መዝሙር 68:1-35
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር። ማህሌት።
68 ኣምላኽ ይተንስእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣እቶም ዚጸልእዎ ድማ ካብ ቅድሚኡ ይህደሙ።+
2 ትኪ ኸም ዚብተን፡ በትኖም፣ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፡ከምኡ እኩያት ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጥፍኡ።+
3 ጻድቃን ግና ይተሓጐሱ፣+ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ባህ ይበሎም፣ብታሕጓስ ይፈስሁ።
4 ንኣምላኽ ዘምሩሉ፣ ንስሙ ውዳሰ ዘምሩሉ።*+
ነቲ ብጐላጕል ምድረ በዳ* ተወጢሑ ዚሓልፍ ዘምሩሉ።
ስሙ ያህ* እዩ!+ ኣብ ቅድሚኡ ተሓጐሱ!
5 ኣምላኽ ኣብ ቅዱስ ማሕደሩ+ኣቦ ዘኽታማትን* መዕቈቢ* መበለታትን እዩ።+
6 ኣምላኽ ነቶም በይኖም ዝዀኑ ዚቕመጡሉ ቤት ይህቦም፣+ንእሱራት ናብ ብልጽግና የውጽኦም።+
ነቓጻት* ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ።+
7 ኦ ኣምላኽ፡ ንህዝብኻ ኽትመርሖ* ኸለኻ፡+ብምድረ በዳ ኽትሓልፍ ከለኻ፡ (ሴላ)
8 ምድሪ ኣንቀጥቂጣ፣+ሰማይ እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘኒሙ፣*እዚ ሲና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣንቀጥቂጡ።+
9 ኦ ኣምላኽ፡ ብብዝሒ ኣዝኒምካ፣ንዝደኸመ ህዝብኻ* ኣበርቲዕካዮ።
10 ኣብ ድንኳናትካ ተቐሚጦም፣+ኦ ኣምላኽ፡ ብሕያውነትካ* ንድኻ ኣዳሊኻሉ።
11 የሆዋ ትእዛዝ ይህብ፣እተን ዜበስራ ኣንስቲ ዓብዪ ሰራዊት እየን።+
12 ነገስታት ሰራዊት ይሃድሙ፡+ ይሃድሙ!
እታ ኣብ ቤት ዝጸንሐት፡ ካብ ምርኮ ትማቐል።+
13 ኣብ መንጎ መጋርያታት* እኳ በጥ ኢልኩም እንተ ነበርኩም፡ብብሩር እተለበጠ ኣኽናፍ ርግቢ፡ብጽሩይ* ወርቂ እውን እተለበጠ መንገብገብ ኪህሉ እዩ።
14 እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፡+ኣብ ጻልሞን ውርጪ ዘኒሙ።*
15 ከረን ባሳን+ ናይ ኣምላኽ ከረን* እዩ፣ከረን ባሳን ኣራእስ ዘለዎ ኸረን እዩ።
16 ኣቱም ኣራእስ ኣኽራን፡ ስለምንታይ ኢኹምነቲ ኣምላኽ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሓረዮ* ኸረን ቀኒእኩም እትጥምትዎ፧+
እወ፡ የሆዋ ኣብኡ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+
17 ሰረገላታት ኣምላኽ ዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ።+
የሆዋ ኻብ ሲና ናብ መቕደስ መጺኡ።+
18 ናብ ላዕሊ ደዪብካ፣+ምሩኻት ማሪኽካ፣ውህበት ጌርካ ሰባት ወሲድካ፣+እወ፡ ኦ ያህ ኣምላኽ፡ ኣብ መንጎኦም ክትነብርሲ ነቓጻት እኳ ወሲድካ።+
19 እቲ መዓልቲ መዓልቲ ጾርና ዚጸውር የሆዋ፡እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድሕነትና ይወደስ።+ (ሴላ)
20 ንዓናስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ዜድሕን ኣምላኽ እዩ፣+የሆዋ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ድማ ካብ ሞት መዋጽኦ ዚገብር ኣምላኽ እዩ።+
21 እወ፡ ኣምላኽ ንኣራእስ ጸላእቱ፡ነቲ ጸጓር መንበስበስታ እቲ ብበደሉ ዚመላለስ ዘበለ ኺጭፍልቖ እዩ።+
22 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ፦ “ካብ ባሳን ክመልሶም፡+ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኸኣ ክመልሶም እየ፣
23 በዚ ኸምዚ፡ እግርኻ ብደም ክትሕጸብ እያ፣+ልሳን ኣኽላባትካ ኸኣ ግዲኡ ኻብ ጸላእቲ ኺረክብ እዩ።”
24 ኦ ኣምላኽ፡ ዓጀባኻ፡እቲ ናብ መቕደስ ዚበጽሕ ዓጀባ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ይርእዩ።+
25 እቶም ዘመርቲ ቐቅድሚት፡ ደድሕሪኦም ድማ በገና ዚወቕዑ ሙዚቀኛታት ይኸዱ፣+ኣብ መንጎ ኸኣ ከበሮ ዚወቕዓ ኣዋልድ ኣለዋ።+
26 ኣብ ጉባኤ ህዝቢ፡* ንኣምላኽ ወድስዎ፣ኣቱም ካብ ምንጪ እስራኤል ዝዀንኩም፡ ንየሆዋ ወድስዎ።+
27 ኣብኡ እቲ ዝነኣሰ ብንያም+ ይገዝኦም፣ከምኡ እውን መሳፍንቲ ይሁዳ ምስቶም ጫውጫው ዚብሉ ጭፍራኦም፡መሳፍንቲ ዛብሎን፡ መሳፍንቲ ንፍታሌም ይገዝእዎም።
28 ኣምላኽካ ሓያል ክትከውን ኣዚዙ።
ኣታ ምእንታና ኢልካ ዝገበርካ ኣምላኽ፡ ብርታዐኻ ኣርኢ።+
29 ስለታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስካ፡+ነገስታት ህያባት ኬምጽኡልካ እዮም።+
30 ህዝብታት ብሩር ሒዞም መጺኦም ክሳዕ ዚሰግዱ፡*ኣብ ሻምብቆታት ንዘለዉ እንስሳ ዘገዳም፡ንኣኼባ ኣብዑርን+ ምራኹቶምን ግንሓዮም።
ብውግእ ደስ ንዚብሎም ህዝብታት ግና ፋሕ የብሎም።
31 ኣቕሑ ብሮንዞ ኻብ ግብጺ ኺመጽእ እዩ፣*+ኩሽ ከኣ ቀልጢፋ ንኣምላኽ ህያባት ክትህብ እያ።
32 ኦ መንግስትታት ምድሪ፡ ንኣምላኽ ዘምራሉ፡+ንየሆዋ ውዳሰ ዘምራሉ፣* (ሴላ)
33 ነቲ ኣብ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ተወጢሑ ዚኸይድ ዘምሩሉ።+
እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የንጐድጕዶ።
34 ኣምላኽ ብርቱዕ ምዃኑ ተኣመኑ።+
ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ብርታዐኡ ድማ ኣብ ሰማያት* እዩ።
35 ኣምላኽ ካብቲ ዓብዪ መቕደሱ* ዜፍርህ እዩ።+
ንሱ ንህዝቡ ብርታዐን ሓይልን ዚህብ+ኣምላኽ እስራኤል እዩ።
ኣምላኽ ይወደስ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
^ ወይ፡ “ኣብ ደበናታት” ኪኸውን ይኽእል።
^ “ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ዳኛ።”
^ ወይ፡ “ኣቦ ዘይብሎምን።”
^ ወይ፡ “ዓለወኛታት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣንጠብጢቡ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ርስትኻ።”
^ ወይ፡ “ብሰናይካ።”
^ ወይ፡ “ደምበታት ኣባጊዕ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ብጭው ዝበለ ሓምላይ።”
^ ወይ፡ “ከምቲ ኣብ ጻልሞን ውርጪ ምስ ዘነመ ዚኸውን ኰይኑ።”
^ ወይ፡ “ግርማ ዘለዎ ኸረን።”
^ ወይ፡ “እተመነዮ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣኼባታት።”
^ ወይ፡ “ህዝብታት ንብሩር ክሳዕ ዚረግጽዎ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኣምባሳደራት ካብ ግብጺ ኺመጹ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኣዚማሉ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ደበናታት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መቕደስካ።”

