መዝሙር 146:1-10
146 ንያህ ወድስዎ!*+
ኵለንትናይ ንየሆዋ ይወድሶ።*+
2 ምሉእ ህይወተይ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ።
ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ንኣምላኸይ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።
3 ብመሳፍንቲ ዀነ፡በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ።*+
4 መንፈሱ* ይወጽእ፡ ናብ ምድሪ ይምለስ፣+በታ መዓልቲ እቲኣ ሓሳባቱ ይጠፍእ።+
5 ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዳኢኡ፡+ተስፋኡ ኸኣ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ዝገበረ፡ ሕጉስ እዩ፣+
6 ንሱስ ሰማይን ምድርን፡ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፡+ወትሩ እሙን ዝዀነ፡+
7 ንእተዓመጹ ፍትሒ ዜውጽኣሎም፡ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም እዩ።+
የሆዋ ንእሱራት ይፈትሖም።+
8 የሆዋ ንኣዒንቲ ዕዉራት ይኸፍተን፣+የሆዋ ንዝደነኑ የተንስኦም፣+የሆዋ ንጻድቃን የፍቅሮም።
9 የሆዋ ንጓኖት የዕቍቦም፣ንዘኽታምን ንመበለትን ይኣልዮም፣+ውጥናት እኩያት ግና ይዓናቕፍ።*+
10 የሆዋ ንዘለኣለም ኪነግስ፡+ኦ ጽዮን፡ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ኺነግስ እዩ።
ንያህ ወድስዎ!*

