መዝሙር 99:1-9
99 የሆዋ ነጊሱ።+ ህዝብታት ራዕራዕ ይበሉ።
ንሱ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ይቕመጥ።+ ምድሪ ትናወጽ።
2 የሆዋ ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፣ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ድማ ልዑል እዩ።+
3 ዜፍርህን ቅዱስን እዩ እሞ፡ነቲ ዓብዪ ስምካ ይወድስዎ።+
4 ፍትሒ ዚፈቱ ሓያል ንጉስ እዩ።+
ንስኻ ቕንዕና ኣጽኒዕካ።
ኣብ ያእቆብ ፍትሕን ጽድቅን ኣምጺእካ።+
5 ንየሆዋ ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ድኳ እግሩ ኸኣ ስገዱ።*+
ንሱ ቕዱስ እዩ።+
6 ሙሴን ኣሮንን ካብ ካህናቱ እዮም፣+ሳሙኤል ከኣ ካብቶም ስሙ ዚጽውዑ እዩ።+
ንየሆዋ ይጽውዕዎ፡ንሱ ድማ ይምልሰሎም።+
7 ካብ ዓንዲ ደበና ይዛረቦም።+
ንሳቶም ከኣ መዘኻኸሪታቱን እቲ ዝሃቦም ስርዓትን ሓለዉ።+
8 ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ መለስካሎም።+
ይቕረ ዝበልካሎም ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣+ግናኸ፡ ስለ ሓጥእ ግብርታቶም ቀጻዕካዮም።*+
9 የሆዋ ኣምላኽና ቕዱስ እዩ እሞ፡+ንየሆዋ ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡+ኣብ ቅድሚ ቕዱስ ከረኑ እውን ስገዱ።*+