መዝሙር 135:1-21

  • ስለቲ ዕቤቱ ንያህ ወድስዎ

    • ኣብ ልዕሊ ግብጺ እተገብረ ትእምርትታትን ተኣምራትን (8, 9)

    • “ስምካ ንዘለኣለም ይነብር” (13)

    • ህይወት ዘይብሎም ጣኦታት (15-18)

135  ንያህ ወድስዎ!* ስም የሆዋ ወድሱ፣ኣቱም ገላዉ የሆዋ፡ ወድሱ።+  2  ኣቱም ኣብ ቤት የሆዋ፡ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ወድሱ።+  3  የሆዋ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንያህ ወድስዎ።+ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንስሙ ውዳሰ ዘምሩሉ።*  4  ያህሲ ንያእቆብ፡ ንዕኡ ኪኸውን፡ንእስራኤል ከኣ፡ ፍሉይ ጥሪቱ* ኪኸውን ሓርይዎ እዩ።+  5  የሆዋ ዓብዪ ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣ጐይታና ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ይዓቢ።+  6  የሆዋ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን፡ ኣብ ባሕርታትን ኣብ ኵሉ መዓሙቝን፡ባህ ዝበሎ ዅሉ ይገብር እዩ።+  7  ካብ ወሰናት ምድሪ ደበናታት* የዕርግ፣ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣ካብ ማዕከኑ ንፋስ የውጽእ።+  8  ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡በዅራት ግብጺ ወቕዐ።+  9  ኦ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ገላዉኡን፡+ኣብ መንጎኺ ትእምርትታትን ተኣምራትን ሰደደ።+ 10  ብዙሓት ኣህዛብ ወቕዐ፣+ሓያላት ነገስታት ድማ ቀተለ፣+ 11  እወ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን+ንዖግ ንጉስ ባሳንን+ንዅለን መንግስትታት ከነኣንን ኣጥፍአ። 12  ምድሮም ከኣ ርስቲ ገይሩ ሃበ፣ንህዝቡ እስራኤል ኣረስተዮ።+ 13  ኦ የሆዋ፡ ስምካ ንዘለኣለም ይነብር እዩ። ኦ የሆዋ፡ ዝናኻ* ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+ 14  የሆዋስ ንህዝቡ ኺጣበቐሎም፡*+ንገላዉኡ ድማ ኪርሕርሓሎም* እዩ።+ 15  ጣኦታት ኣህዛብሲ ኢድ ሰብ ዝገበሮምብሩርን ወርቅን እዮም።+ 16  ኣፍ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይዛረቡን፣+ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣ 17  ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፣ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።+ 18  እቶም ዚገብርዎም፡ ከማታቶም ኪዀኑ እዮም፣+ኵሎም እቶም ብኣታቶም ዚእመኑ* እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+ 19  ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንየሆዋ ወድስዎ። ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ንየሆዋ ወድስዎ። 20  ኣቱም ቤት ሌዊ፡ ንየሆዋ ወድስዎ።+ ኣቱም ንየሆዋ እትፈርሁ፡ ንየሆዋ ወድስዎ። 21  እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር የሆዋ፡+ካብ ጽዮን ይወደስ።+ ንያህ ወድስዎ!+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ወይ፡ “ዜኽብሮ ገንዘቡ።”
ወይ፡ “መፈንቶ፣ መተንፍሶ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ግመ።”
ወይ፡ “ስምካ።” ቃ.ቃ.፡ “መዘከርታኻ።”
ወይ፡ “ኺማጐተሎም።”
ወይ፡ “ብገላዉኡ ድማ ኪጥዓስ።”
ወይ፡ “ዚውከሉ።”