ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሀ1

ስርዓታት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ፈለማ ብጥንታዊ እብራይስጥን ኣራማይስጥን ግሪኽኛን እዩ ተጻሒፉ። ሎሚ፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብኣስታት 3,000 ቋንቋታት ይርከብ። መብዛሕትኦም ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ ሰባት ነቲ በዅሪ ቛንቋታት ስለ ዘይፈልጥዎ፡ ትርጉም እዮም ዜንብቡ። እሞኸ እንታይ ስርዓታት እዩ ንትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ከም መምርሒ ኪዀኖ ዚግባእ፧ እዚ ስርዓታት እዚኸ ኣብ ኣተራጕማ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብኸመይ እዩ ተዓይዩሉ፧

ገሊኦም ሰባት ከም ዘለዎ ቓል ብቓሉ እንተ ተተርጒሙ፡ ኣንባቢኡ ነቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋታት ዘሎ ሓሳብ ብዝሓሸ ኺረኽቦ ኸም ዚኽእል ይኣምኑ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሓሳብ እዚ ወትሩ ዜዋጽእ ኣይኰነን። ከምኡ ዝዀነሉ ገለ ምኽንያታት እስከ ንርአ፦

  • ብሰዋስውን ብቓላትን ብኣሰራርዓ ምሉእ ሓሳባትን ሕደ ዝዀነ ኽልተ ቛንቋ የልቦን። ፕሮፌሰር እብራይስጢ ዝዀነ ሳሙኤል ሮልስ ድራይቨር፡ ቋንቋታት “ኣብ ሰዋስውን መበቈልን ጥራይ ዘይኰነስ፡ . . . ኣብቲ እቲ ሓሳባት ኣብ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ዚስርዓሉ መገዲ እውን ይፈላለ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እተፈላለየ ቛንቋታት ዚዛረቡ ሰባት፡ እተፈላለየ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም። ፕሮፌሰር ድራይቨር፡ “ስለዚ፡ ኣብ እተፈላለየ ቛንቋታት ዘሎ ኣሰራርዓ ምሉእ ሓሳባት ሕደ ኣይኰነን” በለ።

  • ንቓላትን ንሰዋስውን እቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እብራይስጥን ኣራማይስጥን ግሪኽኛን ብልክዕ ዜንጸባርቖ ዘመናዊ ቛንቋ የልቦን፣ ስለዚ፡ ቃል ብቓሉ ዚግበር ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘይንጹር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ገሊኡ መዳያት ጌጋ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ትርጉም ሓንቲ ቓል ወይ ሓደ መግለጺ ኸከም ኣሰዃዅዓኡ ኺቀያየር ይኽእል እዩ።

ተርጓሚ ነቲ ቓል ብቓሉ ትርጉም እቲ በዅሪ ቛንቋ ኣብ ገሊኡ ኽፋል ኬንጸባርቕ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግና ብልዑል ጥንቃቐ ኺግበር ኣለዎ።

ቃል ብቓሉ እተተርጐመ ትርጉም ግጉይ መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ከም ዚኽእል ዚሕብር ገለ ኣብነታት እንሆ፦

  • ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ “ድቃስ” ወይ “ምድቃስ” ዚብል ቃላት፡ ንድቃስ ዕረፍትን ንድቃስ ሞትን ከም ዜመልክት ገይሩ ተጠቒሙሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 28:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:60) ኣብቲ ንሞት ዜመልክተሉ ቦታታት፡ ሕጂ ዘለዉ ኣንበብቲ ምእንቲ ኸይደናገሩ፡ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሞይቱ፡” “ሞይቶም” ዚብል ቃላት ወይ ካልእ ናይዚ ረባሕታታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።—1 ቈረንቶስ 7:39፣ 1 ተሰሎንቄ 4:13፣ 2 ጴጥሮስ 3:4

  • ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 4:14፡ ቃል ብቓሉ፡ “ብጸወታ ዳይ ሰብ” ተባሂሉ ኺትርጐም ዚከኣል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። እዚ ናይ ጥንቲ ቝንቍኛ እዚ፡ ነቲ ዳይ ብዚብሃል መጣልዒ ጌርካ ዚግበር ዝነበረ ናይ ምትላል ተግባር እዩ ዚእምት። ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት፡ እዚ ሓሳብ እዚ ቓል ብቓሉ ምስ ዚትርጐም ንኣንበብቱ ርዱእ ኣይከውንን እዩ። እዚ መግለጺ እዚ “ብጥበራ ሰብ” ተባሂሉ ምስ ዚትርጐም ግና፡ ዝነጸረ ትርጉም እዩ ዜመሓላልፍ።

  • ኣብ ሮሜ 12:11፡ ቃል ብቓሉ “ንመንፈስ ፍሉሕ [ኩኑ]” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ናይ ግሪኽኛ መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። እዚ ቓላት እዚ ግና ብትግርኛ እቲ ተሓሲቡሉ ዝነበረ መልእኽቲ ስለ ዘየመሓላልፍ፡ ኣብዚ ትርጉም እዚ “ብመንፈስ ተቓጸሉ” ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ።

  • ማቴዎስ 5:3

    ቃል ብቓሉ ብትግርኛ፦ “ብመንፈስ ድኻታት”

    ሓሳቡ፦ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ”

    የሱስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ውሩይ መደረታቱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ብመንፈስ ድኻታት . . . ብጹኣን እዮም” ተባሂሉ ዚትርጐም መግለጺ ተጠቒሙ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:3ትርጉም 1956) ነዚ መግለጺ እዚ ቓል ብቓል ምትርጓሙ ግና ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት ሓሳባቱ ዘይንጹር ገይርዎ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ከም ዘለዎ ቓል ብቓሉ ኺትርጐም ከሎ፡ እቶም “ብመንፈስ ድኻታት” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ንዘለዎም ወይ ቈራጽነት ንዝጐድሎም ሰባት ዜመልክት እዩ ዚመስል። የሱስ ግና፡ ሓጐስ ብስጋ ዜድሊ ነገራት ኣብ ምምላእ ዘይኰነስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ከም ዜድልየካ ኣብ ምግንዛብ ከም ዚምርኰስ እዩ ዚምህር ነይሩ። (ሉቃስ 6:20) ስለዚ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” ዚብል ኣተራጕማ ብዝነጸረ ነቲ ሓሳብ የመሓላልፎ እዩ።—ማቴዎስ 5:3

  • እታ “ቕንኢ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ነቲ ብሰንኪ ጥልመት እትቐርቦ ሰብካ ዚስምዓካ ስምዒት ወይ ንምንቀኝነት ተመልክት። (ምሳሌ 6:34፣ ኢሳይያስ 11:13) እታ ናይ እብራይስጢ ቓል እቲኣ ግና፡ ኣወንታዊ ሓሳብ እውን ኣለዋ። ንኣብነት፡ ነቲ የሆዋ ንገላዉኡ ዘለዎ “ቕንኣት፡” ማለት ንምዕቋቦም ዜርእዮ ውዕዉዕ ስምዒት፡ ወይ ከኣ “ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ” ምዃኑ ኸተመልክት ትኽእል እያ። (ዘጸኣት 34:14፣ 2 ነገስት 19:31፣ ህዝቅኤል 5:13፣ ዘካርያስ 8:2) ነቲ እሙናት ገላዉኡ ንዕኡን ንኣምልኾኡን ዘለዎም “ቅንኣት” ወይ ‘ንዕኡ ዚቀናቐን ዘይጻወሩ’ ምዃኖም እውን ከተመልክት ትኽእል እያ።—መዝሙር 69:9፣ 119:139፣ ዘሁልቍ 25:11

  • እታ ያድ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል መብዛሕትኡ ግዜ “ኢድ” ተባሂላ እትትርጐም እኳ እንተ ዀነት፡ ከከም ኣሰዃዅዓኣ ግና፡ “ስልጣን፡” ወይ “ልግሲ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትከኣል እያ

    እታ ንኢድ ሰብ እተመልክት ቃል እብራይስጢ ብዙሕ ትርጉም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ ኸከም ኣሰዃዅዓኣ፡ “ስልጣን፡” ወይ “ልግሲ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትከኣል እያ። (2 ሳሙኤል 8:3፣ 1 ነገስት 10:13፣ ምሳሌ 18:21) እዛ ቓል እዚኣ፡ ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስትርጉም ሓዳስ ዓለም ብኣስታት 40 መገዲ ተተርጒማ ኣላ።

ነዚ ረቛሒታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓም ኪብሃል ከሎ፡ ንሓንቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ እትርከብ ቃል ኣብ ኵሉ ቦታታት ብሓደ መገዲ ኻብ ምትርጓም ንላዕሊ የጠቓልል። ሓደ ተርጓሚ ነቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዘሎ ሓሳባት ብዝሓሸ መገዲ ኼመሓላልፎ ዜኽእል ቃላት ንምሕራይ ኬመዛዝን ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ እቲ ምሉእ ሓሳባት ምስቲ ሕጊ ሰዋስው እቲ ተቐባሊ ቛንቋ ብዚሰማማዕ መገዲ ኺስራዕ ኣለዎ።

ብዘይካዚ፡ ብኻልእ ቃላት ብምልዋጥ ዚግበር መስርሕ እምብዛ ደረት ኪሓልፍ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕም ከሎ፡ ኣብ ናይ ርእሱ ምርዳእ ተመርኲሱ ብብዝሒ ለውጠ ሓረግ ዚገብር ተርጓሚ፡ ንትርጉም እቲ ጽሑፍ ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ከመይ ገይሩ፧ እቲ ተርጓሚ ብጌጋ ናቱ ሓሳብ ኬእቱ ወይ ኣገዳሲ ዝርዝር ሓበሬታ ኼውጽእ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ለውጠ ሓረግ እተገብረሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባቡ ቐሊል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣንባቢ ግና ብሰንኪ እቲ ለውጥታት ንናይ ሓቂ መልእኽቲ እቲ ጽሑፍ ኪስሕቶ ይኽእል እዩ።

ሰረተ እምነታዊ ጽልዋ እውን ንዕዮ ተርጓሚ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ማቴዎስ 7:13፡ “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገስ ገፋሕ . . . እያ” ትብል። እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል ብንጹር “ጥፍኣት” ማለት እኳ እንተ ዀነት፡ ገሊኦም ተርጐምቲ ግና “ገሃነም” እትብል ቃል ኣእትዮም ኣለዉ፣ ከምኡ ዝገበሩ ኸኣ ብሰረተ እምነቶም ስለ እተጸልዉ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።

ሓደ ተርጓሚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ኸም ሓረስቶትን ጓሶትን ገፈፍቲ ዓሳን ዝኣመሰሉ ተራ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ዘረባኦም ዜዘውትርዎ ተራ ቛንቋ ኸም እተጻሕፈ እውን ኣብ ግምት ኬእቱ ይግባእ። (ነህምያ 8:8, 12፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:13) ስለዚ፡ ሓደ ጽቡቕ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዞ መልእኽቲ፡ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ ንቕኑዓት ሰባት ርዱእ ኪኸውን ይግባእ። ተራ ሰባት ሳሕቲ ዚጥቀሙሉ ቓላት ዘይኰነስ፡ ንጹርን ልሙድን ብቐሊሉ ዚርዳእን ቃላት እዩ ዚሕረ።

ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ዚርከብ ክነሱ፡ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ካብ ዘመናዊ ትርጉማት ኣውጺኦምዎ ኣለዉ። (ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ4 ርአ።) ብዙሓት ተርጐምቲ ነቲ ስም ብኸም “እግዚኣብሄር” ወይ “ጐይታ” ዚብል መዓርግ ተኪኦምዎ ኣለዉ፣ ገሊኦም ከኣ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ እኳ ዘይንጹር ይገብርዎ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ትርጉማት፡ እቲ ኣብ ዮሃንስ 17:26 ዚርከብ ጸሎት የሱስ፡ “ንዓኻ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ” ተባሂሉ ኺትርጐም ከሎ፡ እቲ ኣብ ዮሃንስ 17:6 ዚርከብ ጸሎት የሱስ ድማ፡ “ነቶም . . . ዝሃብካኒ፡ ንዓኻ ገሊጸሎም ኣለኹ” ተባሂሉ ኣሎ። ቅኑዕ ትርጉም ጸሎት የሱስ ግና፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡” “ነቶም . . . ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ኣግሂደሎም ኣለኹ” ይብል።

ኣብ መቕድም እቲ ብእንግሊዝኛ ዝወጸ ቐዳማይ ሕታም ትርጉም ሓዳስ ዓለም ተጠቒሱ ኸም እንረኽቦ፡ “ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ለውጠ ሓረግ ኣይገበርናን። ብእተኻእለና መጠን ኣብቲ ዘመናዊ ቛንቋ እንግሊዝኛ ዚፈቕዶን ቃል ብቓሉ ኺትርጐም ከሎ ነቲ ሓሳባት ኣብ ዘይሓብኦን ቦታታት ቃል ብቓሉ ኽንትርጕም ኢና ፈቲንና።” ስለዚ፡ ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም ኣብ መንጎ እቲ ንበዅሪ ቓላት ዜመልክት ቃላት ምጥቃምን ለውጠ ሓረግ ምግባርን ሚዛኑ ኺሕሉ ጽዒሩ እዩ፣ ብዘይካዚ እውን፡ ንንባብ ዘይጥዕም ወይ ነቲ እተሓለነሉ ሓሳብ ዚሓብእ ቃላት ኣወጊዱ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንንባብ ቀሊል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ መልእኽቲ ብልክዕ ከም እተመሓላለፈ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ተሰሎንቄ 2:13