ሕቶ 9
ደቂ ሰብ መከራ ዚወርዶም ስለምንታይ እዩ፧
“ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ ኸም ዘይዕወቱ፡ ሓያላት ድማ ኣብ ውግእ ወትሩ ኸም ዘይስዕሩ፡ ጥበበኛታት ከኣ ምግቢ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ፡ ኣስተውዓልቲ ድማ ሃብቲ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ፡ ፈላጣት እውን ኣሳልጦ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ ረኣኹ፣ ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም።”
“ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ—።”
“ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ እዩ እተጋህደ።”
“ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”