መዝሙር 79:1-13
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+
79 ኦ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ ንርስትኻ ወሪሮምዎ፣+ንቕድስቲ ቤተ መቕደስካ ኣርኪሶምዋ፣+ንየሩሳሌም ናብ ኵምራ ዑናታት ቀዪሮምዋ።+
2 ምግቢ ኪኸውንሲ ሬሳ ገላዉኻ ንኣዕዋፍ ሰማያት፡ስጋ እሙናትካ ድማ ንኣራዊት ምድሪ ሂቦምዎ።+
3 ደሞም ከም ማይ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣፍሲሶምዎ፣ዚቐብሮም እውን ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+
4 ንጐረባብትና መጻረፊ ዄንና፣+ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ የላግጹልናን የባጭዉልናን ኣለዉ።
5 ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኽትንድር፧ ንዘለኣለምዶ፧+
ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መዓስ እዩ ኸም ሓዊ ዚነድድ፧+
6 ነድርኻ ኣብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡ኣብተን ስምካ ዘይጽውዓ መንግስትታት ክዖ።+
7 ንሳቶምሲ ንያእቆብ ውሒጦምዎ፣ንዓዱ እውን ኣባዲሞምዋ።+
8 ብስሕተት ኣቦታትና ተሓተትቲ ኣይትግበረና።+
ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ቀልጢፍካ ምሕረትካ ኣርእየና።+
9 ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡+ምእንቲ እቲ ኽቡር ስምካ ኢልካ ርድኣና፣ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኣናግፈና፡ ሓጢኣትና እውን ይቕረ በለልና።*+
10 ስለምንታይ ኣህዛብ፡ “ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፧” ዚብሉ፧+
እቲ ዝፈሰሰ ደም ገላዉኻ ኸም እተፈድየ፡ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይፈለጥ።+
11 እህህታ እሱር ስማዕ።+
በቲ ዓብዪ ሓይልኻ* ጌርካ ነቶም ንሞት እተፈርዶም* ኣድሕኖም።*+
12 ኦ የሆዋ፡ ስለቲ ዘባጨዉልካ ባጫ፡+ንጐረባብትና ሸውዓተ ዕጽፊ ፍደዮም።+
13 ሽዑ፡ ንሕና ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን+ንዘለኣለም ከነመስግነካ ኢና፣ውዳሰኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኽንነግር ኢና።+