ዘፍጥረት 10:1-32
10 ታሪኽ ደቂ ኖህ፡ ሴምን+ ካምን ያፌትን፡ እዚ እዩ።
ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ንዓታቶም ደቂ ተወልዱሎም።+
2 ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን+ ማጎግን+ ማዳይን ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ቲራስን+ እዮም።
3 ደቂ ጎሜር፡ ኣሽከናዝን+ ሪፋትን ቶጋርማን+ እዮም።
4 ደቂ ያዋን፡ ኤሊሻን+ ተርሲስን+ ኪቲምን+ ዶዳኒምን እዮም።
5 ካብዚኣቶም ነበርቲ ደሴታት ከከም ቋንቋኦምን ከከም ዓሌቶምን በብህዝቦምን ነናብ ምድሮም ተበተኑ።
6 ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራይምን+ ጱጥን+ ከነኣንን+ እዮም።
7 ደቂ ኩሽ፡ ሴባን+ ሓዊላን ሳብታን ራዕማን+ ሳብተካን እዮም።
ደቂ ራዕማ፡ ሳባን ዴዳንን እዮም።
8 ኩሽ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና ነበረ።
9 ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ ዀነ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ከም ኒምሮድ፡ ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ” ዚብል ብሂል ዘሎ።
10 መጀመርታ መንግስቱ* ድማ፡ ባቤልን+ ኤሬክን+ ኣካድን ካልነን ኣብ ምድሪ ሲንኣር+ ነበራ።
11 ካብታ ምድሪ እቲኣ፡ ናብ ኣሶር+ ከይዱ ንነነዌን+ ንሬሖቦት-ዒርን ንከላህን ሰርሐን፣
12 ንሬስን እውን ኣብ መንጎ ነነዌን ከላህን ሰርሓ፦ እዚኣ ዓባይ ከተማ እያ።*
13 ሚስራይም ድማ ንሉዲምን+ ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን+
14 ንጳጥሩሲምን+ ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን+ ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን+ ወለደ።
15 ከነኣን ንሲዶን+ በዅሩን ንሔትን+
16 ንይቡሳውያንን+ ንኣሞራውያንን+ ንጊርጋሳውያንን
17 ንሒዋውያንን+ ንዓርቃውያንን ንሲኒውያንን
18 ንኣርዋዳውያንን+ ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን+ ወለደ። ድሕርዚ፡ ዓሌታት ከነኣናውያን ፋሕ በሉ።
19 ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሲዶን ክሳብ እታ ጥቓ ጋዛ+ ዘላ ጌራር፡+ ክሳብ ሶዶምን ጎሞራን+ ኣድማን ጥቓ ላሻዕ ዘላ ጸቦኢምን+ ነበረ።
20 እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን ደቂ ካም እዮም።
21 ንሴም እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበርን+ ሓው እቲ ዓብዪ ዝዀነ ያፌትን* እውን ደቂ ተወልዱሉ።
22 ደቂ ሴም፡ ዔላምን+ ኣሹርን+ ኣርፋክሳድን+ ሉድን ኣራምን+ እዮም።
23 ደቂ ኣራም፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን እዮም።
24 ኣርፋክሳድ ንሸላሕ ወለደ፣+ ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ።
25 ንዔበር ድማ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡* ስሙ ፌሌግ*+ ተባህለ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮቅጣን እዩ።+
26 ዮቅጣን ንኣልሞዳድን ንሼሌፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን+
27 ንሃዶራምን ንኡዛልን ንዲቅላን
28 ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሳባን
29 ንኦፊርን+ ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮቅጣን እዮም።
30 መንበሪኦም ድማ ካብ ሜሻ ኽሳብ እቲ ኣኽራን ምብራቕ ዝዀነ ሰፋር ተዘርግሐ።
31 እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን+ ደቂ ሴም እዮም።
32 እዚኣቶም ከከም ትውልዶምን በብህዝቦምን ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተበተኑ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ቀዳሞት ከተማታት መንግስቱ።”
^ ወይ፡ “እዚኣተን ዓባይ ከተማ ኣቘማ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነቲ ምዕባዩ ሓዉ ዝዀነ ያፌትን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ህዝቢ ምድሪ ስለ እተኸፋፈሉ።”
^ ትርጉሙ፡ “ክፍፍል።”