2 ቈረንቶስ 3:1-18

  • ናይ ደገፍ ደብዳበታት (1-3)

  • ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን (4-6)

  • ዝያዳ ኽብሪ ሓድሽ ኪዳን (7-18)

3  ከም ብሓድሽዶ ርእስና ኽንንእድ ንጅምር ኣለና፧ ወይስ ከም ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ወይ ካባኻትኩም ዚልኣኻ ዚንእዳና ደብዳበታትዶ* የድልያና እየን፧ 2  ኣብ ልብና እተጻሕፈትን ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳበናስ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኢኹም።+ 3  ከመይሲ፡ ንስኻትኩም ብኣና ብኣገልገልቲ+ ኣቢልኩም ብቐለም ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እቲ ህያው ኣምላኽ፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይኰነስ፡+ ኣብ ጽላት ስጋ፡ ማለት ኣብ ልቢ+ እተጸሓፍኩም ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ። 4  ብክርስቶስ ከኣ ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እምንቶ ኣሎና። 5  ብቕዓትና ኻብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና ጌርና ኽንሓስብ ብርእስና ብቕዓት የብልናን።+ 6  ጽሑፍ ሕጊ ንሞት ይዅንን፡+ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡+ ንሱ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ዘይኰነስ፡+ ናይ መንፈስ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን+ ብቑዓት ገይሩና እዩ። 7  ደቂ እስራኤልሲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገጽ ሙሴ ዘንጸባረቐ ሓላፊ ኽብሪ፡ ገጹ ኺጥምቱ ኣይከኣሉን፣+ እቲ ሞት ዜስዕብን ኣብ ኣእማን ብፊደላት እተቐርጸን ሕጊ+ እውን ብኸምዚ ዝበለ ኽብሪ ኻብ መጸ፡ 8  እቲ ኣገልግሎት መንፈስ+ ግዳ ስለምንታይ ዝያዳ ኽብሪ ዘይህልዎ፧+ 9  እቲ ዅነኔ ዜስዕብ ሕጊ+ ኽቡር እንተ ነይሩስ፡+ እቲ ኣገልግሎት ጽድቂ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይከብር!+ 10  እቲ ኽቡር ዝነበረ እኳ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብኡ ዚበልጽ ክብሪ፡ ክብሩ ተቐንጢጡ ኣሎ።+ 11  ምኽንያቱ፡ እቲ ሓላፊ ብኽብሪ ኻብ መጸ፡+ ክብሪ እቲ ነባሪ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ዘይበልጽ!+ 12  ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡+ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣለና፣ 13  ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኣተኲሮም ከይጥምቱ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ዚገብር ዝነበረ፡+ ኣይንገብርን ኢና። 14  ግናኸ፡ እቲ ብሉይ ኪዳን ኪንበብ ከሎ፡ እቲ ብክርስቶስ ጥራይ ዚቕንጠጥ+ መጐልበቢ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡+ ኣእምሮኦም ደንዚዙ እዩ።+ 15  ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ሙሴ ኺንበብ ከሎ፡+ መጐልበቢ ንልቦም ይሽፍኖ ኣሎ።+ 16  ሓደ ናብ የሆዋ* ምስ ዚምለስ ግና፡ እቲ መጐልበቢ ይቕንጠጥ እዩ።+ 17  የሆዋ* መንፈስ እዩ፣+ ኣብቲ መንፈስ የሆዋ* ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።+ 18  ኵላትና ብዘይተጐልበበ ገጽ፡ ክብሪ የሆዋ* ኸም መስትያት እናኣንጸባረቕና ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ በቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ* ዚግበር፡* ካብ ሓደ ደረጃ ኽብሪ ናብ ካልእ ደረጃ ኽብሪ* ናብቲ ምስሊ እቲ ንልወጥ ኢና።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናይ ደገፍ ደብዳበታትዶ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብመንፈስ የሆዋ ዚግበር” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ።”