ምሳሌ 2:1-22
2 ወደየ፡ ቃለይ እንተ ተቐቢልካ፡ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ዓቚርካ፣+
2 ከምኡ ንምግባር ድማ፡ እዝንኻ ናብ ጥበብ ከም ዜቕልብ፡+ልብኻ ኸኣ ናብ ምስትውዓል ከም ዚዝምብል እንተ ጌርካ፣+
3 ብዘይካዚ፡ ንኣእምሮ እንተ ጸዊዕካያ፡+ንምስትውዓል ድማ እንተ ተዳሂኻያ፡+
4 ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሊኻያ፡+ከም ንሕቡእ መዛግብቲ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ ኢልካያ፣+
5 ሽዑ፡ ፍርሃት የሆዋ ኺርድኣካ እዩ፣+ፍልጠት ኣምላኽ እውን ክትረክብ ኢኻ።+
6 የሆዋስ ጥበብ ይህብ፣+ካብ ኣፉ ኸኣ ፍልጠትን ምስትውዓልን ይወጽእ።
7 ንቕኑዓት ድማ ግብራዊ ጥበብ ይዓቝረሎም፣ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ ዋልታ እዩ።+
8 ንመገድታት ፍትሒ ይቋመተን፡ንጐደና እሙናቱ ኸኣ ይሕልዋ እዩ።+
9 ሽዑ፡ ጽድቅን ፍትሕን ቅንዕናን፡አረ መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ ኽትርዳእ ኢኻ።+
10 ጥበብ ናብ ልብኻ ምስ ኣተወት፡+ፍልጠት ድማ ንነፍስኻ* ባህ ምስ ኣበለታ፡+
11 ምምዝዛን ክትሕልወካ፡+ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ፣
12 ካብ ሕማቕ መገዲ፡ካብቶም ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኸተድሕነካ እያ፣+
13 ካብቶም ብመገድታት ጸልማት ኪመላለሱስ፡ንቕኑዕ ጐደናታት ዚሓድጉ፡+
14 ካብቶም ብኽፉእ ግብሪ ዚሕጐሱ፡ብቔናን ክፍኣት እውን ባህ ዚብሎም፡
15 ካብቶም ጐደናታቶም ቄናን፡ብዘሎ መገዶም ድማ ጠዋይ ዝዀኑ ኸተድሕነካ እያ።
16 ካብ ፋሉል* ሰበይቲ፡ካብ ልዙብ* ቃላት እታ እትምንዝር* ሰበይቲ ኸተድሕነካ እያ፣+
17 ንሳ ንናይ ንእስነት ፈታዊኣ* ዝሓደገት፡+ኪዳን ኣምላኻ እውን ዝረስዐት እያ።
18 ቤታስ ናብ ሞት የውርድ፣መገድታታ ድማ ናብቶም ብሞት እተሰነፉ ይመርሕ።+
19 ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ኣይምለስን፣ንመገድታት ህይወት እውን መሊሶም ኣይረኽብዋን እዮም።+
20 ስለዚ፡ ጐደና ሕያዎት ስዓብ፣ኣብ መገድታት ጻድቃን እውን ጽናሕ፣+
21 ከመይሲ፡ ቅኑዓት ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፣መንቅብ ዘይብሎም* ከኣ እዮም ኣብኣ ዚተርፉ።+
22 እኩያት ግና ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ፡+ጠለምቲ ድማ ካብኣ ኺምሓዉ እዮም።+

