ምሳሌ 27:1-27
27 መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ብጽባሕ ኣይትመካሕ።+
2 ኣፍካ ዘይኰነትሲ፡ ካልእ* ይንኣድካ፣ከናፍርካ ዘይኰናስ፡ ካልኦት ይንኣዱኻ።*+
3 እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፣ዓሻ ዜሕርቐካ ሕርቃን ግና ካብ ክልቲኡ ይኸብድ።+
4 ጭካነ ነድርን ውሒዝ ቍጥዓን ኣሎ፣ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ደው ኪብል ይኽእል፧+
5 ካብ ሕቡእ ፍቕርስ፡ ግሉጽ መግናሕቲ ይሓይሽ።+
6 ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፣+ናይ ጸላኢ ምስዓም ግና ብዙሕ* እዩ።
7 ሸውሃቱ ዝጸገበ ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር ይኣቢ፣*ንዝጠመየ ግና መሪር እኳ ጥዑም ይጥዕሞ።*
8 ካብ ቤቱ ዚዅብልል ሰብ፡ከምታ ኻብ ሰፈራ እትዅብልል* ዑፍ እዩ።
9 ዘይትን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፣ካብ ሓቀኛ ምኽሪ* ዚምንጩ ጥዑም ምሕዝነት ከኣ ከምኡ እዩ።+
10 ንፈታዊኻ ወይ ንፈታው ኣቦኻ ኣይትሕደጎ፣ብመዓልቲ መዓትካ ድማ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትእቶ፣ኣብ ርሑቕ ካብ ዘሎ ሓው፡ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሓይሽ።+
11 ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡+ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ።+
12 ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣+ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ* ይጕድኡ።
13 ንዘይፈልጦ ንእተዋሕሰ፡ ክዳኑ ውሰደሉ፣ካብቲ ንጓና ሰበይቲ* ኸምኡ ዝገበረ፡ ትሕጃ ውሰድ።+
14 ሓደ ሰብ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ምስ ዚምርቖ፡ከም ዝረገሞ እዩ ዚቝጸር።
15 ነግራም* ሰበይቲ ኸምቲ ብመዓልቲ ዝናም ከየቋረጸ ዜልሕዅ ናሕሲ እያ።+
16 ንዓኣ ኺዓግት ዚኽእልሲ፡ ንንፋስ ኪዓግት፡ብየማነይቲ ኢዱ ድማ ዘይቲ ኺዓሙዅ ይኽእል እዩ።
17 ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዚስሕሎ፡ከምኡ ኸኣ ሰብ ንፈታዊኡ* ይስሕሎ።+
18 ንኦም በለስ ዚከናኸን፡ ፍሪኡ ይበልዕ፣+ንጐይታኡ ዚከናኸን ድማ፡ ይኸብር።+
19 ከምቲ ማይ ንገጽ ዜንጸባርቖ፡ልቢ ሓደ ሰብ ከኣ ነቲ ናይቲ ሓደ የንጸባርቖ።
20 መቓብርን ቦታ ጥፍኣትን* ከቶ ኣይጸግቡን፣+ኣዒንቲ ሰብ እውን ፈጺመን ኣይጸግባን።
21 ከምቲ መምከኺ ቝራዕ ንብሩር፡ እቶን ድማ ንወርቂ ዝዀነ፡+ከምኡ ኸኣ ሰብ በቲ ዚውሃቦ ውዳሰ ይፍተን።*
22 ንዓሻ ኸም እተጐድአ እኽሊ ኣብ መጕእ ኣእቲኻብወዲ መጕእ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ዕሽነቱ ኣይምሓደጎን።
23 ትርኢት መጓሰኻ ኣጸቢቕካ ፍለጥ።
ንኣባጊዕካ ተኸናኸነን።*+
24 ሃብትስ ንዘለኣለም፡ዘውዲ እውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ።+
25 ሳዕሪ ይጠፍእ፡ ለቕሚ ይበቍል፣ኣትክልቲ ኣኽራን ድማ ይእከብ።
26 ገንሸላት* ክዳን ይዀኑኻ፣ድቤላታት ድማ ዋጋ ግራት ይዀኑኻ።
27 ንምግብኻን ንምግቢ ቤተ ሰብካን ንመነባብሮ ኣግራድካንዚኣክል ጸባ ጤል ይህሉ።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ባዕዲ፣ ዘይትፈልጦ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ጓና ይንኣድካ።”
^ ወይ፡ “ናይ ሓሶት፣ ተገዲድካ ዚግበር” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ዝጸገበት ነፍሲ ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር ትረግጽ።”
^ ወይ፡ “ንዝጠመየት ነፍሲ ግና መሪር እኳ ጥዑም ይጥዕማ።”
^ ወይ፡ “እትሃድም።”
^ ወይ፡ “ካብ ምኽሪ ነፍሲ።”
^ ወይ፡ “ብመቕጻዕቲ።”
^ ወይ፡ “ንጓና።”
^ ወይ፡ “መኛካ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንገጽ ፈታዊኡ።”
^ ወይ፡ “ሲኦልን ኣባዶንን።”
^ ወይ፡ “እንታይነቱ ይፍለጥ።”
^ ወይ፡ “ልብኻ ኣብ ኣባጊዕካ ግበር፣ ንኣባጊዕካ ኣቕልበለን።”
^ ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

