ትርጉሙ የብርሁን ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ዚንበብ ዝነበረ ኣረድእዎም።”
“ብምኽሪ እኩያት ሰባት ዘይመላለስ . . . ሰብ ሕጉስ እዩ። ንሱ ብሕጊ የሆዋ ደኣ ይድሰት፣ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ። . . . ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።”
“ፊልጶስ ጐድኒ ጐድኑ ጐየየ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ድማ ሰምዖ እሞ፡ ‘ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ ኢኻ፧’ በሎ። ንሱ ኸኣ፡
‘ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧’ በሎ።”
“እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱንሲ፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ፣ ስለዚ፡ ዜመኻንይዎ የብሎምን።”
“ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ።”
“ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ።”
“ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፣ ኪውሃቦ እውን እዩ።”