ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሳሌ

ምዕራፋት

ትሕዝቶ

  • 1

    • ዕላማ ምስላታት (1-7)

    • ሓደጋታት ሕማቕ ዕርክነት (8-19)

    • ናይ ሓቂ ጥበብ ብጋህዲ ትጭድር (20-33)

  • 2

    • ዋጋ ጥበብ (1-22)

      • ንጥበብ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ድለያ (4)

      • ምምዝዛን ከተዕቝበካ እያ (11)

      • ምንዝርና ጥፍኣት የምጽእ (16-19)

  • 3

    • ጥበበኛ ኹን፡ ብየሆዋ ኸኣ ተኣመን (1-12)

      • ንየሆዋ ብጥሪትካ ኣኽብሮ (9)

    • ጥበብ ሓጐስ ተምጽእ (13-18)

    • ጥበብ ደሓን ተምጽእ (19-26)

    • ምስ ካልእ ኪህልወካ ዚግባእ ግቡእ ኣካይዳ (27-35)

      • ዚከኣለካ እንተ ዀይኑ፡ ንሰብ ሰናይ ግበር (27)

  • 4

    • ጥበባዊ ትምህርቲ ኣቦ (1-27)

      • ልዕሊ ዅሉ ንጥበብ ኣጥርያ (7)

      • ካብ መገዲ እኩያት ርሓቕ (14, 15)

      • መገዲ ጻድቃን እናበርሀት ትኸይድ (18)

      • “ንልብኻ ሓልዎ” (23)

  • 5

    • ካብ ዚምንዝራ ኣንስቲ ተጠንቀቕ (1-14)

    • ብሰበይትኻ ተሓጐስ (15-23)

  • 6

    • ከይትውሓስ ተጠንቀቕ (1-5)

    • “ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ” (6-11)

    • ዘይጠቅምን እኩይን ሰብ (12-15)

    • የሆዋ ዚጸልአን ሸውዓተ ነገር (16-19)

    • ካብ ክፍእቲ ሰበይቲ ተሓሎ (20-35)

  • 7

    • ትእዛዛት ኣምላኽ ሓሉ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ (1-5)

    • ገርሂ መንእሰይ ተታለለ (6-27)

      • “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኸይድ ብዕራይ” (22)

  • 8

    • ጥበብ ከም ሰብ ኰይና ትዛረብ (1-36)

      • ‘ኣነ ኻብ ግብርታት ኣምላኽ ቀዳማይ እየ’ (22)

      • ‘ክኢላ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስ ኣምላኽ ነበርኩ’ (30)

      • “ንደቂ ሰብ እፈትዎም ነበርኩ” (31)

  • 9

    • ናይ ሓቂ ጥበብ ትዕድም (1-12)

      • “ብኣይሲ መዓልትታትካ ኺበዝሓ እየን” (11)

    • ዓሻ ሰበይቲ ትዕድም (13-18)

      • “ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ” (17)

  • ምስላታት ሰሎሞን (10:1–24:34)

    • 10

      • ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ (1)

      • ትጉሃት ኣእዳው የሀብትማ (4)

      • ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን (19)

      • በረኸት የሆዋ የሀብትም (22)

      • ፍርሃት የሆዋ ህይወት የንውሕ (27)

    • 11

      • ጥበብ ምስ ትሑታት እያ (2)

      • ከሓዲ ንኻልኦት የጥፍእ (9)

      • ‘ብብዙሓት ኣማኸርቲ ኣሳልጦ ይርከብ’ (14)

      • ለጋስ ሰብ ጽቡቕ ይረክብ (25)

      • ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፣ (28)

    • 12

      • መግናሕቲ ዚጸልእ፡ ዓሻ እዩ (1)

      • “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ” (18)

      • እቶም ሰላም ዚመኽሩ ሓጐስ ኣለዎም (20)

      • ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉናት እየን (22)

      • ጭንቀት ንልቢ ይኸብዶ (25)

    • 13

      • ምኽሪ ዚደልዩ፡ ጥበበኛታት እዮም (10)

      • ዝደንጐየ ተስፋ፡ ልቢ የሕምም (12)

      • እሙን ልኡኽ የሕዊ (17)

      • ምስ ጥበበኛታት ምምልላስ ጥበበኛ ይገብር (20)

      • ተግሳጽ መግለጺ ፍቕሪ እዩ (24)

    • 14

      • ልቢ ንምረቱ ይፈልጦ (10)

      • ቅንዕቲ እትመስል መገዲ፡ ሞት ከተምጽእ ትኽእል (12)

      • ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን (15)

      • ፈተውቲ ሃብታም ብዙሓት እዮም (20)

      • ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ (30)

    • 15

      • ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ (1)

      • ኣዒንቲ የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ እየን (3)

      • ጸሎት ቅኑዓት ንኣምላኽ ባህ የብሎ (8)

      • ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል (22)

      • ቅድሚ ምምላስካ ኣስተንትን (28)

    • 16

      • የሆዋ ውሽጣዊ ድራኸታት ይምርምር (2)

      • ተግባርካ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ (3)

      • ቅኑዕ ሚዛን ካብ የሆዋ እዩ (11)

      • ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ (18)

      • ሸያብ ጸጕሪ፡ ዘውዲ ጽባቐ እዩ (31)

    • 17

      • ኣብ ክንዲ ጽቡቕሲ ኽፉእ ኣይትፍደ (13)

      • ቈየቛ ኸይጀመረ ርሓቕ (14)

      • ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር (17)

      • “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ” (22)

      • ኣስተውዓሊ ሰብ ቃላቱ ይገትእ (27)

    • 18

      • ንርእሱ ዚፈሊ፡ ህርፋኑ ይስዕብ፡ ንጥበብ ከኣ ይነጽጎ (1)

      • ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ (10)

      • ሃብቲ ሓሳባዊ ዕቝባ ጥራይ እዩ (11)

      • ክልቲኡ ወገን ምስማዕ ጥበብ እዩ (17)

      • ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚቐርብ ፈታዊ ኣሎ (24)

    • 19

      • ልቦና ንሰብ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ (11)

      • ተቛያቚት ሰበይቲ ኸም ዜልሕዅ ናሕሲ እያ (13)

      • ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ኻብ የሆዋ እያ (14)

      • ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንውሉድካ ገስጾ (18)

      • ተግሳጽ ምስማዕ፡ ጥበብ እዩ (20)

    • 20

      • ወይኒ መላገጺ እዩ (1)

      • ሃካይ ብኽረምቲ ኣይሓርስን (4)

      • ሓሳባት ሰብ ከም ዓሚቝ ማይ እዩ (5)

      • ተሃዊኽካ ኸይትመባጻዕ እተዋህበ መጠንቀቕታ (25)

      • ንኣጕባዝሲ ሓይሎም ክብሮም እዩ (29)

    • 21

      • የሆዋ ንልቢ ንጉስ የቕንዖ (1)

      • ፍትሒ ኻብ መስዋእቲ ትበልጽ (3)

      • ትግሃት ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ (5)

      • ንትሑት ዘይሰምዕ፡ ኣይስማዕን (13)

      • ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ የልቦን (30)

    • 22

      • ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ (1)

      • ብንእስነት ዚውሃብ ስልጠና ንምሉእ ዕድመ ይጠቅም (6)

      • ሃካይ፡ “ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ” ኢሉ ይፈርህ (13)

      • ተግሳጽ ንዕሽነት የርሕቖ (15)

      • ክኢላ ዓያዪ ንነገስታት የገልግል (29)

    • 23

      • ኬአንግዱኻ ኸለዉ ተጠንቀቕ (2)

      • ሃብቲ ኽትረክብ ኢልካ ኣይትጽዓር (4)

      • ሃብቲ ኻባኻ ነፊሩ ኪኸይድ ይኽእል (5)

      • ካብቶም ብዙሕ ዚሰትዩ ኣይትኹን (20)

      • ኣልኮላዊ መስተ ኸም ተመን ይነክስ (32)

    • 24

      • ብእኩያት ኣይትቕናእ (1)

      • ቤት ብጥበብ ትህነጽ (3)

      • ጻድቕሲ ይወድቕ እሞ ይትንስእ (16)

      • ሕነ ኣይትፍደ (29)

      • ትኽስታ ድኽነት የምጽእ (33, 34)

  • ሰብ ንጉስ ህዝቅያስ ዝቐድሕወን ምስላታት ሰሎሞን (25:1–29:27)

    • 25

      • ብምስጢር ዚተሓዝ ነገር (9)

      • እተሓርየ ቓላት (11)

      • ናብ ቤት ብጻይካ እግሪ ኣይተብዝሕ (17)

      • ኣብ ርእሲ ጸላኢኻ ጓህሪ ምዅማር (21, 22)

      • ጽቡቕ ወረ ኸም ዝሑል ማይ እዩ (25)

    • 26

      • ሃካይ ከመይ ምዃኑ (13-16)

      • ካብ ባእሲ እንዳ እማትካ ርሓቕ (17)

      • ካብ ዜታልል ጸወታ ርሓቕ (18, 19)

      • ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ (20, 21)

      • ቃላት ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ (22)

    • 27

      • ናይ ፈታዊ መግናሕቲ ጠቓሚ እዩ (5, 6)

      • ወደየ፡ ንልበይ ኣሐጕሶ (11)

      • ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ (17)

      • ንመጓሰኻ ፍለጠን (23)

      • ሃብቲ ንዘለኣለም ኣይነብርን (24)

    • 28

      • ጸሎት እቲ ዘይሰምዕ፡ ፍንፉን እዩ (9)

      • ዚናዘዝ ምሕረት ይረክብ (13)

      • ከይበደልካ ብቕልጡፍ ዚርከብ ሃብቲ የልቦን (20)

      • ካብ ሽሕጣንሲ መግናሕቲ ይሓይሽ (23)

      • ለጋስ ገለ እኳ ኣይጐድሎን (27)

    • 29

      • ስዲ ውሉድ የሕፍር (15)

      • ብዘይ ራእይ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ (18)

      • ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል (22)

      • ትሑት ዝመንፈሱ፡ ክብሪ ይረክብ (23)

      • ፍርሂ ሰብ መፈንጠራ እዩ (25)

  • 30

    • ቃላት ኣጉር (1-33)

      • ድኽነት ኰነ ሃብቲ ኣይትሃበኒ (8)

      • ዘይጸግቡ ነገራት (15, 16)

      • ኣሰር ዘይሓድግ ነገራት (18, 19)

      • ዘማዊት ሰበይቲ (20)

      • ብባህረት ጥበበኛታት ዝዀኑ እንስሳታት (24)

  • 31

    • ቃላት ንጉስ ልሙኤል (1-31)

      • ክኢላ ሰበይትስ መን ይረኽባ፧ (10)

      • ትግህትን ጻዕረኛን (17)

      • ለውሃት ኣብ ልሳና ኣሎ (26)

      • ደቃን ሰብኣያን ይውድስዋ (28)

      • ውቃበን ጽባቐን ሓላፊ እዩ (30)