ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለ1

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ

የሆዋ ኣምላኽ ናይ ምግዛእ መሰል ኣለዎ። ኣገዛዝኣኡ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ እዩ። ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ድማ ኪፍጸም እዩ።

ድሕሪ 4026 ቅ.ክ.

እቲ “ተመን” ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምግዛእ መሰልን ንኣገዛዝኣኡን ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። የሆዋ ድማ ነቲ ተመን፡ ማለት ንሰይጣን ዚጭፍልቕ ‘ዘርኢ’ ኸም ዜተንስእ ኣተስፈወ። (ዘፍጥረት 3:1-5, 15) ኰይኑ ግና፡ ንደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ኰይኖም ንርእሶም ኬመሓድሩ ግዜ ሃቦም።

1943 ቅ.ክ.

የሆዋ ንኣብርሃም፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ‘ዘርኢ’ ኻብ ዘርኡ ኸም ዚኸውን ነገሮ።—ዘፍጥረት 22:18

ድሕሪ 1070 ቅ.ክ.

የሆዋ ንንጉስ ዳዊት፡ ጸኒሑ ኸኣ ንወዱ ሰሎሞን፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ‘ዘርኢ’ ብናታቶም መስመር ወለዶ ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ ኣረጋገጸሎም።—2 ሳሙኤል 7:12, 16፣ 1 ነገስት 9:3-5፣ ኢሳይያስ 9:6, 7

29 ድ.ክ.

የሆዋ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዝፋን ዳዊት ዚወርስ ‘ዘርኢ’ የሱስ ምዃኑ ሓበረ።—ገላትያ 3:16፣ ሉቃስ 1:31-33፣ 3:21, 22

33 ድ.ክ.

እቲ ተመን፡ ማለት ሰይጣን ንየሱስ ብምቕታል ነቲ ተስፋ እተገብረሉ ‘ዘርኢ’ ንሓጺር እዋን ኣጐናደቦ። የሆዋ ንየሱስ ኣብ ሰማይ ኪነብር ህይወት ሂቡ ብምትንሳእ ንዋጋ እቲ ፍጹም ህይወቱ ተቐበለ፣ እዚ ኸኣ፡ ንሕድገት ሓጢኣትን ንዘርኢ ኣዳም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምሃብን መሰረት ኰነ።—ዘፍጥረት 3:15፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32-36፣ 1 ቈረንቶስ 15:21, 22

ከባቢ 1914 ድ.ክ.

የሱስ ነቲ ተመን፡ ማለት ንሰይጣን ናብ ምድሪ ብምድርባይ፡ ንሓጺር እዋን ምንቅስቓሳቱ ኣብኡ ኸም ዚድረት ገበሮ።—ራእይ 12:7-9, 12

መጻኢ

የሱስ ንሰይጣን 1,000 ዓመት ምስ ኣሰሮ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ርእሱ ብምጭፍላቕ ኪቐትሎ እዩ። ሽዑ፡ የሆዋ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኪፍጸም፡ ስሙ ኻብ ጸርፊ ናጻ ኪኸውን፡ ኣገዛዝኣኡ ቕኑዕ ምዃኑ ድማ ኪረጋገጽ እዩ።—ራእይ 20:1-3, 10፣ 21:3, 4