ዘፍጥረት 1:1-31

  • ፍጥረት ሰማያትን ምድርን (1, 2)

  • ምድሪ ብሽዱሽተ መዓልቲ ተዳለወት (3-31)

    • ቀዳመይቲ መዓልቲ፦ ብርሃን፡ መዓልትን ለይትን (3-5)

    • ካልአይቲ መዓልቲ፦ ጠፈር (6-8)

    • ሳልሰይቲ መዓልቲ፦ ንቑጽ መሬትን ኣትክልትን (9-13)

    • ራብዐይቲ መዓልቲ፦ ብርሃናት ሰማያት (14-19)

    • ሓምሸይቲ መዓልቲ፦ ዓሳታትን ኣዕዋፍን (20-23)

    • ሻድሸይቲ መዓልቲ፦ እንስሳታት ምድርን ሰባትን (24-31)

1  ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።+  ምድሪ ድማ ቅርጺ ኣልቦን ባዶን ነበረት፣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ማይ*+ እውን ጸልማት ነበረ። ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ*+ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት+ ይዘውር ነበረ።  ኣምላኽ ከኣ፡ “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኰነ።+  ኣምላኽ ከኣ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ኪፈልዮ ጀመረ።  ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን፡ መዓልቲ ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኢሉ ሰመዮ።+ ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ።  ኣምላኽ ከኣ፡ “ኣብ መንጎ ማያት፡ ጠፈር ይኹን፣+ ንማያት ድማ ካብ ማያት ይፍለ”+ በለ።  ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ገበሮ እሞ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ።+ ከምኡ እውን ኰነ።  ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር፡ ሰማይ ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ።  ኣምላኽ ከኣ፡ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፡ ንቑጽ መሬት እውን ይርአ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 10  ኣምላኽ ድማ ነቲ ንቑጽ መሬት፡ ምድሪ ኢሉ ሰመዮ፣+ ነቲ እኩብ ማያት ግና ባሕርታት ኢሉ ሰመዮ።+ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።+ 11  ኣምላኽ ድማ፡ “እታ ምድሪ፡ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን ፍረ ምስ ዘርኡ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 12  እታ ምድሪ ኸኣ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን+ ፍረ ምስ ዘርኡ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ኣውጽአት። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 13  ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ። 14  ኣምላኽ ከኣ፡ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ+ ብርሃናት+ ኣብ ጠፈር ሰማያት ይኹኑ፣ ንወቕትታትን ንመዓልትታትን ንዓመታትን ከኣ ምልክት ይኹኑ።+ 15  ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማያት ብርሃናት ይኹኑ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 16  ኣምላኽ ድማ እቲ ዝዓበየ ብርሃን ብመዓልቲ ኺገዝእ፡+ እቲ ዝነኣሰ ብርሃን ከኣ ብለይቲ ኺገዝእ፡ ክልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፣ ከዋኽብቲ እውን ገበረ።+ 17  ኣምላኽ ከኣ ንዓታቶም ኣብ ጠፈር ሰማያት ገበሮም፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኼብርሁ፡ 18  ብመዓልትን ብለይትን ኪገዝኡ፡ ንብርሃን ከኣ ካብ ጸልማት ኪፈልዩ ኢሉ እዩ።+ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 19  ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ። 20  ኣምላኽ ከኣ፡ “ማያት ብህያዋን ፍጡራት* ሓሰኽሰኽ ይበል፣ በረርቲ ፍጡራት ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማያት ይብረሩ” በለ።+ 21  ኣምላኽ ድማ ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን ኣብቲ ማያት ውንጅርጅርን ሓሰኽሰኽን ዚብል ኵሉ ህያው ፍጡር* በብዓይነቱን ኵሉ ኽንፊ ዘለዎ በራሪ ፍጡር በብዓይነቱን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 22  ኣምላኽ ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፣+ በረርቲ ፍጡራት ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሑ” ኢሉ ባረኾም። 23  ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሓምሸይቲ መዓልቲ። 24  ኣምላኽ ከኣ፡ “ምድሪ፡ ህያዋን ፍጡራት* በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን* እንስሳ ዘገዳም ምድርን እውን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 25  ኣምላኽ ድማ እንስሳ ዘገዳም ምድሪ በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤት በብዓይነቱ፡ ኵሉ ለማሚ ምድሪ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 26  ኣምላኽ ከኣ፡ “ብመልክዕና ኸም ምስልና+ ሰብ ንግበር፣+ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ንእንስሳታት ዘቤትን ንዅላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለማምን ይግዝኡ” በለ።+ 27  ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ፣ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።+ 28  ኣምላኽ ከኣ ባረኾም፣ ኣምላኽ ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን+ ግዝእዋን፣+ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን ከኣ ግዝኡ”+ በሎም። 29  ኣምላኽ ከኣ፡ “እንሆ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዚህብ ኵሉ ተኽልን ኵሉ ዘርኢ ዚህብ ፍረ ዘለዎ ኦምን ሂበኩም ኣለኹ። ምግቢ እውን ይኹንኩም።+ 30  ንዅሉ እንስሳ ዘገዳም ምድርን ንዅሉ በራሪ ፍጡር ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህይወት ዘለዎን* ከኣ፡ ለምለም ኣትክልቲ ንምግቦም ሂበዮም ኣለኹ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 31  ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፣ እንሆ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ።+ ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሻድሸይቲ መዓልቲ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቡሕቡሕታ ማያት።”
ወይ፡ “መንፈስ ኣምላኽ።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ወይ፡ “ዚንቀሳቐሱ እንስሳታትን፡” ካብቶም ካልኦት ጕጅለታት እተፈልዩ ለመምትን ካልኦት ዓይነት እንስሳታትን ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ነፍሲ ዝዀነ ህይወትን፣ ህያው ነፍስን።”