ሀ7-ቀ
ቀንዲ ፍጻመታት ምድራዊ ህይወት የሱስ—የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት (2ይ ክፋል)
|
ግዜ |
ቦታ |
ፍጻመ |
ማቴዎስ |
ማርቆስ |
ሉቃስ |
ዮሃንስ |
|---|---|---|---|---|---|---|
|
14 ኒሳን |
የሩሳሌም |
የሱስ፡ ይሁዳ ኸዳዕ ምዃኑ ሓቢሩ ኻብ መንጎኦም ኣውጽኦ |
||||
|
ድራር ጐይታ ሰርዐ (1ቈረ 11:23-25) |
||||||
|
ጴጥሮስ ከም ዚኽሕድን ሃዋርያት ከም ዚብተኑን ተነበየ |
||||||
|
ሓጋዚ ኸም ዚልእከሎም ኣተስፈዎም፣ ምሳሌ ናይ ሓቂ ተኽሊ ወይኒ፣ ኪፋቐሩ ኣዘዘ፣ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ሃዋርያት ጸለየ |
||||||
|
ጌተሴማኔ |
ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ተሳቐየ፣ የሱስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን |
|||||
|
የሩሳሌም |
ብሃና ተሓትተ፣ ብቀያፋን በቲ ዋዕላን ተመርመረ፣ ጴጥሮስ ከሓዶ |
|||||
|
ይሁዳ እቲ ኸዳዕ ተሓንቀ (ግብ 1:18, 19) |
||||||
|
ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ፡ ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ሄሮድስ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ |
||||||
|
ጲላጦስ ኪፈትሖ እኳ እንተ ድለየ፡ ኣይሁድ በርባን ኪፍትሓሎም ለመኑ፣ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪስቀል ተፈርዶ |
||||||
|
(ከ.3:00 ድ.ቀ.፡ ዓርቢ) |
ጐልጎታ |
ኣብ ጕንዲ ስቅያት ሞት |
||||
|
የሩሳሌም |
ንሬሳኡ ኻብ ጕንዲ ስቅያት ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣንበርዎ |
|||||
|
15 ኒሳን |
የሩሳሌም |
ካህናትን ፈሪሳውያንን ነቲ መቓብር ሓለውቲ ገበሩሉን ሓተምዎን |
||||
|
16 ኒሳን |
የሩሳሌምን ከባቢኣን፣ ኤማሁስ |
የሱስ ተንስአ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ሓሙሽተ ሳዕ ተራእዮም |
||||
|
ድሕሪ 16 ኒሳን |
የሩሳሌም፣ ገሊላ |
ንደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ ተራእዮም (1ቈረ 15:5-7፣ ግብ 1:3-8)፣ ኣዘዞም፣ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ መዘዞም |
||||
|
25 ኢያር |
ደብረ ዘይቲ፡ ጥቓ ቢታንያ |
የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ 40 መዓልቲ ጸኒሑ ዓረገ (ግብ 1:9-12) |

