ምሳሌ 13:1-25
13 ጥበበኛ ወዲ፡ ተግሳጽ ኣቦኡ ይቕበል፣+መላገጺ ግና፡ መግናሕቲ* ኣይሰምዕን።+
2 ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ጽቡቕ ይበልዕ፣+ትምኒት* ጠለምቲ ግና ዓመጻ እዩ።
3 ኣፉ* ዚሕሉ፡ ንህይወቱ* የዕቍባ፣+ከናፍሩ ጋህ ንዜብል ግና፡ ጥፍኣት ይረኽቦ።+
4 ሃካይ ሃረር ይብል እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረክብን፣*+ትጉሃት* ግና ምሉእ ብምሉእ ይጸግቡ።*+
5 ጻድቕ ሓሶት ይጸልእ፣+ተግባራት እኩያት ግና የሕፍርን የዋርድን።
6 ጽድቂ ነቲ ንጹህ ዝመገዱ ተዕቍቦ፣+እከይ ግና ንሓጥእ የውድቖ።
7 ገለ እኳ ዘይብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል ኣሎ፣+ብዙሕ ሃብቲ ኸለዎ ኸኣ ንርእሱ ድኻ ዜምስል ኣሎ።
8 ሃብቲ ንህይወት* ሰብ በጃ ይኸውን፣+ድኻ ግና ዜስግኦ እኳ የብሉን።*+
9 ብርሃን ጻድቃን ደሚቑ ይበርህ፣*+መብራህቲ እኩያት ግና ይጠፍእ።+
10 ድፍረት ናብ ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመርሕ፣+ጥበብ ግና ናይቶም ምኽሪ ዚደልዩ* እያ።+
11 ብቕልጡፍ* እተረኽበ ሃብቲ ይንኪ፣+በብቝሩብ* ዚእከብ ሃብቲ ግና ይውስኽ።
12 እተናውሐ ትጽቢት፡* ልቢ የሕምም፣+እተፈጸመ ትምኒት ግና፡ ኦም ህይወት እዩ።+
13 ትምህርቲ* ዚንዕቕ፡ ይቕጻዕ፣+ትእዛዝ ዜኽብር ግና፡ ዓስቢ ይረክብ።+
14 ትምህርቲ* ጥበበኛ ምንጪ ህይወት እዩ፣+ካብ መፈንጠራታት ሞት ድማ የርሕቕ።
15 ጽቡቕ ልቦና፡ ሞገስ የውህብ፣መገዲ ጠለምቲ ግና ከባድ እያ።
16 ጐራሕ ብፍልጠት ይገብር፣+ዓሻ ግና ገዛእ ዕሽነቱ ይቐልዕ።+
17 እኩይ መልእኽተኛ ኣብ ሽግር ይወድቕ፣+እሙን ልኡኽ ግና የሕዊ።+
18 ንተግሳጽ ዕሽሽ ዚብል፡ ናብ ድኽነትን ውርደትን የምርሕ፣መአረምታ* ዚቕበል ግና፡ ይኸብር።+
19 ትምኒት ምስ ተፈጸመ ንሰብ* ጥዑም እዩ፣+ዓያሹ ግና ካብ ክፉእ ምርሓቕ ይጽልኦም።+
20 ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣+ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።+
21 ንሓጥኣን መዓት ይስዕቦም፣+ጻድቃን ግና ጽቡቕ ይፍደዩ።+
22 ሕያዋይ ንደቂ ደቁ የውርሶም፣ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።+
23 ሕሩስ ግራት ድኻታት ብዙሕ ምግቢ የፍሪ፣ሰኣን ፍትሒ ግና ኪጠፍእ* ይኽእል።
24 ንሻቦጡ ዘይጥቀመላ* ንወዱ ይጸልኦ፣+እቲ ዜፍቅሮ ግና ተጊሁ* ይግስጾ።+
25 ጻድቕ በሊዑ ሸውሃቱ* የዕግብ፣+ከብዲ ሓጥኣን ግና ጥራዩ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “መአረምታ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣፉ።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ዚብሎ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይትረክብን።”
^ ወይ፡ “ነፍሲ ትጉሃት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ትሰብሕ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሲ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መግናሕቲ ኣይሰምዕን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ይሕጐስ።”
^ ወይ፡ “ብሓባር ዚማኸሩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ።”
^ ወይ፡ “ብኸንቱ።”
^ ወይ፡ “ተስፋ።”
^ ወይ፡ “ቃል።”
^ ወይ፡ “ሕጊ።”
^ ወይ፡ “መግናሕቲ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ንሱ ኺጠፍእ።”
^ ወይ፡ “ተግሳጽ (መቕጻዕቲ) ዘይህብ።”
^ ወይ፡ “ቀልጢፉ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነፍሱ።”