መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን
እዘን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረታ መጽሔታትና፡ ብኣማእታት ቋንቋታት እንተላይ ብቛንቋታት ምልክት ኪርከባ ይኽእላ እየን። ግምቢ ዘብዐኛ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተጕልሕ፣ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ንምህናጽ ድማ ትሕግዝ። ንቕሑ! ነዚ ሎሚ ዘሎ ጸገማት ክትጻወሮን ኣብቲ ሰላም ዝሰፈናን ዜስግእ ነገር ዘይብላን ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽእ ዘተስፈወ ፈጣሪ ኸኣ እምነት ከተደልድልን ትሕግዝ።

