2 ጢሞቴዎስ 3:1-17

  • ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚህሉ ጽንኩር ግዜ (1-7)

  • ኣብነት ጳውሎስ ጠቢቕካ ስዓብ (8-13)

  • ‘በቲ እተመሃርካዮ ጽናዕ’ (14-17)

    • ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ (16)

3  ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት+ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። 2  ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ 3  ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ 4  ጠላማት፡* ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡ 5  ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም፣+ ካብዚኣቶም ከኣ ርሓቕ። 6  ሰላሕ ኢሎም ናብ ቤተ ሰብ ዚኣትዉ፡ ብእተፈላለየ ትምኒታት ዚምርሓ ሓጢኣት ዝመልአን ድኹማት ኣንስቲ ኸኣ ዚማርኹ፡ ካብዚኣቶም ይትንስኡ እዮም። 7  ንሳተን ድማ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ፡ ግናኸ ናብቲ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ኸቶ ዘይክእላ እየን። 8  ከምቲ ያኔስን ያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እዚኣቶም እውን ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። እዚኣቶምሲ ኣእምሮኦም እተበላሸወን ብዛዕባ እምነት ዘይብቑዓትን እዮም። 9  ግናኸ፡ ከምቲ ናይቶም ክልተ ዕሽነት እተገልጸ፡+ ናይ እዚኣቶም ዕሽነት እውን ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ዕቤት ኣይኪገብሩን እዮም። 10  ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንኣነባብራይ፡+ ንዕላማይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንተጻዋርነተይ ጠቢቕካ ስዒብካ ኢኻ። 11  ነቲ ኣብ ከም ኣንጾክያን+ ኢቆንዩምን+ ልስጥራን+ ዝበጽሓኒ መስጐጕትን መከራን እውን ትፈልጦ ኢኻ። እዚ መስጐጕቲ እዚ ተጻዊረ እየ፣ ጐይታ ድማ ካብዚ ዅሉ ኣናጊፉኒ እዩ።+ 12  እኳ ደኣስ፡ ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።+ 13  እኩያትን ኣምሰሉታትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።+ 14  ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ።+ 15  ካብ ሕጻንነትካ+ ኣትሒዝካ እውን፡ ነቲ ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ዜለብመካ+ ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ።+ 16  ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ* መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡+ ንምምሃርን+ ንምግናሕን ንምቕናዕን* ብጽድቂ ንምግሳጽን+ ከኣ ዚጠቅም እዩ፣ 17  እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣሕሊፎም ዚህቡ።”
ወይ፡ “ብመሪሕነት።”
ወይ፡ “ንምእራምን።”