መዝሙር 137:1-9
137 ኣብ ጥቓ ኣፍላግ ባቢሎን+ ተቐመጥና።
ንጽዮን ምስ ዘከርና በኸና።+
2 ኣብ ማእከላ* ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ዓራባ፡መሰንቆታትና* ሰቐልና።+
3 ኣብኡስ ማረኽትና ኽንዝምረሎም ሓተቱና፣+እቶም ዜላግጹልና ኸኣ መዘናግዒ ደልዮም፡“ሓደ ኻብ መዝሙራት ጽዮን ዘምሩልና” በሉና።
4 ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር የሆዋኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር፧
5 ኦ የሩሳሌም፡ እንተ ረሲዐክስ፡የማነይቲ ኢደይ ትረስዕ።*+
6 እንተ ዘይዘኪረኪ፡ንየሩሳሌም ድማ ልዕሊ ዅሉቐንዲ ምኽንያት ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያ፡+ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ።
7 ኦ የሆዋ፡ በታ የሩሳሌም ዝወደቐትላ መዓልቲ፡ደቂ ኤዶም፡ “ኣፍርስዋ! ክሳብ መሰረታታ ኣፍርስዋ!”
ኸም ዝበሉ ዘክር።+
8 ኣቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እትዓንዊ ጓል ባቢሎን፡+ከምቲ ዝገበርክና ግብሪ ዚፈድየክስ፡+ሕጉስ ኪኸውን እዩ።
9 ንደቅኺ ሒዙ ኣብ ኣኻውሕ ዚሕምሽሾምሲ፡+ሕጉስ ኪኸውን እዩ።

