ዘዳግም 10:1-22

  • ክልተ ጽላት ዳግም ተጸርባ (1-11)

  • የሆዋ ዚደልዮ (12-22)

    • ንየሆዋ ፍርሃዮን ኣፍቅሮን (12)

10  “በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ንዓኻ ጽረብ፣+ ናባይ ናብዚ ኸረን ድማ ደይብ፣ ንዓኻ እውን ታቦት* ዕንጨይቲ ስራሕ። 2  እተን ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበራ ቓላት ከኣ፡ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፍ እየ፣ ኣብቲ ታቦት ድማ ኣንብረን።’ 3  ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ ታቦት ሰራሕኩ፣ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ድማ ጸረብኩ፣ ንኽልቲአን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ኸረን ደየብኩ።+ 4  የሆዋ ድማ እተን ብመዓልቲ ኣኼባ*+ ኣብቲ ኸረን ካብ ሓዊ ተዛሪቡኩም+ ዝነበረ ኸምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ትእዛዛት፡*+ ኣብተን ጽላት ጸሓፈን፣+ የሆዋ ድማ ንዓይ ሃበኒ። 5  ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ኻብቲ ኸረን ወረድኩ፣+ እተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝሰራሕክዎ ታቦት ኣንበርክወን፣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ። 6  “እስራኤላውያን ድማ ካብ ብኤሮት-ብነ-ያዓቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ከኣ ኣብኡ ሞተ፡ ተቐብረ እውን፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ፡ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ።+ 7  ካብኡ ኸኣ ናብ ጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጎዳ ድማ ናብታ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት* ዝዀነት ዮጥባታ ተጓዕዙ።+ 8  “በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ንነገድ ሌዊ፡ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኺጸውር፡+ ንዕኡ ኼገልግሎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐውም፡ ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዚገብሮ ድማ ብስሙ ኺባርኽ ኢሉ ፈለዮ።+ 9  ስለዚ እዩ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ ዘይተዋህቦ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ንዕኡ ዝበሎ፡ የሆዋ ርስቱ እዩ።+ 10  ኣነ ኸኣ ከምቲ ኣብተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝገበርክዎ ኣብቲ ኸረን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸናሕኩ፣+ የሆዋ ድማ በታ ግዜ እቲኣ እውን ሰምዓኒ።+ የሆዋ ኼጥፍኣካ ኣይደለየን። 11  የሆዋ ኸኣ፡ ‘ናብታ ንኣቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪርስተይዋንሲ፡ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኺድ፡ ኪነቕሉ ድማ ኣዳልዎም’ በለኒ።+ 12  “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ እስራኤል፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧+ እዚ ጥራይ እዩ ዚደሊ፦ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡+ ብዅሉ መገድታቱ ኽትመላለስ፡+ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ድማ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸተገልግሎ፡+ 13  ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛትን ሕግታትን የሆዋ ኽትሕሉ።+ 14  እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን* ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ የሆዋ ኣምላኽካ እዩ።+ 15  የሆዋ ግና ንኣቦታትካ ጥራይ እዩ ዝቐረቦምን ፍቕሩ ዝገለጸሎምን፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ድማ ንዓኻትኩም ንዘርኦም ካብ ኵሎም ህዝብታት ሓርዩኩም ኣሎ።+ 16  እምበኣር፡ ልብኹም ኣጽርዩ፡*+ ነቓጻት እውን ኣይትኹኑ።*+ 17  የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡+ ጐይታ ጐይተት፡ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኣምላኽ፡ ዘየዳሉን+ ጉቦ ዘይቅበልን እዩ። 18  ንሱ ንዘኽታምን* ንመበለትን ፍትሒ የውጽእ፡+ ንጓና ኸኣ የፍቅር፡+ እንጌራን ክዳንን እውን ይህቦ። 19  ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ጓና ኣፍቅሩ።+ 20  “ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንዕኡ ኣገልግሎ፡+ ናብኡ ኸኣ ልገብ፡ ብስሙ ድማ ምሓል። 21  ንዕኡ ወድሶ።+ እቲ ብኣዒንትኻ ዝረኣኻዮ ዅሉ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ንሱ እዩ።+ 22  ኣቦታትካ 70 ሰባት* ከለዉ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፣+ ሕጂ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዚሑካ ኣሎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሳጹን።”
ወይ፡ “ጉባኤ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዓሰርተ ቓላት።”
ወይ፡ “ርባታት ማይ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ዝለዓለ ሰማያትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክሳድኩም እውን ደጊም ኣይተትርሩ።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉን።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”