መቕድም
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ናብ ኵላትና ሓሳቡ ብጽሑፍ ዜመሓላልፈሉ መጽሓፍ እዩ። ንደራሲኡ ወይ ንኣመንጫዊኡ ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ነዚ መጽሓፍ ከነጽንዖ ኣሎና። (ዮሃንስ 17:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣብ ውሽጡ ድማ፡ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ነታ መንበሪቶም ዝዀነት ምድርን ዘለዎ ዕላማ ይገልጽ።–ዘፍጥረት 3:15፣ ራእይ 21:3, 4።
ኣብ ህይወት ሰባት ክንድዚ ዚኣክል ጽልዋ ዘሕደረ ኻልእ መጽሓፍ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸም ፍቕርን ምሕረትን ርሕራሐን ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ኸነንጸባርቕ ይድርኸና እዩ። ተስፋ የሕድረልና፡ ዝሓሰመ መከራ ኽንጻወር ከኣ ይሕግዘና እዩ። ምስቲ ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽ ዘይቃደዉ ባእታታት እዛ ዓለም እዚኣ እውን የቃልዕ እዩ።–መዝሙር 119:105፣ እብራውያን 4:12፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ ብእብራይስጥን ብኣራማይስጥን ብግሪኽኛን እዩ ተጻሒፉ ነይሩ፣ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከኣ ብልዕሊ 3,000 ቋንቋ ተተርጒሙ ኣሎ። ብብዝሒ እተተርጐመሉ ቛንቋታትን ብብዝሒ ዝርጋሐኡን፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ መጽሓፍ እዩ። እዚ ድማ ትጽቢት ዚግበሮ ነገር እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ [እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀንዲ መልእኽቲ] ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ይብል።–ማቴዎስ 24:14።
መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ሸቶና ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ብልክዕ ዜመሓላልፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንጹርን ንምርዳኡ ቐሊልን ትርጉም ምድላው እዩ። እቲ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ዘሎ፡ “ስርዓታት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡” “መዋቕር እዚ ትርጉም፡” “መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና በጺሑ፧” ዘርእስቱ ዓንቀጻት፡ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ትርጉም እዚ ዚርከብ ስርዓታትን መዋቕርን ይገልጽ።
እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜፍቅርዎን ዜምልኽዎን፡ ልክዕን ርዱእን ትርጉም ቃል ኣምላኽ እዮም ዚደልዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ምስቲ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብእተኻእለ መጠንን ብብዙሕ ቋንቋታት ንምትርጓም ዘሎና ዕላማ ብምስምማዕ፡ ነዚ ትርጉም እዚ ብትግርኛ ኣዳሊና ኣለና። ክቡር ኣንባቢ፡ ‘ንኣምላኽ ክትደልዮን ክትረኽቦን’ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ እዚ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠቕመካ ተስፋናን ጸሎትናን እዩ።–ግብሪ ሃዋርያት 17:27።
ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም