ሕቶ 18
ከመይ ጌርካ ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል፧
“ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።”
“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።”
“በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”
“[ኣምላኽ] ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ . . . እዩ።”
“ፍቕርኹም ብልክዕ ፍልጠትን ብምሉእ ምስትውዓልን ገና እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እጽሊ ኣለኹ።”
“ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፣ ኪውሃቦ እውን እዩ።”
“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፣ ኣቱም ተወላወልቲ እውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ።”
“ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን።”