ምሳሌ 13:1-25

  • ምኽሪ ዚደልዩ፡ ጥበበኛታት እዮም (10)

  • ዝደንጐየ ተስፋ፡ ልቢ የሕምም (12)

  • እሙን ልኡኽ የሕዊ (17)

  • ምስ ጥበበኛታት ምምልላስ ጥበበኛ ይገብር (20)

  • ተግሳጽ መግለጺ ፍቕሪ እዩ (24)

13  ጥበበኛ ወዲ፡ ተግሳጽ ኣቦኡ ይቕበል፣+መላገጺ ግና፡ መግናሕቲ* ኣይሰምዕን።+  2  ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ጽቡቕ ይበልዕ፣+ትምኒት* ጠለምቲ ግና ዓመጻ እዩ።  3  ኣፉ* ዚሕሉ፡ ንህይወቱ* የዕቍባ፣+ከናፍሩ ጋህ ንዜብል ግና፡ ጥፍኣት ይረኽቦ።+  4  ሃካይ ሃረር ይብል እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረክብን፣*+ትጉሃት* ግና ምሉእ ብምሉእ ይጸግቡ።*+  5  ጻድቕ ሓሶት ይጸልእ፣+ተግባራት እኩያት ግና የሕፍርን የዋርድን።  6  ጽድቂ ነቲ ንጹህ ዝመገዱ ተዕቍቦ፣+እከይ ግና ንሓጥእ የውድቖ።  7  ገለ እኳ ዘይብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል ኣሎ፣+ብዙሕ ሃብቲ ኸለዎ ኸኣ ንርእሱ ድኻ ዜምስል ኣሎ።  8  ሃብቲ ንህይወት* ሰብ በጃ ይኸውን፣+ድኻ ግና ዜስግኦ እኳ የብሉን።*+  9  ብርሃን ጻድቃን ደሚቑ ይበርህ፣*+መብራህቲ እኩያት ግና ይጠፍእ።+ 10  ድፍረት ናብ ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመርሕ፣+ጥበብ ግና ናይቶም ምኽሪ ዚደልዩ* እያ።+ 11  ብቕልጡፍ* እተረኽበ ሃብቲ ይንኪ፣+በብቝሩብ* ዚእከብ ሃብቲ ግና ይውስኽ። 12  እተናውሐ ትጽቢት፡* ልቢ የሕምም፣+እተፈጸመ ትምኒት ግና፡ ኦም ህይወት እዩ።+ 13  ትምህርቲ* ዚንዕቕ፡ ይቕጻዕ፣+ትእዛዝ ዜኽብር ግና፡ ዓስቢ ይረክብ።+ 14  ትምህርቲ* ጥበበኛ ምንጪ ህይወት እዩ፣+ካብ መፈንጠራታት ሞት ድማ የርሕቕ። 15  ጽቡቕ ልቦና፡ ሞገስ የውህብ፣መገዲ ጠለምቲ ግና ከባድ እያ። 16  ጐራሕ ብፍልጠት ይገብር፣+ዓሻ ግና ገዛእ ዕሽነቱ ይቐልዕ።+ 17  እኩይ መልእኽተኛ ኣብ ሽግር ይወድቕ፣+እሙን ልኡኽ ግና የሕዊ።+ 18  ንተግሳጽ ዕሽሽ ዚብል፡ ናብ ድኽነትን ውርደትን የምርሕ፣መአረምታ* ዚቕበል ግና፡ ይኸብር።+ 19  ትምኒት ምስ ተፈጸመ ንሰብ* ጥዑም እዩ፣+ዓያሹ ግና ካብ ክፉእ ምርሓቕ ይጽልኦም።+ 20  ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣+ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።+ 21  ንሓጥኣን መዓት ይስዕቦም፣+ጻድቃን ግና ጽቡቕ ይፍደዩ።+ 22  ሕያዋይ ንደቂ ደቁ የውርሶም፣ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።+ 23  ሕሩስ ግራት ድኻታት ብዙሕ ምግቢ የፍሪ፣ሰኣን ፍትሒ ግና ኪጠፍእ* ይኽእል። 24  ንሻቦጡ ዘይጥቀመላ* ንወዱ ይጸልኦ፣+እቲ ዜፍቅሮ ግና ተጊሁ* ይግስጾ።+ 25  ጻድቕ በሊዑ ሸውሃቱ* የዕግብ፣+ከብዲ ሓጥኣን ግና ጥራዩ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መአረምታ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፉ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ዚብሎ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይትረክብን።”
ወይ፡ “ነፍሲ ትጉሃት።”
ቃ.ቃ.፡ “ትሰብሕ።”
ወይ፡ “ንነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “መግናሕቲ ኣይሰምዕን።”
ቃ.ቃ.፡ “ይሕጐስ።”
ወይ፡ “ብሓባር ዚማኸሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ።”
ወይ፡ “ብኸንቱ።”
ወይ፡ “ተስፋ።”
ወይ፡ “ቃል።”
ወይ፡ “ሕጊ።”
ወይ፡ “መግናሕቲ።”
ወይ፡ “ንነፍሲ።”
ወይ፡ “ንሱ ኺጠፍእ።”
ወይ፡ “ተግሳጽ (መቕጻዕቲ) ዘይህብ።”
ወይ፡ “ቀልጢፉ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሱ።”