መዝሙር 40:1-17
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር።
40 ብየሆዋ ብዙሕ ተስፋ ገይረ፣*ንሱ እውን እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ* ኣውያተይ ሰሚዑ።+
2 ድዋሕዋሕ ካብ ዚብል ጕድጓድ፡ካብ ረግረግ ጸብሪ ኣውጺኡኒ።
ንኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚምወን፣ንስጕምትታተይ ከኣ ኣጽኒዕወን።
3 ንኣምላኽና ውዳሰ ዚኸውንሓድሽ መዝሙር ድማ ኣብ ኣፈይ ኣንቢሩ።+
ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፡ብየሆዋ ኸኣ ኪእመኑ* እዮም።
4 ብየሆዋ ዚእመን፡*ናብ ሕንግድ ወይ ናብቶም ናይ ሓሶት* ድማ ዘየብል ሰብ ሕጉስ እዩ።
5 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ዜደንቕ ግብርታትካን ንዓና ዝሓሰብካዮ ሓሳባትካን፡እቲ ዝገበርካዮስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ።+
ምሳኻ ኺወዳደር ዚኽእል የልቦን፣+ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ዝፍትንሲ፡ምጽብጻቡ ዘይከኣል ብዙሕ ምዀነ!+
6 መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፣*+ኣእዛነይ ኪሰምዓ ግና ከፊትካለይ።+
ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይሓተትካን።+
7 ሽዑ፡ ኣነ ኸምዚ ኢለ፦ “እነኹ፡ መጺአ።
ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ።+
8 ኦ ኣምላኸይ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ፣*+ሕግኻ ድማ ኣብ ውሽጠይ እዩ።+
9 ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ብስራት ጽድቂ ኣበሲረ።+
ኦ የሆዋ፡ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጦ፡እንሆ፡ ከናፍረይ ኣይገታእኩን።+
10 ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይከወልክዎን።
ተኣማንነትካን ድሕነትካን እነግር እየ።
ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ሓቅኻን ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኣይሓባእኩን።”+
11 ኦ የሆዋ፡ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ።
ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕርኻን ሓቅኻን ወትሩ ይሓልዋኒ።+
12 ምቝጻሩ ዘይከኣል መዓት ከቢቡኒ።+
መገደይ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን፡ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ስሕተተይ ውሒጡኒ።+
ካብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሕ እዩ እሞ፡ልበይ ጠፊኡኒ ኣሎ።
13 ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ንምድሓነይ ፍቓደኛ ኹን።+
ኦ የሆዋ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+
14 ኵሎም እቶም ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ዚደልዩ፡ይሕፈሩን ይዋረዱን።
እቶም ብመዓተይ ደስ ዚብሎም፡ናብ ውርደት የንሳሕቡ።
15 እቶም “ኣሰይ! ኣሰይ!” ዚብሉኒ፡ብሰሪ ሕፍረቶም ይሰምብዱ።
16 እቶም ዚደልዩኻ ግና፡+ብኣኻ ይፈስሁን ይተሓጐሱን።+
እቶም ግብርታት ድሕነትካ ዚፈትዉ ኸኣ፡ወትሩ፡ “የሆዋ ይዕበ” ይበሉ።+
17 ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣የሆዋ ደኣ የቕልበለይ።
ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ፣+ኣምላኸየ፡ ኣይትደንጒ።+

