ሕቶ 1
ኣምላኽ መን እዩ፧
“ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።”
“የሆዋስ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ። ዝገበረና ንሱ እዩ፣ ንሕና ድማ ናቱ ኢና።”
“ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ፣ ክብረይ ንኻልእ፡ ውዳሰይ እውን ንቕሩጽ ምስልታት ኣይህብን እየ።”
“ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።”
“ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ።”
“ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ። ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብቝጽሪ ዜውጽኦም እዩ፣ ብስሞም ይጽውዖም። ካብ ዕቤት ብርታዐኡን ካብቲ ዜፍርህ ሓይሉን እተላዕለ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”