ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 2

ከመይ ጌርካ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትምሃር ትኽእል፧

“ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይፈለ፡ መዓልትን ለይትን ከኣ ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ። ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።”

እያሱ 1:8

“ካብታ መጽሓፍ፡ ካብ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ዓው ኢሎም የንብቡን ብንጹር ይገልጹን ትርጉሙ የብርሁን ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ዚንበብ ዝነበረ ኣረድእዎም።”

ነህምያ 8:8

“ብምኽሪ እኩያት ሰባት ዘይመላለስ . . . ሰብ ሕጉስ እዩ። ንሱ ብሕጊ የሆዋ ደኣ ይድሰት፣ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ። . . . ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።”

መዝሙር 1:1-3

“ፊልጶስ ጐድኒ ጐድኑ ጐየየ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ድማ ሰምዖ እሞ፡ ‘ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ ኢኻ፧’ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧’ በሎ።”

ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31

“እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱንሲ፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ፣ ስለዚ፡ ዜመኻንይዎ የብሎምን።”

ሮሜ 1:20

“ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣ ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ።”

1 ጢሞቴዎስ 4:15

“ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ።”

እብራውያን 10:24, 25

“ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፣ ኪውሃቦ እውን እዩ።”

ያእቆብ 1:5