ሕቶ 3
ንመጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ ጽሒፍዎ፧
“ሙሴ ድማ ንዅሉ ቓላት የሆዋ ጸሓፎ።”
“ዳንኤል ኣብ ዓራቱ በጥ ኢሉ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረኣየ። ሽዑ፡ ነቲ ሕልሚ ጸሓፎ፣ ነቲ ነገር ብምሉኡ እውን ብዝርዝር መዝገቦ።”
“ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ . . . ቓል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ።”
“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንምምሃር . . . ከኣ ዚጠቅም እዩ።”
“ትንቢትሲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”