ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 18

ከመይ ጌርካ ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል፧

“ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።”

መዝሙር 65:2

“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።”

ምሳሌ 3:5, 6

“በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”

ዮሃንስ 17:3

“[ኣምላኽ] ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ . . . እዩ።”

ግብሪ ሃዋርያት 17:27

“ፍቕርኹም ብልክዕ ፍልጠትን ብምሉእ ምስትውዓልን ገና እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እጽሊ ኣለኹ።”

ፊልጲ 1:9

“ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፣ ኪውሃቦ እውን እዩ።”

ያእቆብ 1:5

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፣ ኣቱም ተወላወልቲ እውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ።”

ያእቆብ 4:8

“ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን።”

1 ዮሃንስ 5:3