ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 3

ንመጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ ጽሒፍዎ፧

“ሙሴ ድማ ንዅሉ ቓላት የሆዋ ጸሓፎ።”

ዘጸኣት 24:4

“ዳንኤል ኣብ ዓራቱ በጥ ኢሉ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረኣየ። ሽዑ፡ ነቲ ሕልሚ ጸሓፎ፣ ነቲ ነገር ብምሉኡ እውን ብዝርዝር መዝገቦ።”

ዳንኤል 7:1

“ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ . . . ቓል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ።”

1 ተሰሎንቄ 2:13

“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንምምሃር . . . ከኣ ዚጠቅም እዩ።”

2 ጢሞቴዎስ 3:16

“ትንቢትሲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”

2 ጴጥሮስ 1:21