ምሳሌ 28:1-28
28 እኩያት ዚሰጕጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፣ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ድምብርጽ ኣይብሎምን።+
2 ኣብ ሃገር ኣበሳ* ምስ ዚህሉ፡ መሳፍንቲ ይቀያየሩ፣+ብሓገዝ ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብ ግና፡ መስፍን* ነዊሕ ይቕጽል።+
3 ንትሑት ዚዕምጽ ድኻስ፡+ንዅሉ እንጌራ ኸም ዚዅስትር ዝናም እዩ።
4 ሕጊ ዚሓድጉ፡ ንእኩይ ይውድስዎ፣ሕጊ ዚሕልዉ ግና፡ ይቝጥዕዎም።+
5 እኩያት ሰባትሲ ፍትሒ ኺርድኡ ኣይክእሉን፣ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ኵሉ ኺርድኡ ይኽእሉ።+
6 ካብቲ መገድታቱ እተበላሸወ ሃብታምሲ፡ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሓይሽ።+
7 ኣእምሮኛ ውሉድ ሕጊ ይሕሉ፣ብጻይ ህሩፋት ግና ንኣቦኡ የዋርዶ።+
8 ብወለድን+ ብሓረጣን ሃብቱ ዜብዝሕ፡ነቲ ንድኻ ሞገስ ዜርእዮ ይእክበሉ።+
9 ሕጊ ምስማዕ ዚኣቢ፡ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።+
10 ንቕኑዓት ናብ እኩይ መገዲ ኺኣትዉ ዜስሕቶም፡ ኣብ ጕድጓዱ ይወድቕ፣+መንቅብ ዘይብሎም ግና ጽቡቕ ይወርሱ።+
11 ሃብታም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጥበበኛ እዩ፣+ምስትውዓል ዘለዎ ድኻ ግና እንታይነቱ ይፈልጦ።+
12 ጻድቃን ምስ ዚዕወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፣እኩያት ናብ ስልጣን ልዕል ምስ ዚብሉ ግና፡ ሰባት ይሕብኡ።+
13 ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣+ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።+
14 ወትሩ ዚጥንቀቕ* ሰብ ሕጉስ እዩ፣ልቡ ዜትርር ግና፡ ኣብ መዓት ይወድቕ።+
15 እኩይ ገዛኢ ኣብ ልዕሊ ረዳኢ ኣልቦ ህዝብስ፡ሕኒን ከም ዚብል ኣንበሳን ተሃንዲዱ ኸም ዚመጽእ ድብን እዩ።+
16 ምስትውዓል ዘይብሉ መራሒ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ይጥቀመሉ፣+ረብሓ ሸፈጥ ዚጸልእ ግና፡ ህይወቱ የንውሕ።+
17 ህይወት ብምጥፋኡ ዕዳ ደም* ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር* ይሃድም።+
ሓደ እኳ ኣይደግፎ።
18 ብዘይ ኣበር ዚመላለስ፡ ይድሕን፣+መገድታቱ ቔናን ዝዀነ ግና፡ ብሃንደበት ይወድቕ።+
19 ምድሩ ዚከናኸን፡ እኹል እንጌራ ይረክብ፣ዘይጠቅም ነገራት ዚስዕብ ግና፡ ድኽነት ይጸግብ።+
20 እሙን ሰብ ብዙሕ በረኸት ይረክብ፣+ኪህብትም ዚህወኽ ግና፡ ንጹህ ኰይኑ ኣይቅጽልን።+
21 ኣድልዎ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+ሰብ ግና ምእንቲ ቝራስ እንጌራ ይብድል።
22 ቀናእ* ሰብሲ ድኽነት ከም ዚረኽቦ ኸይፈለጠ፡ኪህብትም ሃንቀው ይብል።
23 ካብቲ ብልሳኑ ዚሽሕጥሲ፡ንሰብ ዚገንሕ፡+ ደሓር ዝያዳ ሞገስ ይረክብ።+
24 ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚዘምት እሞ፡ “በደል ኣይኰነን” ዚብል፡+መሻርኽቲ እቲ ንሰብ ዜጥፍእ እዩ።+
25 ስሱዕ ሰብ* ባእሲ የለዓዕል፣ኣብ የሆዋ ዚጽጋዕ ግና ጽቡቕ ይረክብ።*+
26 ብልቡ ዚእመን፡ ዓሻ እዩ፣+ብጥበብ ዚመላለስ ግና፡ የምልጥ።+
27 ንድኻ ዚህብ፡ ገለ እኳ ኣይጐድሎን፣+ኣዒንቱ ዚዕምት ግና፡ ብዙሕ ይርገም።
28 እኩያት ናብ ስልጣን ልዕል ምስ ዚብሉ፡ ሰባት ይሕብኡ፣ምስ ዚጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይበዝሑ።+

