ሕቶ 6
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መሲሕ እንታይ እዩ ተነብዩ፧
ትንቢት
“ኣቲ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፡ . . . ካባኺ እቲ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝዀነለይ፡ . . . ኺወጽእ እዩ።”
ፍጻመ
“ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ፡ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ።”
ትንቢት
“ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይ እውን ዕጫ የውድቑሉ።”
ፍጻመ
“እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ገግዲኡ ምእንቲ ኺበጽሖ፡ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፣ . . . እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ንሓድሕዶም፡ ‘ንዝበጽሐ ኺበጽሖስ ዕጫ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ’ ተባሃሃሉ።”
ትንቢት
“ንዅለን ኣዕጽምቱ ይሕልወን፣ ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን።”
ፍጻመ
“ናብ የሱስ ምስ መጹ ግና፡ ድሮ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ ኣእጋሩ ኣይሰበርዎን።”
ትንቢት
“ምእንቲ ኣበሳና ተወጊኡ።”
ፍጻመ
“ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና፡ ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፣ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ።”
ትንቢት
“ዓስበይ 30 ብሩር ከፈሉኒ።”
ፍጻመ
“ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ፡ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡ ‘ንዕኡ ኣሕሊፈ ኽህበኩምሲ፡ እንታይ ትህቡኒ፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ 30 ብሩር ኣቕረቡሉ።”