መዝሙር 119:1-176
א [ኣሌፍ]
119 ብመገዶም መንቅብ ዘይብሎም፡*ብሕጊ የሆዋ ኸኣ ዚመላለሱ፡ ሕጉሳት እዮም።+
2 መዘኻኸሪታቱ ዚሕልዉ፡+ብዅሉ ልቦም ድማ ዚደልይዎ፡ ሕጉሳት እዮም።+
3 ዓመጻ ኣይገብሩን፣ብመገድታቱ እውን ይመላለሱ።+
4 ትእዛዛትካ ብጥንቃቐ ኺሕሎስ፡ንስኻ ኣዚዝካ።+
5 ስርዓታትካ ኽሕሉስ፡+ኣየ ጸኒዐ እንተ ዝመላለስ!*
6 ሽዑ፡ ንዅሉ ትእዛዛትካ ኽሓስብ ከለኹ፡ኣይምሓፈርኩን።+
7 ቅኑዕ ፍርድታትካ ምስ ተመሃርኩ፡ብቕኑዕ ልቢ ኽውድሰካ እየ።
8 ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።
ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ።
ב [ቤት]
9 ጐበዝ ንመገዱ ኸመይ ገይሩ ብንጽህና ይሕልዋ፧
ከም ቃልካ ንርእሱ ብምሕላው እዩ።+
10 ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣለኹ።
ካብ ትእዛዛትካ ኸልግስ ኣይትሕደገኒ።+
11 ንዓኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡+ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቚረዮ።+
12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ተወደስ፣ስርዓታትካ ምሃረኒ።
13 ኵሉ እቲ እተዛረብካዮ ፍርድታትካብኸናፍረይ እነግር እየ።
14 ካብ ብኻልእ ኵሉ ጥሪት ንላዕሊ፡+ብመዘኻኸሪታትካ እሕጐስ እየ።+
15 ንትእዛዛትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ፡*+ኣዒንተይ ድማ ኣብ መገድታትካ ኽገብር እየ።+
16 ንሕግታትካ እፈትዎ እየ።
ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።+
ג [ጊሜል]
17 ብህይወት ክነብር፡ ቃልካ እውን ክሕሉስ፡ንጊልያኻ ጽቡቕ ግበረሉ።+
18 ኣብ ሕግኻ ዜደንቕ ነገራትብንጹር ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ።
19 ኣነ ኣብዛ ምድሪ፡ ጓና እየ።+
ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ።
20 ኣነ* ዅሉ ሳዕ ንፍርድታትካብምንፋቕ ተወዲአ።
21 ንተዳፈርቲ፡ካብ ትእዛዛትካ ንዜልግሱ ርጉማት፡ ትገንሖም።+
22 መዘኻኸሪታትካ ሓልየ እየ እሞ፡ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ።*
23 መሳፍንቲ ብሓባር ተቐሚጦም ኣንጻረይ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ጊልያኻ ንስርዓታትካ ይሓስበሉ* እዩ።
24 ንመዘኻኸሪታትካ እፈትዎም እየ፣+ኣማኸርተይ እዮም።+
ד [ዳሌጥ]
25 ኣብ ሓመድ በጥ ኢለ ኣለኹ።*+
ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።+
26 መገድታተይ ነጊረካ፡ ንስኻ እውን መሊስካለይ።
ስርዓታትካ ምሃረኒ።+
27 ንዜደንቕ ግብርታትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉስ፡*+ትርጉም* ትእዛዛትካ ኣረድኣኒ።
28 ብጓሂ ድቃስ ስኢነ ኣለኹ።*
ከም ቃልካ ኣበርትዓኒ።
29 መገዲ ምትላል ኣርሕቐለይ፣+ብሕግኻ እውን ሞገስ ኣርእየኒ።
30 መገዲ ተኣማንነት መሪጸ ኣለኹ።+
ፍርድታትካ ቕኑዕ ምዃኑ እፈልጥ እየ።
31 ናብ መዘኻኸሪታትካ እለግብ እየ።+
ኦ የሆዋ፡ ኣይተሕፍረኒ።+
32 ልበይ ስለ ዘግፋሕካ፡*ንመገዲ ትእዛዛትካ ተሃንጥየ ኽስዕባ* እየ።
ה [ሄ]
33 ኦ የሆዋ፡ መገዲ ስርዓታትካ ምሃረኒ፣+ክሳዕ መወዳእታ እውን ክስዕቦ እየ።+
34 ሕግኻ ኽሕሉንብምሉእ ልበይ ክገብሮንሲ፡ኣእምሮ ሃበኒ።
35 ብእኡ ደስ ይብለኒ እዩ እሞ፡ብመገዲ ትእዛዛትካ ምርሓኒ።*+
36 ልበይ ናብ ጥቕሚ ርእሰይ* ዘይኰነስ፡+ናብ መዘኻኸሪታትካ ኣዘምብል።
37 ንኣዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣+ብመገድኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
38 ምእንቲ ኽትፍራህሲ፡ንጊልያኻ ቓልካ ፈጽመሉ።*
39 ፍርድታትካ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ነቲ ዝፈርሆ ውርደት ኣርሕቐለይ።+
40 ትእዛዛትካ ኸመይ ከም ዝናፍቕ ርአ።
ብጽድቅኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
ו [ዋው]
41 ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ፡+ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ድሕነትካን እርከብ፣+
42 ብቓልካ እእመን እየ እሞ፡ነቲ ዜባጭወለይ ክምልሰሉ እየ።
43 ብፍርድኻ ተስፋ ገይረ* ኣለኹ እሞ፡ቃል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተርሕቕ።
44 ንሕግኻ ወትሩ፡ንዘለኣለመ ኣለም ክሕልዎ እየ።+
45 ትእዛዛትካ እደሊ እየ እሞ፡ብውሑስ ቦታ* ኽመላለስ እየ።+
46 ኣብ ቅድሚ ነገስታት ብዛዕባ መዘኻኸሪታትካ ኽዛረብ፡ኣይክሓፍርን እውን እየ።+
47 ንትእዛዛትካ እፈትዎ፡እወ፡ አፍቅሮ እየ።+
48 ኣእዳወይ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፡+ንስርዓታትካ ኸኣ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ* እየ።+
ז [ዛይን]
49 ነቲ ንዓይ ንጊልያኻ ዘተስፎኻኒ*ቓል ዘክሮ።
50 ቃልካ ብህይወት ኣንቢሩኒ እዩ እሞ፡እዚ ብጸበባይ መጸናንዕየይ እዩ።+
51 ተዳፈርቲ ፈጺሞም ይንዕቁኒ እዮም፣ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየልግስን እየ።+
52 ኦ የሆዋ፡ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እዝክር፡+ብእኡ ድማ እጸናናዕ እየ።+
53 ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሓደጉ እኩያትብዚነድድ ቍጥዓ ተታሒዘ ኣለኹ።+
54 ኣብ ዝነበርኩ እንበር፡*ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ።
55 ኦ የሆዋ፡ ሕግኻ ኽሕሉስ፡+ብለይቲ ስምካ እዝክር እየ።
56 ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡እዚ ልማደይ ኰይኑ ኣሎ።
ח [ሔት]
57 የሆዋ ግደይ እዩ፣+ቃልካ ኽሕሉ ቓል ኣትየ እየ።+
58 ብምሉእ ልበይ እልምነካ* ኣለኹ፣+ከም ቃልካ ሞገስካ ኣርእየኒ።+
59 ኣእጋረይ ናብ መዘኻኸሪታትካ ንምምላስሲ፡መገድታተይ መርሚረ እየ።+
60 ትእዛዛትካ ንምሕላው፡እቕልጥፍ እምበር ኣይድንጕን እየ።+
61 ኣግማድ እኩያት ከቢቡኒ፣ሕግኻ ግና ኣይርስዕን እየ።+
62 ስለቲ ቕኑዕ ፍርድታትካስ፡ፍርቂ ለይቲ ኸመስግነካ ኽትንስእ እየ።+
63 ኣነ ፈታው ኵሎም እቶም ዚፈርሁኻንእቶም ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ።+
64 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ንምድሪ መሊእዋ ኣሎ፣+ስርዓታትካ ምሃረኒ።
ט [ጤት]
65 ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ፡ንጊልያኻ ጽቡቕ ጌርካሉ።
66 ብትእዛዛትካ ተኣሚነ እየ እሞ፡ልብምናን ፍልጠትን ምሃረኒ።+
67 ቅድሚ ጸበባይ፡ አልግስ ነይረ፣*ሕጂ ግና ቃልካ እሕሉ ኣለኹ።+
68 ንስኻ ሕያዋይ* ኢኻ፡+ ግብርታትካ እውን ጽቡቕ እዩ።
ስርዓታትካ ምሃረኒ።+
69 ተዳፈርቲ ብሓሶት ይጥቅኑኒ ኣለዉ፣ኣነ ግና ብዅሉ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣለኹ።
70 ልቦም ስምዒት ኣልቦ* ዀይኑ ኣሎ፣+ኣነ ግና ንሕግኻ እፈትዎ እየ።+
71 ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሃርሲ፡ጸበባ ምርካበይ ጽቡቕ እዩ።+
72 ካብ ኣሽሓት ወርቅን ብሩርንሲ፡እቲ ዝኣወጅካዮ ሕጊ ይሕሸኒ።+
י [ዮድ]
73 ኣእዳውካ እየን ገይረናንን ሰሪሐናንን።
ትእዛዛትካ ኽምሃርሲ፡ኣእምሮ ሃበኒ።+
74 ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡+እቶም ዚፈርሁኻ፡ ርእዮምኒ ይሕጐሱ።
75 ኦ የሆዋ፡ ፍርድታትካ ቕኑዕ ምዃኑ፡+ብተኣማንነትካ ድማ ከም ዘጽበብካለይ እፈልጥ እየ።+
76 ከምቲ ንጊልያኻ ዝኣቶኻዮ ቓል፡ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ+ የጸናንዓኒ።
77 ንሕግኻ እፈትዎ እየ እሞ፡+ብህይወት ክነብርሲ፡ ምሕረት ኣርእየኒ።+
78 ብዘይ ምኽንያት* ይብድሉኒ እዮም እሞ፡ተዳፈርቲ ይሕፈሩ።
ኣነ ግና ንትእዛዛትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ* እየ።+
79 እቶም ዚፈርሁኻ፡እቶም ንመዘኻኸሪታትካ ዚፈልጡ፡ ናባይ ይመለሱ።
80 ምእንቲ ኸይሓፍርሲ፡+ልበይ መንቅብ ዘይብሉ ዀይኑ ንስርዓታትካ ይስዓቦ።+
כ [ካፍ]
81 ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡ንድሕነትካ እናፍቕ ኣለኹ።*+
82 “መዓስ ኢኻ እተጸናንዓኒ፧” እናበልኩ፡+ኣዒንተይ ንቓልካ ይናፍቓ ኣለዋ።+
83 ኣነስ ኣብ ትኪ ኸም ዝነቐጸ ሓርቢ እየ፣ስርዓታትካ ግና ኣይርስዕን እየ።+
84 ጊልያኻ ኽንደይ መዓልትታት እዩ ኺጽበ፧
ኣብቶም ዚሰጕጉኒ መዓስ ኢኻ ፍርዲ ኸተምጽእ፧+
85 ተዳፈርቲ፡እቶም ንሕግኻ ዚዳፈሩ፡ ጕድጓድ ይዅዕቱለይ።
86 ኵሉ ትእዛዛትካ እሙን እዩ።
ብዘይ ምኽንያት ይሰጕጉኒ ኣለዉ፣ ርድኣኒ!+
87 ካብ ምድሪ ዳርጋ ኣጽኒቶምኒ ነይሮም፣ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሓደግኩን።
88 ነቲ እተዛረብካዮ መዘኻኸሪታት ክሕሉስ፡ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
ל [ላሜድ]
89 ኦ የሆዋ፡ ቃልካ ኣብ ሰማያትንዘለኣለም ይነብር።+
90 ተኣማንነትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+
ንምድሪ ኣጽኒዕካያ ኢኻ፣ ንሳ እውን ትቐውም።+
91 ኵሎም* ገላዉኻ እዮም እሞ፡ብፍርድታትካ ኽሳዕ ሎሚ ይነብሩ።
92 ንሕግኻ እንተ ዘይፈትዎስ፡ብጸበባይ ምጠፋእኩ ነይረ።+
93 ብእኡ ብህይወት ተንብረኒ ኢኻ እሞ፡ንትእዛዛትካ ኸቶ ኣይርስዖን እየ።+
94 ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፡+ኣነ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒ።+
95 እኩያት ኬጥፍኡኒ ይጽበዩ፣ኣነ ግና ናብ መዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ አቕልብ ኣለኹ።
96 ንዅሉ ፍጽምና ደረቱ ርእየ እየ፣ትእዛዝካ ግና ደረት የብሉን።*
מ [ሜም]
97 ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ!+
ምሉእ መዓልቲ ኣጸቢቐ እሓስበሉ* ኣለኹ።+
98 ትእዛዝካ ንዘለኣለም ምሳይ እዩ እሞ፡ሓለፋ ጸላእተይ ጥበበኛ ይገብረኒ እዩ።+
99 ንመዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ እሓስበሉ* እየ እሞ፡ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ልቦና ኣሎኒ።+
100 ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡ሓለፋ ዓበይቲ ብኣእምሮ እመላለስ እየ።
101 ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡ብኽፉእ መገዲ ምምልላስ ኣብየ እየ።+
102 ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ካብ ፍርድታትካ ኣየልግስን እየ።
103 ቃላትካ ንትንሓገይ ክንደይ ኰን ይጥዕም!
ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር!+
104 ሳላ ትእዛዛትካ ብኣእምሮ እመላለስ እየ።+
ስለዚ እየ ዅሉ መገዲ ሓሶት ዝጸልእ።+
נ [ኑን]
105 ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።+
106 ንቕኑዕ ፍርድታትካ ኽሕሉምሒለ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ።
107 ብዙሕ ጸቢቡኒ ኣሎ።+
ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።+
108 ኦ የሆዋ፡ በቲ ብውዳሰ ዚቐርብ መስዋእቲ ፍታው* ግዳ ባህ ይበልካ፣+ፍርድታትካ ድማ ምሃረኒ።+
109 ህይወተይ ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ፣*ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን።+
110 እኩያት መጻወድያ ኣጻዊዶምለይ፣ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየልገስኩን።+
111 መዘኻኸሪታትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡+ነባሪ ርስተይ* ገይረዮ ኣለኹ።
112 ኵሉ ግዜ፡ ክሳዕ መወዳእታ፡ንስርዓታትካ ኽእዘዝ ቈሪጸ ኣለኹ።*
ס [ሳሜኽ]
113 ፍርቂ ዝልቦም* እጸልእ፡+ሕግኻ ግና አፍቅር እየ።+
114 ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡+ንስኻ መሕብእየይን ዋልታይን ኢኻ።+
115 ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፡ኣቱም እኩያት፡ ካባይ ርሓቑ።+
116 ብህይወት ክነብርሲ፡ከም ቃልካ ደግፈኒ፣+ተስፋይ ናብ ሕፍረት ኣይትለውጦ።+
117 ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፣+ሽዑ፡ ወትሩ ኣብ ስርዓታትካ ኸተኵር እየ።+
118 ብሓሶት ዚመላለሱን መታለልትን እዮም እሞ፡ንዅሎም እቶም ካብ ስርዓታትካ ዜልግሱ ትድርብዮም።+
119 ንዅሎም እኩያት ምድሪ፡ ከም ሓተላ ብረት ትጕሕፎም።+
ስለዚ እየ ንመዘኻኸሪታትካ ዘፍቅሮ።
120 ራዕድኻ ንሰብነተይ* ራዕራዕ የብሎ፡ፍርድታትካ ኸኣ የፍርሃኒ እዩ።
ע [ዓይን]
121 ፍትሕን ጽድቅን ገይረ እየ።
ናብ ጨቈንተይ ኣይትደርብየኒ!
122 ዋሕስ ድሕንነት ጊልያኻ ኹን፣ተዳፈርቲ ኣይጨቍኑኒ።
123 ኣዒንተይ ንድሕነትካንንቕኑዕ ቃልካን ኪጽበያ ደኺመን ኣለዋ።+
124 ንጊልያኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ፣+ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ።+
125 ኣነ ጊልያኻ እየ፣መዘኻኸሪታትካ ኽፈልጥሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+
126 ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡የሆዋ ግብሩ ዚገብረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።+
127 ስለዚ እየ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ ዘፍቅሮ።+
128 ስለዚ፡ ትእዛዝካ ዘበለ ቕኑዕ ገይረ እቘጽሮ፡+መገዲ ሓሶት ዘበለ ድማ እጸልእ እየ።+
פ [ፌ]
129 መዘኻኸሪታትካ ዜደንቕ እዩ።
ስለዚ እየ ዝሕልዎ።*
130 ምግላጽ ቃላትካ የብርህ፡+ንዘይለበሙ ኣእምሮ ይህብ።+
131 ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፡ኣፈይ ሃህ ኣቢለ ሃንቀው እብል* ኣለኹ።+
132 ከምቲ ስምካ ንዜፍቅሩ እትፈርደሎም ፍርዲ፡+ተመለሰንን ሞገስ ኣርእየንን።+
133 ንስጕምትታተይ ብቓልካ ምርሓየን፣*እከይ ድማ ኣይምለኸኒ።+
134 ካብ ጨቈንቲ ሰባት ኣናግፈኒ፣*ኣነ እውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ።
135 ንጊልያኻ ገጽካ ኣብርሃሉ፣+ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ።
136 ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ካብ ኣዒንተይ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።+
צ [ጻዴ]
137 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣+ፍርድታትካ ድማ ቅኑዕ እዩ።+
138 እቲ እትህቦ መዘኻኸሪታት ቅኑዕንምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምንን እዩ።
139 ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፡ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ።+
140 ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣+ጊልያኻ ድማ የፍቅሮ እዩ።+
141 ኣነ ንእሽቶን ንዑቕን እየ፣+ግናኸ፡ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን።
142 ጽድቅኻ ናይ ዘለኣለም ጽድቂ እዩ፣+ሕግኻ እውን ሓቂ እዩ።+
143 ጭንቅን ሽግርን እኳ እንተ ረኸበኒ፡ንትእዛዛትካ እፈትዎ እየ።
144 ጽድቂ መዘኻኸሪታትካ ንዘለኣለም እዩ።
ብህይወት ክነብርሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+
ק [ቆፍ]
145 ብምሉእ ልበይ እጽውዕ ኣለኹ። ኦ የሆዋ፡ መልሰለይ።
ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ።
146 እጽውዓካ ኣለኹ፣ ኣድሕነኒ!
መዘኻኸሪታትካ ኽሕሉ እየ።
147 ቃላትካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡ከእውስ ቅድሚ ወጋሕታ* ነቒሐ።+
148 ንቓልካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉስ፡*ኣዒንተይ ቅድሚ እቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ይኽፈታ።+
149 ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ፡ ድምጸይ ስማዕ።+
ኦ የሆዋ፡ ከም ፍትሕኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
150 እቶም ዜሕፍር ተግባር* ዚገብሩ ይቐርቡ ኣለዉ፣ካብ ሕግኻ ርሑቓት እዮም።
151 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ቐረባ ኢኻ፣+ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።+
152 ብዛዕባ እቲ ንዘለኣለም ኪነብር ዝሰረትካዮመዘኻኸሪታትካ ቐደም ፈሊጠ።+
ר [ሬሽ]
153 ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ጸበባይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።+
154 ተማጐተለይ እሞ ኣናግፈኒ፣+ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።
155 እኩያት ስርዓታትካ ኣይደለዩን እሞ፡ድሕነት ካብኦም ርሒቑ እዩ።+
156 ኦ የሆዋ፡ ምሕረትካ ዓብዪ እዩ።+
ከም ፍትሕኻ ብህይወት ኣንብረኒ።
157 ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣+ኣነ ግና ካብ መዘኻኸሪታትካ ኣየልገስኩን።
158 ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ንጠለምቲ ርእየ እፍንፍኖም እየ።+
159 ትእዛዛትካ ኸመይ ከም ዘፍቅሮ ርአ!
ኦ የሆዋ፡ ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ብህይወት ኣንብረኒ።+
160 ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣+ኵሉ እቲ ቕኑዕ ፍርድታትካ ድማ ንዘለኣለም ይነብር።
ש [ሲን] ወይ [ሺን]
161 መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ይሰጕጉኒ፣+ልበይ ግና፡ ቃልካ እዩ ዚፈርህ።+
162 ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝረኸበ፡ብቓልካ እሕጐስ እየ።+
163 ንሓሶት እጸልኦ፡ እፍንፍኖ እውን እየ፣+ንሕግኻ ግና አፍቅሮ እየ።+
164 ስለቲ ቕኑዕ ፍርድታትካ፡ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሳዕ እውድሰካ እየ።
165 እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፣+ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።*
166 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ግብርታት ድሕነትካ ተስፋ እገብር፡ትእዛዛትካ ድማ እሕሉ እየ።
167 መዘኻኸሪታትካ እሕሉ፡*ኣዝየ እውን አፍቅሮ እየ።+
168 ኵሉ እቲ ዝገብሮ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡+ትእዛዛትካን መዘኻኸሪታትካን እሕሉ እየ።
ת [ታው]
169 ኦ የሆዋ፡ ኣውያተይ ይብጻሕካ።+
ከም ቃልካ ኣረድኣኒ።+
170 ናይ ሞገስ ልማኖይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ።
ከም ቃልካ ኣድሕነኒ።
171 ስርዓታትካ ትምህረኒ ኢኻ እሞ፡ከናፍረይ ብውዳሰኻ ይጀርብባ።+
172 ኵሉ ትእዛዛትካ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ልሳነይ ብዛዕባ ቓልካ ትዘምር።+
173 ትእዛዛትካ ኽሕሉ ሓርየ እየ እሞ፡+ኢድካ ኽትረድኣኒ ድልውቲ ትኹን።+
174 ኦ የሆዋ፡ ድሕነትካ እናፍቕ ኣለኹ፣ንሕግኻ እውን እፈትዎ እየ።+
175 ክውድሰካስ ብህይወት ኣንብረኒ፣*+ፍርድታትካ ድማ ይርድኣኒ።
176 ከም ጥፍእቲ በጊዕ ሃውቲተ ኣለኹ።+
ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፡+ ንጊልያኻ ድለዮ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ንጽህና ዚሕልዉ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣየ መገድታተይ እንተ ዚጸንዕ!”
^ ወይ፡ “ኸጽንዖ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ካብ ልዕለይ ኣንከባልል።”
^ ወይ፡ “የጽንዖ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ኣብ ሓመድ በጥ ኢላ ኣላ።”
^ ወይ፡ “ኸጽንዖስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መገዲ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ብጓሂ ድቃስ ስኢና ኣላ።”
^ ወይ፡ “ንልበይ እምንቶ ስለ ዘሕደርካሉ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ።”
^ ወይ፡ “ኣመላልሰኒ።”
^ ወይ፡ “ናብ ረብሓ።”
^ ወይ፡ “እቲ ንዚፈርሁኻ እተኣትወሎም ቃልካ ንጊልያኻ ፈጽመሉ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንፍርድኻ እጽበ።”
^ ወይ፡ “ብርሒብ።”
^ ወይ፡ “ከጽንዖ።”
^ ወይ፡ “ዘጸበኻኒ።”
^ ወይ፡ “ኣብቲ ጓና ዀይነ ዚነብረሉ ቤት።”
^ ወይ፡ “ገጽካ አፈሽሕው (ፍሽኽ ከብል እደሊ)።”
^ ወይ፡ “ብጌጋ እሓጥእ ነይረ።”
^ ወይ፡ “ሰናይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ከም ስብሒ ስምዒት ኣልቦ።”
^ ወይ፡ “ቃልካ እጽበ እየ።”
^ ወይ፡ “ብሓሶት” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኸጽንዖ።”
^ ወይ፡ “ቃልካ እጽበ እየ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ንድሕነትካ ትናፍቕ ኣላ።”
^ ማለት፡ ኵሎም ፍጥረታቱ።
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣዝዩ ርሒብ እዩ።”
^ ወይ፡ “አጽንዖ።”
^ ወይ፡ “አጽንዖ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብናይ ኣፈይ መስዋእቲ ፍታው።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ወትሩ ኣብ ኢደይ እያ።”
^ ወይ፡ “ናይ ዘለኣለም ርስተይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ልበይ ኣዘምቢለ ኣለኹ።”
^ ወይ፡ “ልቦም እተኸፍለ።”
^ ወይ፡ “ቃልካ እጽበ እየ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንስጋይ።”
^ ወይ፡ “ስለዚ እያ ነፍሰይ እትሕልዎ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “እልህልህ።”
^ ወይ፡ “ኣጽንዓየን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ተበጀወኒ።”
^ ወይ፡ “ቃላትካ እጽበ እየ።”
^ ወይ፡ “ዋግዋጎ።”
^ ወይ፡ “ኸጽንዖስ።”
^ ወይ፡ “ጽያፍ።”
^ ወይ፡ “መዐንቀፊ ኸኣ የብሎምን።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ንመዘኻኸሪታትካ ትሕልዎ እያ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ ብህይወት ኣንብራ።”

