መዝሙር 46:1-11

  • ‘ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ’

    • መስተንክር ተግባራት ኣምላኽ (8)

    • ኣምላኽ ንውግእ ኣብ ኵላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ (9)

ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ ብቕዲ ዓለሞት።* መዝሙር። 46  ኣምላኽ መዕቈቢናን ብርታዐናን+ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤትን እዩ።+  2  ስለዚ፡ ምድሪ እኳ እንተ ተለወጠት፡ኣኽራን እኳ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተገልበጡ፡+  3  ማያቱ እኳ እንተ ተናወጸን እንተ ዓፈረን፡+ኣኽራን እኳ ብሰንኪ ነውጹ እንተ ኣንቀጥቀጡ፡ ኣይንፈርህን ኢና። (ሴላ)  4  ነታ ቕድስቲ ዓባይ ማሕደር እቲ ልዑል ዝዀነት ከተማ ኣምላኽ+ዜሐጕስ ወሓይዝ ዘለዎ ፈለግ ኣሎ።  5  ኣምላኽ ኣብታ ኸተማ ኣሎ፣+ ኣይክትግልበጥን እያ። ኪወግሕ ከሎ፡ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።+  6  ኣህዛብ ረቢሾም፡ መንግስትታት ተገልቢጠን፣ድምጹ ዓው ምስ ኣበለ ኸኣ፡ ምድሪ መኺኻ፣+  7  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ኣምላኽ ያእቆብ እምባና* እዩ። (ሴላ)  8  ንዑ፡ ተግባራት የሆዋ፡ኣብ ምድሪ ዝገበሮ መስተንክር ነገራት ርኣዩ።  9  ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።+ ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ንሰረገላታት* ብሓዊ የንድዶ። 10  “ስዩም በሉ፡ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ፍለጡ። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ልዕል ክብል፡+ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።”+ 11  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።+ (ሴላ)

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢና።”
ወይ፡ “ንዋልታታት” ኪኸውን ይኽእል።