ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝኽሪ ሞት የሱስ

ቀዳም 12 ሚያዝያ 2025፡ ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ፣ ቀዳም 4 ሚያዝያ 2017፡ ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓመት ዓመት ዝኽሪ ሞት የሱስ የብዕሉ እዮም። ከመይሲ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ከምዚ ብምባል ኣዚዝዎም እዩ፦ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ።”—ሉቃስ 22:19

ኣብዚ በዓል ክትእከብ ንዕድመካ።

ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት

እቲ ኣኼባ ኽንደይ ይወስድ፧

ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይወስድ።

ኣበይ እዩ ኺብዓል፧

ዝርዝር ሓበሬታ ንምፍላጥ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ።

ክትእከብ ክፍሊት የድሊ ድዩ፧

ኣየድልን።

እናዞርካ ገንዘብ ይእከብ ድዩ፧

ኣይፋልን።

እተፈልየ ዓይነት ኣከዳድና የድሊ ድዩ፧

ነዚ በዓል እዚ እተፈልየ ኣከዳድና ዘየድሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕትናን ኣኽብሮትን ዜርኢ ኣከዳድና ኽንክደን ዚህቦ ምኽሪ ኺስዕቡ ይጽዕሩ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 2:9) ክቡር ዝዋጋኡ ኽዳን ክትክደን ኣየድልየካን እዩ።

ኣብ በዓል ዝኽሪ እንታይ እዩ ዚግበር፧

እቲ ኣኼባ ዚጅመርን ዚዛዘምን ብመዝሙርን ሓደ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዜቕርቦ ጸሎትን እዩ። ኣብቲ በዓል ዝኽሪ፡ ኣገዳስነት ሞት የሱስን ካብቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልና ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእልን ዚገልጽ መደረ ኪቐርብ እዩ።

ኣብ መጻኢ በዓል ዝኽሪ መዓስ እዩ ዚብዓል፧

2025፦ ቀዳም 12 ሚያዝያ

2026፦ ሓሙስ 2 ሚያዝያ