እዮብ 26:1-14

  • ምላሽ እዮብ (1-14)

    • “ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ሓጊዝካዮ!” (1-4)

    • ‘ኣምላኽ ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ’ (7)

    • ‘እዚ ጫፍ መገዲ ኣምላኽ ጥራይ እዩ’ (14)

26  እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦  2  “ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ሓጊዝካዮ! ነቲ ብርታዐ ዘይብሉ ቕልጽምሲ ኸመይ ኣድሒንካዮ!+  3  ነቲ ጥበብ ዝሰኣነስ ከመይ ዝበለ ምኽሪ ሂብካዮ!+ ግብራዊ ጥበብካስ* ከመይ ብናጻ* ገሊጽካሉ!  4  ንመን ኢኻ ኽትዛረቦ እትፍትን ዘለኻ፧ ከምዚ ኽትብል ዘለዓዓለካኸ መን እዩ፧*  5  እቶም ብሞት እተሰነፉ ራዕራዕ ይብሉ፣ካብ ማያትን ኣብኡ ኻብ ዚነብሩን እኳ ይትሕቱ።  6  መቓብር* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ* ጥራዩ እዩ፣+ቦታ ጥፍኣት* እውን ቅሉዕ እዩ።  7  ንሰሜናዊ ሰማይ* ኣብ ልዕሊ ባዶ* ይዝርግሖ፣+ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ፣  8  ንማያት ኣብ ደበናታቱ ይጥቕልሎ፣+እቲ ደበናታት ከኣ ብኽብደቱ ኣይቅደድን።  9  ደበናኡ ኣብኡ ዘርጊሑ፡+ዝፋኑ ኸይርአ ይኽውሎ። 10  ንኣድማስ* ኣብ ልዕሊ ገጽ ማያት ደረት ይገብረሉ፣+ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ዶብ ይገብር። 11  ኣዕኑድ ሰማያት ይናወጹ፣ብመግናሕቱ እውን ይድንጽዎም። 12  ብሓይሉ ንባሕሪ የለዓዕሎ፣+ብኣእምሮኡ ኸኣ ንዓብዪ እንስሳ ባሕሪ* ይሰባብሮ።+ 13  ብትንፋሱ* ንሰማያት የጽሪ፣ኢዱ ነቲ ምሉቝሉቝ ዚብል* ተመን ይወግኦ። 14  እንሆ፡ እዚ ጫፍ መገድታቱ ጥራይ እዩ፣+ብዛዕባኡስ ድኹም ሕሹዅሹዅታ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ! ነቲ ሓያል ነጕዱኸ መን ኪርድኦ ይኽእል፧”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እንዶ።”
ወይ፡ “ብብዝሒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካባኻኸ ናይ መን ትንፋስ (መንፈስ) እዩ ዚወጽእ ዘሎ፧”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ቅድሚኡ።”
ወይ፡ “ኣባዶን።”
ቃ.ቃ.፡ “ባዶነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰሜን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንኽቢ።”
ቃ.ቃ.፡ “ረሃብ።”
ወይ፡ “ብንፋሱ።”
ወይ፡ “ሰተተት ዚብል።”