ዘፍጥረት 46:1-34

  • ያእቆብን ቤተ ሰቡን ናብ ግብጺ ገዓዙ (1-7)

  • ስማት እቶም ናብ ግብጺ ዝገዓዙ (8-27)

  • ዮሴፍ ንያእቆብ ኣብ ጎሼን ተቐበሎ (28-34)

46  እስራኤል ድማ ዘለዎ ዅሉ* ሒዙ ነቐለ። ኣብ ብኤር-ሸባዕ+ ምስ በጽሐ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሰውአ።+ 2  ኣምላኽ ከኣ ንእስራኤል ተዛረቦ፣ ብራእይ ለይቲ እውን፡ “ያእቆብ፡ ያእቆብ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በለ። 3  ንሱ ድማ፡ “ኣነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ እየ።+ ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ንምውራድ ኣይትፍራህ።+ 4  ኣነ ባዕለይ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ፣ ኣነ ባዕለይ ድማ ካብኡ ኸደይበካ እየ።+ ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ”* በሎ።+ 5  ድሕርዚ፡ ያእቆብ ካብ ብኤር-ሸባዕ ነቐለ፣ ደቂ እስራኤል ከኣ ንኣቦኦም ያእቆብን ንቘልዑኦምን ንኣንስቶምን በቲ ኺመጹሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣግዓዙ። 6  ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘጥረይዎ ዅሉ መጓሰኦምን ጥሪቶምን እውን ተማልኡ። ያእቆብን ኵሉ ዘርኡን ከኣ ናብ ግብጺ መጹ። 7  ንሱ ድማ ንደቁን ንደቂ ደቁን፡ ንኣዋልዱን ንኣዋልድ ደቁን፡ ኰታስ ንዅሎም ዘርኡ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽአ። 8  እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል፡ ያእቆብን ደቁን፡ ስማቶም እዚ እዩ፦+ በዅሪ ያእቆብ ሮቤል።+ 9  ደቂ ሮቤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን።+ 10  ደቂ ስምኦን፡+ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል+ ወዲ እታ ከነኣናዊትን። 11  ደቂ ሌዊ፡+ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን።+ 12  ደቂ ይሁዳ፡+ ዔርን ኦናንን ሸላሕን+ ፋሬስን+ ዜራሕን።+ ዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ።+ ደቂ ፋሬስ፡ ሔጽሮንን ሓሙልን።+ 13  ደቂ ይሳኮር፡ ቶላዕን ፉዋን ዮብን ሺምሮንን።+ 14  ደቂ ዛብሎን፡+ ሰረድን ኤሎንን ያሕልኤልን።+ 15  እዚኣቶምን ጓሉ ዲናን፡+ ልያ ንያእቆብ ኣብ ጳዳን-ኣራም ዝወለደትሉ ደቂ እዮም። ኵሎም ደቁን ኣዋልዱን* 33 እዮም። 16  ደቂ ጋድ፡+ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጽቦንን ዔሪን ኣሮዲን ኣርኤሊን።+ 17  ደቂ ኣሴር፡+ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን በሪዓን ሓብቶም ሴራሕን። ደቂ በሪዓ፡ ሔበርን ማልኪኤልን።+ 18  እዚኣቶም ደቂ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሃባ ዚልጳ እዮም።+ ንሳ ንያእቆብ፡ ነዚኣቶም ወለደትሉ፦ ኵላቶም 16 ሰባት* እዮም። 19  ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ፡ ዮሴፍን+ ብንያምን።+ 20  ንዮሴፍ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱሉ፡ ኣሰናት+ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን* ዝወለደትሉ፡ ምናሴን+ ኤፍሬምን።+ 21  ደቂ ብንያም፡+ ቤላዕን ቤከርን ኣሽቤልን ጌራን+ ንእማንን ኤሒን ሮሽን ሙጲምን ሑጲምን+ ኣርድን።+ 22  እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኵላቶም 14 ሰባት* እዮም። 23  ወዲ* ዳን፡+ ሑሺም።+ 24  ደቂ ንፍታሌም፡+ ያሕጽኤልን ጉኒን የጸርን ሺሌምን።+ 25  እዚኣቶም ደቂ እታ ላባን ንጓሉ ራሄል ዝሃባ ቢልሃ እዮም። ንሳ ንያእቆብ፡ ነዚኣቶም ወለደትሉ፦ ኵላቶም ሸውዓተ ሰባት* እዮም። 26  ኵሎም እቶም ካብ ያእቆብ እተወልዱ ናብ ግብጺ ዝኸዱ ሰባት፡* ብዘይካ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ 66 ነበሩ።+ 27  ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ* ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝመጹ ዅሎም ሰባት* ቤት ያእቆብ 70 ነበሩ።+ 28  ያእቆብ፡ ናብ ጎሼን ይጕዓዝ ከም ዘሎ፡ ኣቐዲሙ ኸይዱ ንዮሴፍ ኪነግሮ ኢሉ ንይሁዳ ለኣኾ።+ ናብ ምድሪ ጎሼን ምስ መጹ፡+ 29  ዮሴፍ ሰረገላኡ ኣጽዒኑ፡ ንኣቦኡ እስራኤል ኣብ ጎሼን ኪቕበሎ ደየበ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሓቚፍዎ* ንንውሕ ዝበለ ግዜ በኸየ። 30  እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ “ገና ብህይወት ከም ዘለኻ፡ ገጽካ ኻብ ረኣኹ፡ ሕጅስ እሙት” በሎ። 31  ሽዑ፡ ዮሴፍ ንኣሕዋቱን ንቤተ ሰብ ኣቦኡን ከምዚ በሎም፦ “ናብ ፈርኦን+ ደዪበ፡ ‘ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤተ ሰብ ኣቦይን ናባይ መጺኦም ኣለዉ።+ 32  እዞም ሰባት እዚኦም ጓሶትን+ ሰብ ማልን+ እዮም፣ ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ዘለዎም ኵሉን ድማ ኣምጺኦም ኣለዉ’ ኢለ ኽነግሮ እየ።+ 33  ፈርኦን ጸዊዑ፡ ‘ስራሕኩም እንታይ እዩ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኩም፡ 34  ጓሳ ኣባጊዕ ዘበለ ኣብ ግብጻውያን ፍንፉን እዩ እሞ፡+ ኣብ ምድሪ ጎሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስ፡+ ‘ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢና’+ በሉ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናቱ ዘበሉ ዅሎም።”
ማለት፡ ያእቆብ ምስ ሞተ፡ ንኣዒንቱ ኪኸድነን እዩ።
ወይ፡ “ኵሎም ነፍሳት ደቁን ኣዋልዱን።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ማለት፡ ሄልዮጶሊስ።
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ወይ፡ “ክልተ ነፍሳት።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ክሳዱ ወዲቑ።”