ዘዳግም 10:1-22
10 “በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ንዓኻ ጽረብ፣+ ናባይ ናብዚ ኸረን ድማ ደይብ፣ ንዓኻ እውን ታቦት* ዕንጨይቲ ስራሕ።
2 እተን ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበራ ቓላት ከኣ፡ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፍ እየ፣ ኣብቲ ታቦት ድማ ኣንብረን።’
3 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ ታቦት ሰራሕኩ፣ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ድማ ጸረብኩ፣ ንኽልቲአን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ኸረን ደየብኩ።+
4 የሆዋ ድማ እተን ብመዓልቲ ኣኼባ*+ ኣብቲ ኸረን ካብ ሓዊ ተዛሪቡኩም+ ዝነበረ ኸምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ትእዛዛት፡*+ ኣብተን ጽላት ጸሓፈን፣+ የሆዋ ድማ ንዓይ ሃበኒ።
5 ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ኻብቲ ኸረን ወረድኩ፣+ እተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝሰራሕክዎ ታቦት ኣንበርክወን፣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ።
6 “እስራኤላውያን ድማ ካብ ብኤሮት-ብነ-ያዓቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ከኣ ኣብኡ ሞተ፡ ተቐብረ እውን፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ፡ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ።+
7 ካብኡ ኸኣ ናብ ጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጎዳ ድማ ናብታ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት* ዝዀነት ዮጥባታ ተጓዕዙ።+
8 “በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ንነገድ ሌዊ፡ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኺጸውር፡+ ንዕኡ ኼገልግሎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐውም፡ ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዚገብሮ ድማ ብስሙ ኺባርኽ ኢሉ ፈለዮ።+
9 ስለዚ እዩ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ ዘይተዋህቦ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ንዕኡ ዝበሎ፡ የሆዋ ርስቱ እዩ።+
10 ኣነ ኸኣ ከምቲ ኣብተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝገበርክዎ ኣብቲ ኸረን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸናሕኩ፣+ የሆዋ ድማ በታ ግዜ እቲኣ እውን ሰምዓኒ።+ የሆዋ ኼጥፍኣካ ኣይደለየን።
11 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ናብታ ንኣቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪርስተይዋንሲ፡ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኺድ፡ ኪነቕሉ ድማ ኣዳልዎም’ በለኒ።+
12 “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ እስራኤል፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧+ እዚ ጥራይ እዩ ዚደሊ፦ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡+ ብዅሉ መገድታቱ ኽትመላለስ፡+ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ድማ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸተገልግሎ፡+
13 ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛትን ሕግታትን የሆዋ ኽትሕሉ።+
14 እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን* ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ የሆዋ ኣምላኽካ እዩ።+
15 የሆዋ ግና ንኣቦታትካ ጥራይ እዩ ዝቐረቦምን ፍቕሩ ዝገለጸሎምን፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ድማ ንዓኻትኩም ንዘርኦም ካብ ኵሎም ህዝብታት ሓርዩኩም ኣሎ።+
16 እምበኣር፡ ልብኹም ኣጽርዩ፡*+ ነቓጻት እውን ኣይትኹኑ።*+
17 የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡+ ጐይታ ጐይተት፡ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኣምላኽ፡ ዘየዳሉን+ ጉቦ ዘይቅበልን እዩ።
18 ንሱ ንዘኽታምን* ንመበለትን ፍትሒ የውጽእ፡+ ንጓና ኸኣ የፍቅር፡+ እንጌራን ክዳንን እውን ይህቦ።
19 ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ጓና ኣፍቅሩ።+
20 “ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንዕኡ ኣገልግሎ፡+ ናብኡ ኸኣ ልገብ፡ ብስሙ ድማ ምሓል።
21 ንዕኡ ወድሶ።+ እቲ ብኣዒንትኻ ዝረኣኻዮ ዅሉ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ንሱ እዩ።+
22 ኣቦታትካ 70 ሰባት* ከለዉ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፣+ ሕጂ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዚሑካ ኣሎ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሳጹን።”
^ ወይ፡ “ጉባኤ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዓሰርተ ቓላት።”
^ ወይ፡ “ርባታት ማይ።”
^ ወይ፡ “ዝለዓለ ሰማያትን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ክሳድኩም እውን ደጊም ኣይተትርሩ።”
^ ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉን።”
^ ወይ፡ “ነፍሳት።”