ምሳሌ 17:1-28

  • ኣብ ክንዲ ጽቡቕሲ ኽፉእ ኣይትፍደ (13)

  • ቈየቛ ኸይጀመረ ርሓቕ (14)

  • ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር (17)

  • “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ” (22)

  • ኣስተውዓሊ ሰብ ቃላቱ ይገትእ (27)

17  ካብ ድግስ* ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ቍራስ እንጌራ ምስ ሰላም* ይሓይሽ።+  2  ልቦና ዘለዎ ጊልያ ዜሕፍር ንዝግብሩ ውሉድ ይገዝኦ፣ከም ሓደ ኻብ ኣሕዋት ከኣ ካብ ርስቲ ይካፈል።  3  መምከኺ ቝራዕ ንብሩር፡ እቶን ድማ ንወርቂ እዩ፣+ንልቢ ዚምርምሮ ግና የሆዋ እዩ።+  4  እኩይ ንጐዳኢ ዘረባ የቕልበሉ፣መታለሊ ኸኣ ንኽፍእቲ ልሳን ይሰምዓ።+  5  ንድኻ ዜላግጸሉ ንገባሪኡ ይጸርፎ፣+ብጥፍኣት ካልእ ዚሕጐስ ድማ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን።+  6  ደቂ ደቂ ንኣረገውቲ ዘውዶም እዮም፣ኣቦታት* ከኣ ንደቆም ክብሪ እዮም።  7  ቅኑዕ* ዘረባ ንዓሻ ዚግብኦ ኣይኰነን።+ ዘረባ ሓሶት ግዳ ንገዛኢ* ኽንደይ ዝገደደ ዘይግባእ ዘይከውን!+  8  ህያብ ንዋናኡ ኸም ክቡር እምኒ* እዩ፣+ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ የስልጠሉ።+  9  ኣበሳ ዚሓድግ፡* ፍቕሪ ይደሊ፣+ንነገር መመሊሱ ዜልዕሎ ግና ናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ።+ 10  ካብ ሚእቲ መውቃዕቲ ንዓሻስ፡+መግናሕቲ ኣብ ብዓል ኣእምሮ ዝዓመቘ ጦብላሕታ ይሓድግ።+ 11  ክፉእ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፣ጨካን ልኡኽ ከኣ ኪቐጽዖ ይለኣኽ።+ 12  ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዜጓንፈካስ፡ኰራዅራ ዝጠፍእዋ ድቢ ኸተጓንፈካ ይሓይሽ።+ 13  ሰብ ኣብ ክንዲ ጽቡቕሲ ኽፉእ ምስ ዚፈዲ፡ክፉእ ካብ ቤቱ ኣየልግስን።+ 14  ምጅማር ባእሲ ኸም ምኽፋት ኣፍ ደገ ውሒዝ* እዩ፣ቈየቛ ኸይተላዕለ ርሓቕ።+ 15  ንእኩይ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡+—ክልቲኦም ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እዮም። 16  ዓሻስ ጥበብ ንምጥራይ ልቢ ዘይብሉ ኽነሱ፡*ኬጥርያ ዜኽእሎ ዓቕሚ እንተ ኣለዎ እንታይ ይጠቅም፧+ 17  ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣+ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።+ 18  ልቢ ዘይብሉ ሰብ ኢድ ይጠቅዕ እሞ፡ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኺውሓስ ይሰማማዕ።+ 19  ግጭት ዚፈቱ፡ ኣበሳ ይፈቱ።+ ኣፍ ደጊኡ ዜበርኽ፡ ውድቀት ይዕድም።+ 20  ቄናን ዝልቡ ኣሳልጦ* ኣይረክብን፣+ብምትላል ዚዛረብ ድማ፡ ናብ ጥፍኣት ይወድቕ። 21  ዓሻ ወዲ ዝወለደ፡ ይጕሂ፣ኣቦ ሃላይ እውን ኣይሕጐስን።+ 22  ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣*+ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ።*+ 23  እኩይሲ መገዲ ፍትሒ ንምቕናን፡ብሕቡእ* ጉቦ ይወስድ።+ 24  ጥበብ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ኣስተውዓሊ ሰብ እያ፣ኣዒንቲ ዓያሹ ግና ናብ ወሰናት ምድሪ የብላ።+ 25  ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ የጕህዮ፣ንወላዲቱ ኸኣ ጓሂ ልቢ* እዩ።+ 26  ንጻድቕ ምቕጻዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፣ንኽቡራት ምግራፍ ድማ ቅኑዕ ኣይኰነን። 27  ፍልጠት ዘለዎ፡ ቃላቱ ይገትእ፣+ኣስተውዓሊ ሰብ ከኣ ይሃድእ።*+ 28  ዓሻ እኳ ስቕ ምስ ዚብል፡ ከም ጥበበኛ፡ከናፍሩ ዚሓትም ድማ ከም ኣስተውዓሊ ይርአ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ህድኣት።”
ወይ፡ “ሕሩድ።” ቃ.ቃ.፡ “መስዋእቲ።”
ወይ፡ “ወለዲ።”
ወይ፡ “ጽቡቕ።”
ወይ፡ “ንልዑል።”
ወይ፡ “ሞገስ ዜምጽኣሉ እምኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዚኸድን።”
ወይ፡ “ከም ምኽፋት ግድብ።” ቃ.ቃ.፡ “ምፍናው ማያት።”
ወይ፡ “ዓሻስ ልቢ ዚጐድሎ ኽነሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጽቡቕ።”
ወይ፡ “ንኣዕጽምቲ የንቅጽ።”
ወይ፡ “ንምፍዋስ ጽቡቕ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ሕቝፊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምረት።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሱ ህዱእ እዩ።”