ዘፍጥረት 10:1-32

  • ዝርዝር ኣህዛብ (1-32)

    • ዘርኢ ያፌት (2-5)

    • ዘርኢ ካም (6-20)

      • ኒምሮድ ንየሆዋ ተጻረሮ 8-12)

    • ዘርኢ ሴም (21-31)

10  ታሪኽ ደቂ ኖህ፡ ሴምን+ ካምን ያፌትን፡ እዚ እዩ። ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ንዓታቶም ደቂ ተወልዱሎም።+ 2  ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን+ ማጎግን+ ማዳይን ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ቲራስን+ እዮም። 3  ደቂ ጎሜር፡ ኣሽከናዝን+ ሪፋትን ቶጋርማን+ እዮም። 4  ደቂ ያዋን፡ ኤሊሻን+ ተርሲስን+ ኪቲምን+ ዶዳኒምን እዮም። 5  ካብዚኣቶም ነበርቲ ደሴታት ከከም ቋንቋኦምን ከከም ዓሌቶምን በብህዝቦምን ነናብ ምድሮም ተበተኑ። 6  ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራይምን+ ጱጥን+ ከነኣንን+ እዮም። 7  ደቂ ኩሽ፡ ሴባን+ ሓዊላን ሳብታን ራዕማን+ ሳብተካን እዮም። ደቂ ራዕማ፡ ሳባን ዴዳንን እዮም። 8  ኩሽ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና ነበረ። 9  ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ ዀነ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ከም ኒምሮድ፡ ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ” ዚብል ብሂል ዘሎ። 10  መጀመርታ መንግስቱ* ድማ፡ ባቤልን+ ኤሬክን+ ኣካድን ካልነን ኣብ ምድሪ ሲንኣር+ ነበራ። 11  ካብታ ምድሪ እቲኣ፡ ናብ ኣሶር+ ከይዱ ንነነዌን+ ንሬሖቦት-ዒርን ንከላህን ሰርሐን፣ 12  ንሬስን እውን ኣብ መንጎ ነነዌን ከላህን ሰርሓ፦ እዚኣ ዓባይ ከተማ እያ።* 13  ሚስራይም ድማ ንሉዲምን+ ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን+ 14  ንጳጥሩሲምን+ ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን+ ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን+ ወለደ። 15  ከነኣን ንሲዶን+ በዅሩን ንሔትን+ 16  ንይቡሳውያንን+ ንኣሞራውያንን+ ንጊርጋሳውያንን 17  ንሒዋውያንን+ ንዓርቃውያንን ንሲኒውያንን 18  ንኣርዋዳውያንን+ ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን+ ወለደ። ድሕርዚ፡ ዓሌታት ከነኣናውያን ፋሕ በሉ። 19  ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሲዶን ክሳብ እታ ጥቓ ጋዛ+ ዘላ ጌራር፡+ ክሳብ ሶዶምን ጎሞራን+ ኣድማን ጥቓ ላሻዕ ዘላ ጸቦኢምን+ ነበረ። 20  እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን ደቂ ካም እዮም። 21  ንሴም እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበርን+ ሓው እቲ ዓብዪ ዝዀነ ያፌትን* እውን ደቂ ተወልዱሉ። 22  ደቂ ሴም፡ ዔላምን+ ኣሹርን+ ኣርፋክሳድን+ ሉድን ኣራምን+ እዮም። 23  ደቂ ኣራም፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን እዮም። 24  ኣርፋክሳድ ንሸላሕ ወለደ፣+ ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ። 25  ንዔበር ድማ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡* ስሙ ፌሌግ*+ ተባህለ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮቅጣን እዩ።+ 26  ዮቅጣን ንኣልሞዳድን ንሼሌፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን+ 27  ንሃዶራምን ንኡዛልን ንዲቅላን 28  ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሳባን 29  ንኦፊርን+ ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 30  መንበሪኦም ድማ ካብ ሜሻ ኽሳብ እቲ ኣኽራን ምብራቕ ዝዀነ ሰፋር ተዘርግሐ። 31  እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን+ ደቂ ሴም እዮም። 32  እዚኣቶም ከከም ትውልዶምን በብህዝቦምን ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተበተኑ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቀዳሞት ከተማታት መንግስቱ።”
ወይ፡ “እዚኣተን ዓባይ ከተማ ኣቘማ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነቲ ምዕባዩ ሓዉ ዝዀነ ያፌትን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ህዝቢ ምድሪ ስለ እተኸፋፈሉ።”
ትርጉሙ፡ “ክፍፍል።”