እዮብ 4:1-21

  • ቀዳማይ ዘረባ ኤሊፋዝ (1-21)

    • ንንጽህና እዮብ ኣላገጸሉ (7, 8)

    • መልእኽቲ ሓደ መንፈስ ኣመሓላለፈ (12-17)

    • ‘ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኣይኣምኖምን’ (18)

4  ኤሊፋዝ+ እቲ ቴማናዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦  2  “ሰብ እንተ ዚዛረበካስ፡ ዓቕሊዶ መጽበብካ፧ ዘረባኡ ኺገትእ ዚኽእልከ መን ኣሎ፧  3  እንሆ፡ ንብዙሓት ኣሪምካ ኢኻ፣ንዝደኸማ ኣእዳው ከኣ ተበርትዕ ኔርካ።  4  ቃላትካ ንእተዓንቀፈ የተንስእ፡ረሸሽ ንዝበላ ኣብራኽ እውን የበርትዕ ነይሩ።  5  ሕጂ ግና ንዓኻ ምስ በጽሓካ፡ ኣይከኣልካዮን፣*ምስ ተንከየካ ድማ፡ ተዳሂልካ።  6  እቲ ንኣምላኽ ምፍራህካስ እምንቶዶ ኣይኰነካን እዩ፧ እቲ መገዲ ንጽህናኻኸ+ ተስፋዶ ኣይህበካን እዩ፧  7  በጃኻ ዘክር፦ ንጹህ ሰብ ጠፊኡዶ ይፈልጥ፧ ቅኑዕከ መዓስ ተደምሲሱ ይፈልጥ፧  8  ኣነ ኸም ዝረኣኽዎ፡ እቶም ጕድኣት ዚሓርሱ፡*እቶም ሽግር እውን ዚዘርኡ፡ ንዕኡ ይዓጽድዎ።  9  ብትንፋስ ኣምላኽ ይጠፍኡ፣ብነድሪ ቝጥዓኡ ኸኣ ይውድኡ። 10  ኣንበሳ ይጓዝም፡ ዘይባጽሐ ኣንበሳ እውን ሕኒን ይብል፣ግናኸ፡ ኣስናን ሽደን ኣንበሳ እኳ ይስበር። 11  ኣንበሳ ዚህደን ስኢኑ ይጠፍእ፣ኰራዅር ኣንበሳ ድማ ፋሕ ይብሉ። 12  ንዓይ ከኣ ቃል ብሕቡእ መጺኡኒ፣ኣብ እዝነይ ድማ ሕሹዅታኡ በጺሑ። 13  ብራእያት ለይቲ፡ሰባት ከቢድ ድቃስ ምስ ደቀሱ፡ ዚርብሽ ሓሳባት መጺኡኒ፣ 14  ብርቱዕ ራዕዲ ሒዙኒ፣ንዅሉ ኣዕጽምተይ ብራዕዲ መሊእዎ። 15  መንፈስ ብልዕሊ ገጸይ ሓሊፉ፣ጸጕሪ ስጋይ ከኣ ተኸዪፉ። 16  ሽዑ፡ ንሱ ቘይሙ፣ኣነ ድማ ትርኢቱ ኣየለለኽዎን። ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ መልክዕ ነይሩ፣ህድኣት ከኣ ነይሩ፡ ድምጺ እውን ሰሚዐ፦ 17  ‘መዋቲ ሰብዶ ኻብ ኣምላኽ ኪጸድቕ ይኽእል እዩ፧ ሰብዶ ኻብ ገባሪኡ ኺነጽህ ይኽእል እዩ፧’ 18  እንሆ፡ ንኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን፡ንመላእኽቱ* እውን ጕድለት ይረኽበሎም። 19  ነቶም ኣብ ኣባይቲ መሬት ዚነብሩ፡ሓመድ ዝመሰረቶም፡+ከም ሓሰኻ* ብቐሊሉ ዚጭፍለቑ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይረኽበሎም። 20  ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይሕምሸሹ፣ንዘለኣለም ይጠፍኡ፡ ዜስተብህል እውን የልቦን። 21  ገመዱ ኸም እተመንቈሰ ድንኳን ደይኰኑን፧ ብዘይ ጥበብ ይሞቱ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ደኺምካ።”
ወይ፡ “ዚምህዙ።”
ወይ፡ “ንልኡኻቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብልዒ።” ግዝዋ ኣኽናፍ ቅድሚ ምውጻኡ፡ ክዳን ኣብ ዚበልዓሉ ደረጃ።