መዝሙር 99:1-9

  • የሆዋ፡ ቅዱስ ንጉስ

    • ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ይቕመጥ (1)

    • ይቕረ ዚብልን ዚቐጽዕን ኣምላኽ (8)

99  የሆዋ ነጊሱ።+ ህዝብታት ራዕራዕ ይበሉ። ንሱ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ይቕመጥ።+ ምድሪ ትናወጽ።  2  የሆዋ ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፣ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ድማ ልዑል እዩ።+  3  ዜፍርህን ቅዱስን እዩ እሞ፡ነቲ ዓብዪ ስምካ ይወድስዎ።+  4  ፍትሒ ዚፈቱ ሓያል ንጉስ እዩ።+ ንስኻ ቕንዕና ኣጽኒዕካ። ኣብ ያእቆብ ፍትሕን ጽድቅን ኣምጺእካ።+  5  ንየሆዋ ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ድኳ እግሩ ኸኣ ስገዱ።*+ ንሱ ቕዱስ እዩ።+  6  ሙሴን ኣሮንን ካብ ካህናቱ እዮም፣+ሳሙኤል ከኣ ካብቶም ስሙ ዚጽውዑ እዩ።+ ንየሆዋ ይጽውዕዎ፡ንሱ ድማ ይምልሰሎም።+  7  ካብ ዓንዲ ደበና ይዛረቦም።+ ንሳቶም ከኣ መዘኻኸሪታቱን እቲ ዝሃቦም ስርዓትን ሓለዉ።+  8  ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ መለስካሎም።+ ይቕረ ዝበልካሎም ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣+ግናኸ፡ ስለ ሓጥእ ግብርታቶም ቀጻዕካዮም።*+  9  የሆዋ ኣምላኽና ቕዱስ እዩ እሞ፡+ንየሆዋ ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡+ኣብ ቅድሚ ቕዱስ ከረኑ እውን ስገዱ።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣምልኹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕነ ፈደኻዮም።”
ወይ፡ “ኣምልኹ።”