ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣበስሩ!’

ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2024

መእተዊ ብናጻ እናዞርካ ገንዘብ ኣይእከብን

ዚጐልሕ ነጥብታት

ዓርቢ፦ እቲ ኣብ ወንጌላት ብዛዕባ የሱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ብስራት፡ ብዛዕባ ህይወቱ ዜዘንቱ ብልክዕ እተመዝገበ ታሪኽ ምዃኑ ርአ። እዚ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ሎሚ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ፍለጥ።

ቀዳም፦ ብዛዕባ ልደትን ቍልዕነትን የሱስ እንታይ ትንቢት ኣሎ፧ እዚ ትንቢታት እዚኸ ተፈጺሙዶ፧

ሰንበት፦ “ክፉእ ወረ ዘየፍርሃና ስለምንታይ እዩ፧” ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ፡ ኵነታት ዓለም እናገደደ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሚልዮናት ሰባት ቀሲኖም ብደሓን ዚነብሩሉ ምኽንያት ፍለጥ።

ድራማ

ወንጌል የሱስ፦ 1ይ ምዕራፍ

ናይ ሓቂ ብርሃን ዓለም

ሓደ ኻብቲ ብግዜ ቝልዕነት የሱስ ዘጋጠመ ሓያሎ መስተንክር ነገራት፡ እቲ ተኣምራዊ ልደቱ እዩ። ድሕርዚ፡ ሓደ ንጉስ ኪቐትሎ ደልዩ ነይሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሱስ ናብ ግብጺ ተወሲዱ። ጸኒሑ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበሩ ዓበይቲ መምህራን ኣስተንኪርዎም እዩ። ኣብቲ ዓርብን ቀዳምን ዚርአ ኽልተ ኽፋል ዘለዎ 1ይ ምዕራፍ ድራማ፡ እዝን ካልእ ዛንታታትን ርአ።

ብዛዕባ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ዞባ እዚ ዚስዕብ ቪድዮታት ርአ

ኣኼባታት ዞባ ኸመይ ይመስል፧

ኣብ ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ክትጽበ ኸም እትኽእል ርአ።

ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2024፦ ‘ኣበስሩ!’

ኣብዚ ኣኼባ እዚ እንታይ ከም ዘሎ ርአ።

መላለዪ ድራማ፦ ወንጌል የሱስ

ብዙሓት ነቲ ተኣምራዊ ልደት የሱስ ይፈልጥዎ እዮም። ቅድሚ እዚ ፍጻመ እዝን ድሕሪኡን ግና እንታይ ፍጻመታት እዩ ነይሩ፧