ፊልጲ 1:1-30

  • ሰላምታ (1, 2)

  • ምስጋና ንኣምላኽ፣ ጸሎት ጳውሎስ (3-11)

  • ጸበባ እናሃለወ ኽነሱ፡ እቲ ብስራት ይስበኽ (12-20)

  • ብህይወት ምንባር ክርስቶስ እዩ፡ ሙማት ረብሓ እዩ (21-26)

  • ነቲ ብስራት ከም እትበቕዑ ዄንኩም ንበሩ (27-30)

1  ካብቶም ባሮት ክርስቶስ የሱስ ዝዀኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፡ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ፊልጲ+ ዘለዉ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት፡ ምስ ኵሎም ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን፦+  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ክዝክረኩም ከለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣  ምእንቲ ዅላትኩም ክምህለል ከለኹ፡ ምህለላይ ብሓጐስ እየ ዘቕርቦ።+  ስለምንታይሲ፡ ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ነቲ ብስራት ኣበርክቶ* ጌርኩም ኢኹም።  እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ፡ ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ የሱስ+ ከም ዚፍጽሞ እተኣማመን እየ።+  ኣቱም ተኣሲረ ኸለኹ+ ዀነ ነቲ ብስራት ክማጐተሉን ብሕጊ ኽስርቶን ከለኹ+ ኣብቲ ጸጋ መኻፍልተይ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም እዚ ምሕሳበይ ቅኑዕ እዩ።  ከም ናይ ክርስቶስ የሱስ ብዝዓይነቱ ልባዊ ፍቕሪ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ።  ፍቕርኹም ብልክዕ ፍልጠትን+ ብምሉእ ምስትውዓልን+ ገና እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እጽሊ ኣለኹ፣+ 10  እንታ ዘይብልኩምን ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ ንኻልእ ዘይትዕንቅፉን+ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ፡+ 11  ንኽብርን ውዳሰን ኣምላኽ ከኣ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ ኽትምልኡ እየ እዚ ዝገብር ዘለኹ።+ 12  ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ ነገር ንምስፋሕ እቲ ብስራት ኰይኑ ኸም ዘሎ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፣ 13  ስለዚ፡ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ እተኣሰርኩሉ ማእሰርተይ፡+ ኣብ ኵሎም እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይን ኣብ ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ።+ 14  መብዛሕትኦም ብጐይታ ኣሕዋት፡ ብምኽንያት ማእሰርተይ እምንቶ ኣሕዲሮም፡ ከይፈርሁ ቓል ኣምላኽ ንምዝራብ ብዝያዳ ተቢዖም ኣለዉ። 15  ገሊኦም ንክርስቶስ ብቕንእን ብባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16  እዞም ዳሕሮት ነቲ ብስራት ክማጐተሉ+ ኸም እተመደብኩ ይፈልጡ እዮም እሞ፡ ንክርስቶስ ብፍቕሪ ይሰብክዎ ኣለዉ፣ 17  እቶም ቀዳሞት ግና ኣብቲ ማእሰርተይ ጸበባ ኼምጽኡለይ ይሓስቡ ኣለዉ እሞ፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ብንግርምና ይሰብክዎ ኣለዉ። 18  እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ እንተ ብምስሉይነት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፡ ኣነ ኸኣ በዚ እሕጐስ እየ፡ ክሕጐስ እውን እየ፣ 19  ከመይሲ፡ እዚ ነገር እዚ ብምህለላኹምን+ ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን+ ንድሕነተይ ከም ዚኸውን እፈልጥ ኣለኹ። 20  ብገለ እኳ ምእንቲ ኸይሓፍር፡ የግዳስ ከም ኵሉ ሳዕ ሕጂ እውን ብትብዓት ብምዝራብ፡ እንተ ብህይወት ወይስ ብሞት፡+ ክርስቶስ ብሰብነተይ ምእንቲ ኪኸብር፡ ሃረርታይን ተስፋይን እዩ። 21  ንዓይሲ፡ ብህይወት ምንባር ክርስቶስ እዩ፡+ ሙማት ድማ ረብሓ እዩ።+ 22  ብስጋ እንተ ነቢረ ኸኣ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣየናይ ከም ዝሓሪ ኣይመፍለጥኩን። 23  በዘን ክልተ እዚአን እጭነቕ ኣለኹ፣ ናጻ ምዃንን ምስ ክርስቶስ ምዃንን+ ትምኒት ኣሎኒ፣ እዝስ ዝሓሸ እዩ።+ 24  ምእንታኹም ግና፡ ብስጋ ምጽናሐይ ብዝያዳ የድሊ እዩ። 25  በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ምእንቲ ዕቤትኩምን ሓጐስ እምነትኩምን፡ ምስ ኵላትኩም ከም ዝጸንሕን ከም ዝቕጽልን እፈልጥ እየ፣ 26  እዚ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ምሳኻትኩም ብምህላወይ፡ ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኩም ፍስሃ ምእንቲ ኺዓዝዝ እዩ። 27  መጺአ ዝርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ኣብኡ እንተ ዘየለኹ፡ ስለ እምነት እቲ ብስራት ብሓንቲ ነፍሲ* ብሓባር እናጸዓርኩም፡ ብሓደ መንፈስ ጸኒዕኩም+ ከም ዝቘምኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ከም እትበቕዑ ዄንኩም ንበሩ፣*+ 28  ብተጻረርትኹም ብገለ እኳ ኸም ዘይትፈርሁ እውን፡ ክሰምዕ እደሊ እየ። እዚ ንዓታቶም ንጥፍኣት፡+ ንዓኻትኩም ግና ንድሕነት ዚኸውን መርትዖ እዩ፣+ እዚ እውን ካብ ኣምላኽ እዩ። 29  ምእንቲ ክርስቶስ ሓለፋ እተዋህበስ፡ ንዓኻትኩም እዩ፣ እዚ ድማ ምእንታኡ መከራ ኽትጸግቡ እውን እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን።+ 30  ከመይሲ፡ ከምቲ ኣባይ ዝረኣኹምዎ፡+ ሕጂ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም ዓይነት ገድሊ ኣሎኩም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቲ ብስራት ኣብ ምድንፋዕ ተሳትፎ።”
ወይ፡ “ብሓደ ሰሚርኩም።”
ወይ፡ “ከም ዜጋታት ኴንኩም ተመላለሱ።”