ዝኽሪ ሞት የሱስ

ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2026፡ ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ፣ ሓሙስ 24 መጋቢት 2018፡ ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓመት ዓመት ዝኽሪ ሞት የሱስ የብዕሉ እዮም። ከመይሲ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ከምዚ ብምባል ኣዚዝዎም እዩ፦ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ።”—ሉቃስ 22:19

ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብዚ በዓል ክትእከብ ንዕድመካ።

ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት

መን ኪመጽእ ይኽእል፧

ኵሉ ሰብ ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ፈተውትኻን ስድራ ቤትካን እውን ሒዝካ ኽትመጽእ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ኣኼባ ኽንደይ ይወስድ፧

ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይወስድ።

ኣበይ እዩ ኺብዓል፧

ዝርዝር ሓበሬታ ንምፍላጥ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ።

ክትእከብ ክፍሊት የድሊ ድዩ፧

ኣየድልን።

እናዞርካ ገንዘብ ይእከብ ድዩ፧

ኣይፋልን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣኼባታትና እናዞርካ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ። —ማቴዎስ 10:8

እተፈልየ ዓይነት ኣከዳድና የድሊ ድዩ፧

ነዚ በዓል እዚ እተፈልየ ኣከዳድና ዘየድሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ቅዱስ በዓል ኣኽብሮት ከም ዘለዎም ዜርኢ ኣከዳድና ኪኽደኑ ይደልዩ እዮም።

ኣብ በዓል ዝኽሪ እንታይ እዩ ዚግበር፧

እቲ ኣኼባ ዚጅመርን ዚዛዘምን ተኣከብቲ ብዚዝምርዎ መዝሙርን ሓደ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዜቕርቦ ጸሎትን እዩ። ኣብቲ በዓል ዝኽሪ፡ ኣገዳስነት ሞት የሱስን ካብቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልና ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእልን ዚገልጽ መደረ ኪቐርብ እዩ።

ኣብ መጻኢ በዓል ዝኽሪ መዓስ እዩ ዚብዓል፧

2026፦ ሓሙስ 2 ሚያዝያ

2027፦ ሰኑይ 22 መጋቢት