ዘፍጥረት 13:1-18

  • ኣብራም ናብ ከነኣን ተመልሰ (1-4)

  • ኣብራምን ሎጥን ተፈላለዩ (5-13)

  • ኣምላኽ ንኣብራም ዘተስፈዎ ተስፋ ተደግመ (14-18)

13  ኣብራም ከኣ፡ ንሱን ሰበይቱን ዘለዎ ዅሉን ምስ ሎጥ ሓቢሩ፡ ካብ ግብጺ ናብ ነጌብ ኣቢሉ ደየበ።+  ኣብራም ድማ ብማልን ብብሩርን ብወርቅን ኣዝዩ ሃብቲሙ ነበረ።+  ናብታ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ ኽሳዕ ዚበጽሕ፡ ኣብ በቦታኡ እናሰፈረ ኻብ ነጌብ ናብ ቤት-ኤል ተጓዕዘ፣+  እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ኣቐዲሙ መሰውኢ ሰሪሑላ ዝነበረ እያ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ስም የሆዋ ጸውዐ።  እቲ ምስ ኣብራም ዚጕዓዝ ዝነበረ ሎጥ እውን፡ ኣባጊዕን ከብትን ድንኳናትን ነበሮ።  እታ ምድሪ ኸኣ ብሓደ ኪቕመጡ ኽትጾሮም ኣይከኣለትን፣ ጥሪቶም ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ ብሓደ ኪቕመጡ ኣይከኣሉን።  ኣብ መንጎ ጓሶት ማል ኣብራምን ጓሶት ማል ሎጥን ከኣ ባእሲ ዀነ። (በቲ ግዜ እቲ፡ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ።)+  ስለዚ፡ ኣብራም ንሎጥ፡+ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ኣብ መንጎ ጓሶትካን ባእሲ ኣይኹን።  ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሜኻዶ የላን፧ በጃኻ፡ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣቢልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን አብል፣ ናብ የማን እንተ ኣቢልካ ኸኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም አብል” በሎ። 10  ሎጥ ከኣ ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ብዘሎ ኸባቢ ዮርዳኖስ+ ክሳዕ ጾዓር፡+ ከም ገነት* የሆዋ፡+ ከም ምድሪ ግብጺ፡ ማይ መሊእዎ ረኣየ። (እዚ ድማ የሆዋ ንሶዶምን ንጎሞራን ቅድሚ ምጥፋኡ እዩ።) 11  ሽዑ፡ ሎጥ ንብዘሎ ኸባቢ ዮርዳኖስ ሓረየ፣ ሎጥ ከኣ ሰፈሩ ናብ ምብራቕ ኣግዓዘ። ንሓድሕዶም ድማ ተፈላለዩ። 12  ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነኣን ተቐመጠ፡ ሎጥ ድማ ኣብ መንጎ እተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ።+ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ድንኳኑ ኣብ ጥቓ ሶዶም ተኸለ። 13  ሰብ ሶዶም ድማ እኩያት፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ ኣዝዮም ሓጥኣን ነበሩ።+ 14  ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ የሆዋ ንኣብራም፡ “በጃኻ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብ ምዕራብን ጠምት፣ 15  ከመይሲ፡ እዛ እትርእያ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህበካ እየ።+ 16  ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ፡ ሓመድ ምድሪ ኪቘጽር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ዘርእኻ ኸኣ ኪቝጸር ይከኣል።+ 17  ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዓኻ ኽህበካ እየ እሞ፡ ተንስእ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ተጐዓዝ” በሎ። 18  ኣብራም ድማ ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ነበረ። ጸኒሑ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን+ ዘሎ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ+ መጺኡ፡ ኣብኡ ተቐመጠ፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”