ብዛዕባና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓለምለኻዊ ሃይማኖታዊ ውድብ ኢና። ነቲ ፈጣርን ኵሉ ዚኽእልን የሆዋ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። (መዝሙር 83:18፣ ራእይ 4:11) የሱስ ክርስቶስ ከኣ ወዲ ኣምላኽን መድሓኒናን ከም ዝዀነ እንኣምን ክርስትያናት ኢና። (ዮሃንስ 3:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:10-12) እምነትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እተመስረተ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ብዛዕባ እምነትና በዚ ወብሳይት እዝን ብናትካ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስን ጌርካ ኽትፈልጥ ንዕድመካ።
ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እንታዎት ኢና፧ ዘርእስታ ቪድዮ ብምርኣይ ብዛዕባና ብዝያዳ ፍለጥ።
ኣሃዛዊ ጸብጻብ
-
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፦ 9,205,326
-
ጉባኤታት፦ 119,652
-
ሃገራትን ግዝኣትን፦ 241
-
ወርሓዊ ብናጻ ኣሳታፊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበረሎም ሰባት፦ 7,603,182
-
ብ2025 ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እተኣከቡ ሰባት፦ 20,635,015
Frequently Asked Questions
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧
15 መሰረታዊ እምነታትና ርአ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ በዓላት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን በዓላትን ዚልዓል ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት ርአ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
ኣምላኽ ንበዓላት ዕለተ ልደት ዘይሕጐሰሉ ምኽንያት ዜርኢ ኣርባዕተ መዳያት መርምር።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧
ምስ ምምሕልላፍ ደም ብዚተሓሓዝ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ግጉይ ምርዳእ ኣሎ። ነዚ ብዚምልከት፡ ብዛዕባ እምነታትና እቲ ቕኑዕ ፍለጥ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናት ድዮም፧
ክርስትያናት ካብ ዚብሃሉ ኻልኦት ሃይማኖታት ብኸመይ ከም እንፍለ ኣንብብ።
Free Bible Course
Our History
Contact Us
ክትብጻሕ ሕተት
ብዛዕባ ሕቶ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያየጥ፡ ወይ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ፍለጥ።
ኣብ ኣኼባ ተኣከብ
ብዛዕባ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ መአከቢ ቦታ ድለ።
ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ርኸቦም
ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓበሬታ ርኸብ።
ዑደት ቤት-ኤል
ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ድለ።

