እዮብ 26:1-14
26 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ሓጊዝካዮ!
ነቲ ብርታዐ ዘይብሉ ቕልጽምሲ ኸመይ ኣድሒንካዮ!+
3 ነቲ ጥበብ ዝሰኣነስ ከመይ ዝበለ ምኽሪ ሂብካዮ!+
ግብራዊ ጥበብካስ* ከመይ ብናጻ* ገሊጽካሉ!
4 ንመን ኢኻ ኽትዛረቦ እትፍትን ዘለኻ፧
ከምዚ ኽትብል ዘለዓዓለካኸ መን እዩ፧*
5 እቶም ብሞት እተሰነፉ ራዕራዕ ይብሉ፣ካብ ማያትን ኣብኡ ኻብ ዚነብሩን እኳ ይትሕቱ።
6 መቓብር* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ* ጥራዩ እዩ፣+ቦታ ጥፍኣት* እውን ቅሉዕ እዩ።
7 ንሰሜናዊ ሰማይ* ኣብ ልዕሊ ባዶ* ይዝርግሖ፣+ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ፣
8 ንማያት ኣብ ደበናታቱ ይጥቕልሎ፣+እቲ ደበናታት ከኣ ብኽብደቱ ኣይቅደድን።
9 ደበናኡ ኣብኡ ዘርጊሑ፡+ዝፋኑ ኸይርአ ይኽውሎ።
10 ንኣድማስ* ኣብ ልዕሊ ገጽ ማያት ደረት ይገብረሉ፣+ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ዶብ ይገብር።
11 ኣዕኑድ ሰማያት ይናወጹ፣ብመግናሕቱ እውን ይድንጽዎም።
12 ብሓይሉ ንባሕሪ የለዓዕሎ፣+ብኣእምሮኡ ኸኣ ንዓብዪ እንስሳ ባሕሪ* ይሰባብሮ።+
13 ብትንፋሱ* ንሰማያት የጽሪ፣ኢዱ ነቲ ምሉቝሉቝ ዚብል* ተመን ይወግኦ።
14 እንሆ፡ እዚ ጫፍ መገድታቱ ጥራይ እዩ፣+ብዛዕባኡስ ድኹም ሕሹዅሹዅታ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ!
ነቲ ሓያል ነጕዱኸ መን ኪርድኦ ይኽእል፧”+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “እንዶ።”
^ ወይ፡ “ብብዝሒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ካባኻኸ ናይ መን ትንፋስ (መንፈስ) እዩ ዚወጽእ ዘሎ፧”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቅድሚኡ።”
^ ወይ፡ “ኣባዶን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ባዶነት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ሰሜን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንኽቢ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ረሃብ።”
^ ወይ፡ “ብንፋሱ።”
^ ወይ፡ “ሰተተት ዚብል።”