2 ቈረንቶስ 7:1-16

  • ካብ ርኽሰት ርእስና ነንጽህ (1)

  • ጳውሎስ ብሰብ ቈረንቶስ ተሓጐሰ (2-4)

  • ቲቶስ ዜሐጕስ ደሃይ ሒዙ ተመልሰ (5-7)

  • ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይን ንስሓን (8-16)

7  እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ሃለወናስ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።+  ኣብ ልብኹም ቦታ ሃቡና።+ ንሓደ እኳ ኣይበደልናን፡ ንሓደ እኳ ኣየበላሸናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን።+  ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘለኹምሲ፡ ኣቐዲመ ኢለ ኣለኹ እሞ፡ ክዅንነኩም ኢለ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ።  ንዓኻትኩም ብብዙሕ ትብዓት ክዛረበኩም እኽእል እየ። ብኣኻትኩም ብዙሕ እምካሕ እየ። ብምጽንናዕ ተመሊአ፡ ኣብ ኵሉ ጸበባና ኸኣ ኣዝየ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።+  ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና እኳ፡+ ኣብ ወጻኢ ቓልሲ፡ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሂ ስለ ዝነበረና፡ ብዅሉ ደኣ ጸቢቡና ነይሩ እምበር፡ ዕረፍትስ ኣይረኸብናን።*  እቲ ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና፡+ ቲቶስ ኣብዚ ኸም ዚህሉ ብምግባር፡ ኣጸናኒዑና እዩ፣  ንሱ ብዛዕባ እቲ ናፍቖትኩምን ሓዘንኩምን ንዓይ ዘሎኩም ብዙሕ ሓልዮትን* ደሃይ ሒዙ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ እውን እምበር፡ ኣብዚ ብምህላዉ ጥራይ ኣይኰንናን እተጸናናዕና፣ ስለዚ፡ ኣዝየ ተሓጒሰ እየ።  በታ ደብዳበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡+ ኣይጥዓስን እየ። ኣብ ፈለማ እኳ እንተ ተጥዓስኩ፡ (እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንግዜኡ ጥራይ ደኣ እዩ እምበር፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ ኣለኹ እሞ፡)  ሕጅስ ስለ ዝጐሃኹም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንስሓ ስለ ዝጐሃኹም እሕጐስ ኣለኹ። ከመይሲ፡ ብኣና ብገለ ምእንቲ ኸይትጕድኡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሃኹም። 10  ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ናብ ድሕነት ዚመርሕ ዘይትጥዓሰሉ ንስሓ እዩ ዜፍሪ፣+ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜፍሪ። 11  እንሆ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይኩም፡ ክንደይ ጸዓት፡ ክንደይ ምጽራይ ርእስኹም፡ ክንደይ ቍጥዓ፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መአረምታ እዩ ኣምጺኡልኩም!+ በዚ ነገር እዚ፡ ብዅሉ ንጹሃት ምዃንኩም ኣርኢኹም ኢኹም። 12  እንተ ጸሓፍኩልኩም እኳ፡ ስሌና እትጽዕትዎ ጸዓት ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ+ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ። 13  ስለዚ ድማ ኢና ተጸናኒዕና ዘለና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕ ድማ፡ ቲቶስ ብዅላትኩም መንፈሱ ስለ ዝቐሰነ፡ ብሓጐሱ ኣዚና ተሓጒስና ኢና። 14  ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ተመኪሐ እንተ ዀይነ፡ ኣይሓፈርኩን፣ ከምቲ ዅሉ እቲ ዝነገርናኩም ሓቂ ዝዀነ ግና፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ቅድሚ ቲቶስ እተመካሕናዮ ሓቂ ዀይኑ ኣሎ። 15  ኵላትኩም ከም እተኣዘዝኩምን+ ከመይ ጌርኩም እናፈራህኩምን ራዕራዕ እናበልኩምን ከም እተቐበልኩምዎን እናዘከረ፡ ንዓኻትኩም ዘለዎ ልባዊ ፍቕሪ በዚሑ ኣሎ። 16  ብዅሉ ኣባኻትኩም እምንቶ ስለ ዘሎኒ፡* እሕጐስ እየ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ስጋናስ ዕረፍቲ ኣይረኸበን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዓይ ዘሎኩም ቅንኣትን።”
ወይ፡ “ብዅሉ ሳላኹም ትብዓት ስለ ዘሎኒ” ኪኸውን ይኽእል።