ምሳሌ 17:1-28
17 ካብ ድግስ* ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ቍራስ እንጌራ ምስ ሰላም* ይሓይሽ።+
2 ልቦና ዘለዎ ጊልያ ዜሕፍር ንዝግብሩ ውሉድ ይገዝኦ፣ከም ሓደ ኻብ ኣሕዋት ከኣ ካብ ርስቲ ይካፈል።
3 መምከኺ ቝራዕ ንብሩር፡ እቶን ድማ ንወርቂ እዩ፣+ንልቢ ዚምርምሮ ግና የሆዋ እዩ።+
4 እኩይ ንጐዳኢ ዘረባ የቕልበሉ፣መታለሊ ኸኣ ንኽፍእቲ ልሳን ይሰምዓ።+
5 ንድኻ ዜላግጸሉ ንገባሪኡ ይጸርፎ፣+ብጥፍኣት ካልእ ዚሕጐስ ድማ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን።+
6 ደቂ ደቂ ንኣረገውቲ ዘውዶም እዮም፣ኣቦታት* ከኣ ንደቆም ክብሪ እዮም።
7 ቅኑዕ* ዘረባ ንዓሻ ዚግብኦ ኣይኰነን።+
ዘረባ ሓሶት ግዳ ንገዛኢ* ኽንደይ ዝገደደ ዘይግባእ ዘይከውን!+
8 ህያብ ንዋናኡ ኸም ክቡር እምኒ* እዩ፣+ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ የስልጠሉ።+
9 ኣበሳ ዚሓድግ፡* ፍቕሪ ይደሊ፣+ንነገር መመሊሱ ዜልዕሎ ግና ናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ።+
10 ካብ ሚእቲ መውቃዕቲ ንዓሻስ፡+መግናሕቲ ኣብ ብዓል ኣእምሮ ዝዓመቘ ጦብላሕታ ይሓድግ።+
11 ክፉእ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፣ጨካን ልኡኽ ከኣ ኪቐጽዖ ይለኣኽ።+
12 ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዜጓንፈካስ፡ኰራዅራ ዝጠፍእዋ ድቢ ኸተጓንፈካ ይሓይሽ።+
13 ሰብ ኣብ ክንዲ ጽቡቕሲ ኽፉእ ምስ ዚፈዲ፡ክፉእ ካብ ቤቱ ኣየልግስን።+
14 ምጅማር ባእሲ ኸም ምኽፋት ኣፍ ደገ ውሒዝ* እዩ፣ቈየቛ ኸይተላዕለ ርሓቕ።+
15 ንእኩይ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡+—ክልቲኦም ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እዮም።
16 ዓሻስ ጥበብ ንምጥራይ ልቢ ዘይብሉ ኽነሱ፡*ኬጥርያ ዜኽእሎ ዓቕሚ እንተ ኣለዎ እንታይ ይጠቅም፧+
17 ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣+ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።+
18 ልቢ ዘይብሉ ሰብ ኢድ ይጠቅዕ እሞ፡ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኺውሓስ ይሰማማዕ።+
19 ግጭት ዚፈቱ፡ ኣበሳ ይፈቱ።+
ኣፍ ደጊኡ ዜበርኽ፡ ውድቀት ይዕድም።+
20 ቄናን ዝልቡ ኣሳልጦ* ኣይረክብን፣+ብምትላል ዚዛረብ ድማ፡ ናብ ጥፍኣት ይወድቕ።
21 ዓሻ ወዲ ዝወለደ፡ ይጕሂ፣ኣቦ ሃላይ እውን ኣይሕጐስን።+
22 ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣*+ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ።*+
23 እኩይሲ መገዲ ፍትሒ ንምቕናን፡ብሕቡእ* ጉቦ ይወስድ።+
24 ጥበብ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ኣስተውዓሊ ሰብ እያ፣ኣዒንቲ ዓያሹ ግና ናብ ወሰናት ምድሪ የብላ።+
25 ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ የጕህዮ፣ንወላዲቱ ኸኣ ጓሂ ልቢ* እዩ።+
26 ንጻድቕ ምቕጻዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፣ንኽቡራት ምግራፍ ድማ ቅኑዕ ኣይኰነን።
27 ፍልጠት ዘለዎ፡ ቃላቱ ይገትእ፣+ኣስተውዓሊ ሰብ ከኣ ይሃድእ።*+
28 ዓሻ እኳ ስቕ ምስ ዚብል፡ ከም ጥበበኛ፡ከናፍሩ ዚሓትም ድማ ከም ኣስተውዓሊ ይርአ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ህድኣት።”
^ ወይ፡ “ሕሩድ።” ቃ.ቃ.፡ “መስዋእቲ።”
^ ወይ፡ “ወለዲ።”
^ ወይ፡ “ጽቡቕ።”
^ ወይ፡ “ንልዑል።”
^ ወይ፡ “ሞገስ ዜምጽኣሉ እምኒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዚኸድን።”
^ ወይ፡ “ከም ምኽፋት ግድብ።” ቃ.ቃ.፡ “ምፍናው ማያት።”
^ ወይ፡ “ዓሻስ ልቢ ዚጐድሎ ኽነሱ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ጽቡቕ።”
^ ወይ፡ “ንኣዕጽምቲ የንቅጽ።”
^ ወይ፡ “ንምፍዋስ ጽቡቕ እዩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ካብ ሕቝፊ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ምረት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መንፈሱ ህዱእ እዩ።”