ናብ ትሕዝቶ ኺድ


ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!

ኣብዚ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ኢኻ፦

  • ኣብ ህይወት ብኸመይ ሓጐስ እረክብ፧

  • እከይን መከራን ዜብቅዓሉ ግዜ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

  • ሞይቶም ንዘለዉ ሰበይ ዳግም እርእዮም ደዀን እኸውን፧

  • ብሓቂዶ ኣምላኽ ይሓልየለይ እዩ፧

  • ከመይ ገይረ እየ ኣምላኽ ዚሰምዖ ጸሎት ክጽሊ ዝኽእል፧

ናጻ

ንብምሉኡ እዚ ትምህርቲ፡ እንተላይ ነታ ንመጽናዕቲ እትሕግዝ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! እትብሃል ጽሕፍትን መጽሓፍ ቅዱስን ብናጻ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዚጥዕመካ

ኣብ ዚጥዕመካ ግዜን ቦታን ምስ ሓደ መምህር ብኣካል፡ ብተሌፎን፡ ወይ ብኢንተርነት ተራኸብ።

ግዴታ የብልካን

ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ነዚ መጽናዕቲ ኽትስርዞ ትኽእል ኢኻ፣ ዋላ ሓንቲ ግዴታ የብልካን።

እዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚግበር፧

ሓደ ናይ ብሕቲ መምህር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር በብርእሰ ነገር ኪምህረካ እዩ። ኣብቲ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ጌርካ ዚግበር ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑን እዚ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካን በብደረጃኡ ኽትፈልጥ ኢኻ። ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ርኣያ፡ ወይ ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ ብብዝሒ ዚሕተት ሕቶታት ርአ።

ንትሕዝቶ እቲ ትምህርቲ ኽትርእዮዶ ትደሊ፧

ኣብ መእተዊ ዘሎ ትምህርትታት ርአ።

ክትፍትኖዶ ትደሊ፧

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር እንተ ደሊኻ፡ ኣብዚ ዚስዕብ ጠውቕ።