ዘፍጥረት 46:1-34
46 እስራኤል ድማ ዘለዎ ዅሉ* ሒዙ ነቐለ። ኣብ ብኤር-ሸባዕ+ ምስ በጽሐ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሰውአ።+
2 ኣምላኽ ከኣ ንእስራኤል ተዛረቦ፣ ብራእይ ለይቲ እውን፡ “ያእቆብ፡ ያእቆብ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በለ።
3 ንሱ ድማ፡ “ኣነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ እየ።+ ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ንምውራድ ኣይትፍራህ።+
4 ኣነ ባዕለይ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ፣ ኣነ ባዕለይ ድማ ካብኡ ኸደይበካ እየ።+ ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ”* በሎ።+
5 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ካብ ብኤር-ሸባዕ ነቐለ፣ ደቂ እስራኤል ከኣ ንኣቦኦም ያእቆብን ንቘልዑኦምን ንኣንስቶምን በቲ ኺመጹሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣግዓዙ።
6 ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘጥረይዎ ዅሉ መጓሰኦምን ጥሪቶምን እውን ተማልኡ። ያእቆብን ኵሉ ዘርኡን ከኣ ናብ ግብጺ መጹ።
7 ንሱ ድማ ንደቁን ንደቂ ደቁን፡ ንኣዋልዱን ንኣዋልድ ደቁን፡ ኰታስ ንዅሎም ዘርኡ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽአ።
8 እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል፡ ያእቆብን ደቁን፡ ስማቶም እዚ እዩ፦+ በዅሪ ያእቆብ ሮቤል።+
9 ደቂ ሮቤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን።+
10 ደቂ ስምኦን፡+ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል+ ወዲ እታ ከነኣናዊትን።
11 ደቂ ሌዊ፡+ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን።+
12 ደቂ ይሁዳ፡+ ዔርን ኦናንን ሸላሕን+ ፋሬስን+ ዜራሕን።+ ዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ።+
ደቂ ፋሬስ፡ ሔጽሮንን ሓሙልን።+
13 ደቂ ይሳኮር፡ ቶላዕን ፉዋን ዮብን ሺምሮንን።+
14 ደቂ ዛብሎን፡+ ሰረድን ኤሎንን ያሕልኤልን።+
15 እዚኣቶምን ጓሉ ዲናን፡+ ልያ ንያእቆብ ኣብ ጳዳን-ኣራም ዝወለደትሉ ደቂ እዮም። ኵሎም ደቁን ኣዋልዱን* 33 እዮም።
16 ደቂ ጋድ፡+ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጽቦንን ዔሪን ኣሮዲን ኣርኤሊን።+
17 ደቂ ኣሴር፡+ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን በሪዓን ሓብቶም ሴራሕን።
ደቂ በሪዓ፡ ሔበርን ማልኪኤልን።+
18 እዚኣቶም ደቂ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሃባ ዚልጳ እዮም።+ ንሳ ንያእቆብ፡ ነዚኣቶም ወለደትሉ፦ ኵላቶም 16 ሰባት* እዮም።
19 ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ፡ ዮሴፍን+ ብንያምን።+
20 ንዮሴፍ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱሉ፡ ኣሰናት+ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን* ዝወለደትሉ፡ ምናሴን+ ኤፍሬምን።+
21 ደቂ ብንያም፡+ ቤላዕን ቤከርን ኣሽቤልን ጌራን+ ንእማንን ኤሒን ሮሽን ሙጲምን ሑጲምን+ ኣርድን።+
22 እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኵላቶም 14 ሰባት* እዮም።
23 ወዲ* ዳን፡+ ሑሺም።+
24 ደቂ ንፍታሌም፡+ ያሕጽኤልን ጉኒን የጸርን ሺሌምን።+
25 እዚኣቶም ደቂ እታ ላባን ንጓሉ ራሄል ዝሃባ ቢልሃ እዮም። ንሳ ንያእቆብ፡ ነዚኣቶም ወለደትሉ፦ ኵላቶም ሸውዓተ ሰባት* እዮም።
26 ኵሎም እቶም ካብ ያእቆብ እተወልዱ ናብ ግብጺ ዝኸዱ ሰባት፡* ብዘይካ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ 66 ነበሩ።+
27 ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ* ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝመጹ ዅሎም ሰባት* ቤት ያእቆብ 70 ነበሩ።+
28 ያእቆብ፡ ናብ ጎሼን ይጕዓዝ ከም ዘሎ፡ ኣቐዲሙ ኸይዱ ንዮሴፍ ኪነግሮ ኢሉ ንይሁዳ ለኣኾ።+ ናብ ምድሪ ጎሼን ምስ መጹ፡+
29 ዮሴፍ ሰረገላኡ ኣጽዒኑ፡ ንኣቦኡ እስራኤል ኣብ ጎሼን ኪቕበሎ ደየበ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሓቚፍዎ* ንንውሕ ዝበለ ግዜ በኸየ።
30 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ “ገና ብህይወት ከም ዘለኻ፡ ገጽካ ኻብ ረኣኹ፡ ሕጅስ እሙት” በሎ።
31 ሽዑ፡ ዮሴፍ ንኣሕዋቱን ንቤተ ሰብ ኣቦኡን ከምዚ በሎም፦ “ናብ ፈርኦን+ ደዪበ፡ ‘ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤተ ሰብ ኣቦይን ናባይ መጺኦም ኣለዉ።+
32 እዞም ሰባት እዚኦም ጓሶትን+ ሰብ ማልን+ እዮም፣ ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ዘለዎም ኵሉን ድማ ኣምጺኦም ኣለዉ’ ኢለ ኽነግሮ እየ።+
33 ፈርኦን ጸዊዑ፡ ‘ስራሕኩም እንታይ እዩ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኩም፡
34 ጓሳ ኣባጊዕ ዘበለ ኣብ ግብጻውያን ፍንፉን እዩ እሞ፡+ ኣብ ምድሪ ጎሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስ፡+ ‘ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢና’+ በሉ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ናቱ ዘበሉ ዅሎም።”
^ ማለት፡ ያእቆብ ምስ ሞተ፡ ንኣዒንቱ ኪኸድነን እዩ።
^ ወይ፡ “ኵሎም ነፍሳት ደቁን ኣዋልዱን።”
^ ወይ፡ “ነፍሳት።”
^ ማለት፡ ሄልዮጶሊስ።
^ ወይ፡ “ነፍሳት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
^ ወይ፡ “ነፍሳት።”
^ ወይ፡ “ነፍሳት።”
^ ወይ፡ “ክልተ ነፍሳት።”
^ ወይ፡ “ነፍሳት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ክሳዱ ወዲቑ።”