መዝሙር 135:1-21
135 ንያህ ወድስዎ!*
ስም የሆዋ ወድሱ፣ኣቱም ገላዉ የሆዋ፡ ወድሱ።+
2 ኣቱም ኣብ ቤት የሆዋ፡ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ወድሱ።+
3 የሆዋ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንያህ ወድስዎ።+
ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንስሙ ውዳሰ ዘምሩሉ።*
4 ያህሲ ንያእቆብ፡ ንዕኡ ኪኸውን፡ንእስራኤል ከኣ፡ ፍሉይ ጥሪቱ* ኪኸውን ሓርይዎ እዩ።+
5 የሆዋ ዓብዪ ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣ጐይታና ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ይዓቢ።+
6 የሆዋ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን፡ ኣብ ባሕርታትን ኣብ ኵሉ መዓሙቝን፡ባህ ዝበሎ ዅሉ ይገብር እዩ።+
7 ካብ ወሰናት ምድሪ ደበናታት* የዕርግ፣ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣ካብ ማዕከኑ ንፋስ የውጽእ።+
8 ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡በዅራት ግብጺ ወቕዐ።+
9 ኦ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ገላዉኡን፡+ኣብ መንጎኺ ትእምርትታትን ተኣምራትን ሰደደ።+
10 ብዙሓት ኣህዛብ ወቕዐ፣+ሓያላት ነገስታት ድማ ቀተለ፣+
11 እወ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን+ንዖግ ንጉስ ባሳንን+ንዅለን መንግስትታት ከነኣንን ኣጥፍአ።
12 ምድሮም ከኣ ርስቲ ገይሩ ሃበ፣ንህዝቡ እስራኤል ኣረስተዮ።+
13 ኦ የሆዋ፡ ስምካ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።
ኦ የሆዋ፡ ዝናኻ* ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+
14 የሆዋስ ንህዝቡ ኺጣበቐሎም፡*+ንገላዉኡ ድማ ኪርሕርሓሎም* እዩ።+
15 ጣኦታት ኣህዛብሲ ኢድ ሰብ ዝገበሮምብሩርን ወርቅን እዮም።+
16 ኣፍ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይዛረቡን፣+ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣
17 ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፣ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።+
18 እቶም ዚገብርዎም፡ ከማታቶም ኪዀኑ እዮም፣+ኵሎም እቶም ብኣታቶም ዚእመኑ* እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+
19 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንየሆዋ ወድስዎ።
ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ንየሆዋ ወድስዎ።
20 ኣቱም ቤት ሌዊ፡ ንየሆዋ ወድስዎ።+
ኣቱም ንየሆዋ እትፈርሁ፡ ንየሆዋ ወድስዎ።
21 እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር የሆዋ፡+ካብ ጽዮን ይወደስ።+
ንያህ ወድስዎ!+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
^ ወይ፡ “ሰናይ።”
^ ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
^ ወይ፡ “ዜኽብሮ ገንዘቡ።”
^ ወይ፡ “መፈንቶ፣ መተንፍሶ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ግመ።”
^ ወይ፡ “ስምካ።” ቃ.ቃ.፡ “መዘከርታኻ።”
^ ወይ፡ “ኺማጐተሎም።”
^ ወይ፡ “ብገላዉኡ ድማ ኪጥዓስ።”
^ ወይ፡ “ዚውከሉ።”