ምሳሌ 19:1-29
19 ዓሻ ዄንካ ሓሶት ካብ እትዛረብሲ፡ድኻ ዄንካ ብንጽህና ምምልላስ ይሓይሽ።+
2 ሰብ* ብዘይ ፍልጠት፡ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+ብታህዋኽ ተግባሩ ዚገብር* ድማ ይሓጥእ።
3 ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ የቕንን፣ልቡ ግና ኣብ የሆዋ ይንድር።
4 ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይስሕብ፣ድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይሓድጎ።+
5 ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣+እቲ ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ከኣ ኣየምልጥን።+
6 ብዙሓት ሞገስ ልዑል* ይደልዩ፣ህያብ ንዚህብ ሰብ ድማ ኵሉ ፈታዊኡ እዩ።
7 ንድኻስ ኵሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፣+ፈተውቱ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኻብኡ ዘይርሕቁ!+ኪልምኖም ኢሉ ይስዕቦም፣ ዚምልሰሉ ግና የልቦን።
8 ልቢ ዜጥሪ፡ ንርእሱ* የፍቅራ።+
ምስትውዓል ዚዓቍር፡ ኣሳልጦ* ይረክብ።+
9 ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣እቲ ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ።+
10 ንዓሻ ምሹእ ናብራ ኣይግብኦን፣ጊልያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ኺገዝእ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!+
11 ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፣+በደል* ዕሽሽ ምባል* ድማ የጸብቐሉ።+
12 ነድሪ ንጉስ ከም ሕኒንታ ሽደን ኣንበሳ እዩ፣+ሞገሱ ግና ኣብ ኣትክልቲ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ።
13 ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ መከራ የምጽኣሉ፣+ነግራም* ሰበይቲ ኸምቲ ኸየቋረጸ ዜልሕዅ ናሕሲ እያ።+
14 ቤትን ሃብትን ካብ ኣቦታት ይውረስ፣ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ግና ካብ የሆዋ እያ።+
15 ትህኪት ከቢድ ድቃስ ተምጽእ፣ላህማም ሰብ* ድማ ይጠሚ።+
16 ትእዛዝ ዚሕሉ፡ ንህይወቱ* ይሕልዋ፣+ብዛዕባ መገድታቱ ግዲ ዘይብሉ፡ ይመውት።+
17 ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣+ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ።*+
18 ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ገስጾ፣+ብሞቱ ድማ ተሓታቲ ኣይትኹን።*+
19 ቍጡዕ፡ መቕጻዕቲ ይጸውር፣ከተናግፎ እንተ ፈቲንካ፡ ደጋጊምካ ኸምኡ ኽትገብር ኢኻ።+
20 ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽ እውን ተቐበል።+
21 ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ውጥናት ኣሎ፣እቲ ዚዕወት ግና ምኽሪ* የሆዋ እዩ።+
22 ንሰብ ተባሃጊ ዚገብሮ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እዩ፣+ሓሳዊ ኻብ ምዃን ድማ ድኻ ምዃን ይሓይሽ።
23 ፍርሃት የሆዋ ናብ ህይወት ይመርሕ፣+እዚ ዘለዎ፡ ባህ ዜብል ዕረፍቲ ይረክብ፡ ጕድኣት እውን ኣይረኽቦን።+
24 ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፣ግናኸ፡ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን።+
25 ንመላገጺ ውቕዓዮ እሞ፡+ ዘይለበመ ኺጐርሕ እዩ፣+ንብዓል ኣእምሮ ኸኣ ገስጾ እሞ፡ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።+
26 ንኣቦኡ ዚገፍዖን ንኣዲኡ ዚሰጕጓን፡መሕፈርን ውርደተኛን ወዲ እዩ።+
27 ወደየ፡ ተግሳጽ ምስማዕ እንተ ኣቋሪጽካ፡ካብ ቃላት ፍልጠት ክትርሕቕ ኢኻ።
28 ዘይጠቅም ምስክር ንፍትሒ የላግጸሉ፣+ኣፍ እኩያት ከኣ እከይ ይውሕጥ።+
29 ፍርዲ ንመላገጽቲ፡+መውቃዕቲ ድማ ንዝባን ዓያሹ ተዓቚሩሎም ኣሎ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋሩ ዜቐልጥፍ።”
^ ወይ፡ “ለጋስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ጽቡቕ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ኣበሳ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ምሕላፍ።”
^ ወይ፡ “መኛካ።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ዓስቢ ይህቦ።”
^ ወይ፡ “ሞቱ ኣይትመነ።” ቃ.ቃ.፡ “ንሞቱ ነፍስኻ ኣይተልዕል።”
^ ወይ፡ “ዕላማ።”