መዝሙር 46:1-11
ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ ብቕዲ ዓለሞት።* መዝሙር።
46 ኣምላኽ መዕቈቢናን ብርታዐናን+ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤትን እዩ።+
2 ስለዚ፡ ምድሪ እኳ እንተ ተለወጠት፡ኣኽራን እኳ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተገልበጡ፡+
3 ማያቱ እኳ እንተ ተናወጸን እንተ ዓፈረን፡+ኣኽራን እኳ ብሰንኪ ነውጹ እንተ ኣንቀጥቀጡ፡ ኣይንፈርህን ኢና። (ሴላ)
4 ነታ ቕድስቲ ዓባይ ማሕደር እቲ ልዑል ዝዀነት ከተማ ኣምላኽ+ዜሐጕስ ወሓይዝ ዘለዎ ፈለግ ኣሎ።
5 ኣምላኽ ኣብታ ኸተማ ኣሎ፣+ ኣይክትግልበጥን እያ።
ኪወግሕ ከሎ፡ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።+
6 ኣህዛብ ረቢሾም፡ መንግስትታት ተገልቢጠን፣ድምጹ ዓው ምስ ኣበለ ኸኣ፡ ምድሪ መኺኻ፣+
7 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ኣምላኽ ያእቆብ እምባና* እዩ። (ሴላ)
8 ንዑ፡ ተግባራት የሆዋ፡ኣብ ምድሪ ዝገበሮ መስተንክር ነገራት ርኣዩ።
9 ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።+
ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ንሰረገላታት* ብሓዊ የንድዶ።
10 “ስዩም በሉ፡ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ፍለጡ።
ኣብ መንጎ ኣህዛብ ልዕል ክብል፡+ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።”+
11 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።+ (ሴላ)