መዝሙር 79:1-13

  • ኣህዛብ ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ወረርዎም እተጸለየ ጸሎት

    • “መጻረፊ ዄንና” (4)

    • ‘ምእንቲ ስምካ ኢልካ ርድኣና’ (9)

    • “ንጐረባብትና ሸውዓተ ዕጽፊ ፍደዮም” (12)

ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ 79  ኦ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ ንርስትኻ ወሪሮምዎ፣+ንቕድስቲ ቤተ መቕደስካ ኣርኪሶምዋ፣+ንየሩሳሌም ናብ ኵምራ ዑናታት ቀዪሮምዋ።+   ምግቢ ኪኸውንሲ ሬሳ ገላዉኻ ንኣዕዋፍ ሰማያት፡ስጋ እሙናትካ ድማ ንኣራዊት ምድሪ ሂቦምዎ።+   ደሞም ከም ማይ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣፍሲሶምዎ፣ዚቐብሮም እውን ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+   ንጐረባብትና መጻረፊ ዄንና፣+ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ የላግጹልናን የባጭዉልናን ኣለዉ።   ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኽትንድር፧ ንዘለኣለምዶ፧+ ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መዓስ እዩ ኸም ሓዊ ዚነድድ፧+   ነድርኻ ኣብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡ኣብተን ስምካ ዘይጽውዓ መንግስትታት ክዖ።+   ንሳቶምሲ ንያእቆብ ውሒጦምዎ፣ንዓዱ እውን ኣባዲሞምዋ።+   ብስሕተት ኣቦታትና ተሓተትቲ ኣይትግበረና።+ ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ቀልጢፍካ ምሕረትካ ኣርእየና።+   ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡+ምእንቲ እቲ ኽቡር ስምካ ኢልካ ርድኣና፣ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኣናግፈና፡ ሓጢኣትና እውን ይቕረ በለልና።*+ 10  ስለምንታይ ኣህዛብ፡ “ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፧” ዚብሉ፧+ እቲ ዝፈሰሰ ደም ገላዉኻ ኸም እተፈድየ፡ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይፈለጥ።+ 11  እህህታ እሱር ስማዕ።+ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ* ጌርካ ነቶም ንሞት እተፈርዶም* ኣድሕኖም።*+ 12  ኦ የሆዋ፡ ስለቲ ዘባጨዉልካ ባጫ፡+ንጐረባብትና ሸውዓተ ዕጽፊ ፍደዮም።+ 13  ሽዑ፡ ንሕና ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን+ንዘለኣለም ከነመስግነካ ኢና፣ውዳሰኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኽንነግር ኢና።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ክደነልና።”
ቃ.ቃ.፡ “ቕልጽምካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንደቂ ሞት።”
ወይ፡ “ናጻ ግበሮም” ኪኸውን ይኽእል።