ምሳሌ 19:1-29

  • ልቦና ንሰብ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ (11)

  • ተቛያቚት ሰበይቲ ኸም ዜልሕዅ ናሕሲ እያ (13)

  • ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ኻብ የሆዋ እያ (14)

  • ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንውሉድካ ገስጾ (18)

  • ተግሳጽ ምስማዕ፡ ጥበብ እዩ (20)

19  ዓሻ ዄንካ ሓሶት ካብ እትዛረብሲ፡ድኻ ዄንካ ብንጽህና ምምልላስ ይሓይሽ።+  2  ሰብ* ብዘይ ፍልጠት፡ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+ብታህዋኽ ተግባሩ ዚገብር* ድማ ይሓጥእ።  3  ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ የቕንን፣ልቡ ግና ኣብ የሆዋ ይንድር።  4  ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይስሕብ፣ድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይሓድጎ።+  5  ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣+እቲ ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ከኣ ኣየምልጥን።+  6  ብዙሓት ሞገስ ልዑል* ይደልዩ፣ህያብ ንዚህብ ሰብ ድማ ኵሉ ፈታዊኡ እዩ።  7  ንድኻስ ኵሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፣+ፈተውቱ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኻብኡ ዘይርሕቁ!+ኪልምኖም ኢሉ ይስዕቦም፣ ዚምልሰሉ ግና የልቦን።  8  ልቢ ዜጥሪ፡ ንርእሱ* የፍቅራ።+ ምስትውዓል ዚዓቍር፡ ኣሳልጦ* ይረክብ።+  9  ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣እቲ ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ።+ 10  ንዓሻ ምሹእ ናብራ ኣይግብኦን፣ጊልያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ኺገዝእ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!+ 11  ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፣+በደል* ዕሽሽ ምባል* ድማ የጸብቐሉ።+ 12  ነድሪ ንጉስ ከም ሕኒንታ ሽደን ኣንበሳ እዩ፣+ሞገሱ ግና ኣብ ኣትክልቲ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ። 13  ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ መከራ የምጽኣሉ፣+ነግራም* ሰበይቲ ኸምቲ ኸየቋረጸ ዜልሕዅ ናሕሲ እያ።+ 14  ቤትን ሃብትን ካብ ኣቦታት ይውረስ፣ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ግና ካብ የሆዋ እያ።+ 15  ትህኪት ከቢድ ድቃስ ተምጽእ፣ላህማም ሰብ* ድማ ይጠሚ።+ 16  ትእዛዝ ዚሕሉ፡ ንህይወቱ* ይሕልዋ፣+ብዛዕባ መገድታቱ ግዲ ዘይብሉ፡ ይመውት።+ 17  ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣+ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ።*+ 18  ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ገስጾ፣+ብሞቱ ድማ ተሓታቲ ኣይትኹን።*+ 19  ቍጡዕ፡ መቕጻዕቲ ይጸውር፣ከተናግፎ እንተ ፈቲንካ፡ ደጋጊምካ ኸምኡ ኽትገብር ኢኻ።+ 20  ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽ እውን ተቐበል።+ 21  ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ውጥናት ኣሎ፣እቲ ዚዕወት ግና ምኽሪ* የሆዋ እዩ።+ 22  ንሰብ ተባሃጊ ዚገብሮ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እዩ፣+ሓሳዊ ኻብ ምዃን ድማ ድኻ ምዃን ይሓይሽ። 23  ፍርሃት የሆዋ ናብ ህይወት ይመርሕ፣+እዚ ዘለዎ፡ ባህ ዜብል ዕረፍቲ ይረክብ፡ ጕድኣት እውን ኣይረኽቦን።+ 24  ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፣ግናኸ፡ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን።+ 25  ንመላገጺ ውቕዓዮ እሞ፡+ ዘይለበመ ኺጐርሕ እዩ፣+ንብዓል ኣእምሮ ኸኣ ገስጾ እሞ፡ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።+ 26  ንኣቦኡ ዚገፍዖን ንኣዲኡ ዚሰጕጓን፡መሕፈርን ውርደተኛን ወዲ እዩ።+ 27  ወደየ፡ ተግሳጽ ምስማዕ እንተ ኣቋሪጽካ፡ካብ ቃላት ፍልጠት ክትርሕቕ ኢኻ። 28  ዘይጠቅም ምስክር ንፍትሒ የላግጸሉ፣+ኣፍ እኩያት ከኣ እከይ ይውሕጥ።+ 29  ፍርዲ ንመላገጽቲ፡+መውቃዕቲ ድማ ንዝባን ዓያሹ ተዓቚሩሎም ኣሎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋሩ ዜቐልጥፍ።”
ወይ፡ “ለጋስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጽቡቕ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ኣበሳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምሕላፍ።”
ወይ፡ “መኛካ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ዓስቢ ይህቦ።”
ወይ፡ “ሞቱ ኣይትመነ።” ቃ.ቃ.፡ “ንሞቱ ነፍስኻ ኣይተልዕል።”
ወይ፡ “ዕላማ።”