2 ቈረንቶስ 3:1-18
3 ከም ብሓድሽዶ ርእስና ኽንንእድ ንጅምር ኣለና፧ ወይስ ከም ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ወይ ካባኻትኩም ዚልኣኻ ዚንእዳና ደብዳበታትዶ* የድልያና እየን፧
2 ኣብ ልብና እተጻሕፈትን ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳበናስ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኢኹም።+
3 ከመይሲ፡ ንስኻትኩም ብኣና ብኣገልገልቲ+ ኣቢልኩም ብቐለም ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እቲ ህያው ኣምላኽ፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይኰነስ፡+ ኣብ ጽላት ስጋ፡ ማለት ኣብ ልቢ+ እተጸሓፍኩም ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።
4 ብክርስቶስ ከኣ ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እምንቶ ኣሎና።
5 ብቕዓትና ኻብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና ጌርና ኽንሓስብ ብርእስና ብቕዓት የብልናን።+
6 ጽሑፍ ሕጊ ንሞት ይዅንን፡+ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡+ ንሱ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ዘይኰነስ፡+ ናይ መንፈስ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን+ ብቑዓት ገይሩና እዩ።
7 ደቂ እስራኤልሲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገጽ ሙሴ ዘንጸባረቐ ሓላፊ ኽብሪ፡ ገጹ ኺጥምቱ ኣይከኣሉን፣+ እቲ ሞት ዜስዕብን ኣብ ኣእማን ብፊደላት እተቐርጸን ሕጊ+ እውን ብኸምዚ ዝበለ ኽብሪ ኻብ መጸ፡
8 እቲ ኣገልግሎት መንፈስ+ ግዳ ስለምንታይ ዝያዳ ኽብሪ ዘይህልዎ፧+
9 እቲ ዅነኔ ዜስዕብ ሕጊ+ ኽቡር እንተ ነይሩስ፡+ እቲ ኣገልግሎት ጽድቂ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይከብር!+
10 እቲ ኽቡር ዝነበረ እኳ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብኡ ዚበልጽ ክብሪ፡ ክብሩ ተቐንጢጡ ኣሎ።+
11 ምኽንያቱ፡ እቲ ሓላፊ ብኽብሪ ኻብ መጸ፡+ ክብሪ እቲ ነባሪ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ዘይበልጽ!+
12 ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡+ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣለና፣
13 ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኣተኲሮም ከይጥምቱ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ዚገብር ዝነበረ፡+ ኣይንገብርን ኢና።
14 ግናኸ፡ እቲ ብሉይ ኪዳን ኪንበብ ከሎ፡ እቲ ብክርስቶስ ጥራይ ዚቕንጠጥ+ መጐልበቢ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡+ ኣእምሮኦም ደንዚዙ እዩ።+
15 ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ሙሴ ኺንበብ ከሎ፡+ መጐልበቢ ንልቦም ይሽፍኖ ኣሎ።+
16 ሓደ ናብ የሆዋ* ምስ ዚምለስ ግና፡ እቲ መጐልበቢ ይቕንጠጥ እዩ።+
17 የሆዋ* መንፈስ እዩ፣+ ኣብቲ መንፈስ የሆዋ* ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።+
18 ኵላትና ብዘይተጐልበበ ገጽ፡ ክብሪ የሆዋ* ኸም መስትያት እናኣንጸባረቕና ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ በቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ* ዚግበር፡* ካብ ሓደ ደረጃ ኽብሪ ናብ ካልእ ደረጃ ኽብሪ* ናብቲ ምስሊ እቲ ንልወጥ ኢና።+