ብኽብሪ ንዕድመካ
ንጹህ ኣምልኾ
ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2025
መእተዊ ብናጻ • እናዞርካ ገንዘብ ኣይእከብን
ዚጐልሕ ነጥብታት
ዓርቢ፦ በዚ ተኸታታሊ ቪድዮታት ኣቢልካ፡ ናብቲ የሱስ ዝነበረሉን ዝሰበኸሉን ቦታታት ተጓዓዝ።
ቀዳም፦ ናይ መጀመርታ ኽፋል ኣገልግሎት የሱስ ነቲ ቕድሚ ዘመናት እተነግረ ትንቢት ብኸመይ ከም ዝፈጸሞ ርአ።
ሰንበት፦ “ንእትፈልጥዎ ዲኹም እተምልኹ፧” ኣብ ዘርእስቱ መደረ፡ እምነታትና ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ብኸመይ ሓቂ ኸም እንረክብን ተምሃር።
ድራማ
ወንጌል የሱስ፦ 2ይ ምዕራፍን 3ይ ምዕራፍን
የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኰነ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ኣዋርሕ ከኣ፡ ብድያብሎስ ተፈተነ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኺእክብ ጀመረ፡ ናይ ፈለማ ተኣምራቱ እውን ገበረ። ኣብቲ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት እዚ ኣኼባ እዚ ዚርአ ምዕራፋት፡ ነዝን ተወሳኺ ነገራትን ርአ።
ምሉእ መደብ ኣቲ ኣኼባን ነዚ ዚስዕብ ቪድዮታትን ክትርኢ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ።
ኣኼባ ዞባ ኸመይ ይመስል፧
ኣብ ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ክትጽበ ኸም እትኽእል ርአ።
ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2025፦ “ንጹህ ኣምልኾ”
ኣብዚ ኣኼባ እዚ እንታይ ከም ዘሎ ርአ።
መላለዪ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማ፦ ወንጌል የሱስ
የሱስ ኣገልግሎቱ ኻብ ዚጅምር ኣትሒዙ ብሰባት ይኹን ካብ ሰባት ብዚሕይሉ ጸላእቲ ምጽራር ኣጋጠሞ። እሞኸ ኣብ መትከሉ ተለማሊሙዶ፧