ሕቶ 16
ከመይ ጌርካ ንጭንቀት ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧
“ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ።”
“ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣ ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።”
“ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡ ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ።”
“ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧”
“እምበኣር፡ ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።”
“እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ።”
“ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”