ዘፍጥረት 6:1-22
6 ሰባት ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሑ ምስ ጀመሩ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡
2 እቶም ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡*+ እተን ኣዋልድ ሰባት መልክዐኛታት ምዃነን ረኣዩ። ካባታተን ድማ ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ።
3 ድሕርዚ፡ የሆዋ፡ “ንሱ ስጋ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡* መንፈሰይ ንሓዋሩ ንሰብ ኣይኪጻወሮን እዩ።+ ስለዚ፡ መዓልትታቱ 120 ዓመት ኪኸውን እዩ” በለ።+
4 በተን መዓልትታት እቲአንን ብድሕሪኡን፡ ነፊሊም* ኣብ ምድሪ ነበሩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰባት ኣተዉ፣ ንሳተን ድማ ኣወዳት ወለዳሎም። ንሳቶም ከኣ እቶም ስሙያት ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ጀጋኑ እዮም።
5 የሆዋ ኸኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ።+
6 የሆዋ ኸኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡* ልቡ እውን ጐሃየ።*+
7 ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ስለ ዝገበርክዎም ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎም ሰባት፡ ንሰብ ምስ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን በረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ብሓባር ካብ ገጽ ምድሪ ኽድምስሶም እየ” በለ።
8 ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሞገስ ረኸበ።
9 ታሪኽ ኖህ እዚ እዩ።
ኖህ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ።+ ኣብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ፡* ኣበር ዘይብሉ* ነበረ። ኖህ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።+
10 ኖህ ድማ ሰለስተ ኣወዳት፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ።+
11 ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልአት።
12 ኣምላኽ ድማ ንምድሪ ረኣያ፡ ተበላሽያ ኸኣ ነበረት፣+ ኵሉ ስጋ፡* መገዱ ኣብ ምድሪ ኣበላሽዩ ነበረ።+
13 ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንኖህ ከምዚ በሎ፦ “ብሰሮም ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ ንዅሉ ስጋ መወዳእታ ኽገብረሉ ወሲነ እየ፣ ስለዚ፡ ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ።+
14 ዕንዲዳ ኻብ ዜውጽእ ዕንጨይቲ ንዓኻ መርከብ* ስራሕ።+ ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ብውሽጣን ብደጊኣን ከኣ ብቕጥራን*+ ለቕልቃ።
15 ከምዚ ኸኣ ግበራ፦ እታ መርከብ ምንዋሓ 300 እመት፡* ምግፋሓ 50 እመት፡ ቍመታ ድማ 30 እመት ይኹን።
16 ነታ መርከብ ካብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቝመቱ ንብርሃን ዚኸውን መስኰት* ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ፣+ ታሕተዋይ ባይታ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ደርቢ ግበረላ።
17 “ኣነ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ትንፋስ ህይወት* ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኸጥፍእሲ፡ ማይ ኣይሂ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸምጽእ እየ።+ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ እውን ኪጠፍእ እዩ።+
18 ምሳኻ ኸኣ ኪዳነይ ከቕውም እየ፣ ንስኻ ድማ ምስ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን ናብታ መርከብ እቶ።+
19 ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኸኣ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ህያው ፍጡር ከክልተ፡+ ማለት ተባዕታይን ኣንስተይትን፡+ ናብታ መርከብ ኣእቱ።
20 ካብቶም በረርቲ ፍጡራት በብዓይነቶም፡ ካብ እንስሳ ዘቤት በብዓይነቶም፡ ካብ ለመምቲ ምድሪ በብዓይነቶም፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩስ፡ ካብ ኵሉ ኸክልተ ናባኻ ይእተዉ።+
21 ንዓኻን ነቶም እንስሳታትን ምግቢ ዚኸውን ከኣ፡ ኵሉ ዓይነት ዚብላዕ ምግቢ+ ኣኪብካ ምሳኻ ውሰድ።”
22 ኖህ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ።+

