ህዝቅኤል 33:1-33

  • ሓላፍነታት ሓላዊ (1-20)

  • ብዛዕባ ውድቀት የሩሳሌም ዚሕብር ወረ (21, 22)

  • ናብ ነበርቲ ዑናታት እተላእከ መልእኽቲ (23-29)

  • እቶም ህዝቢ ነቲ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ኣየውዓልዎን (30-33)

    • ህዝቅኤል ከም “ደርፊ ፍቕሪ” (32)

    • “ኣብ መንጎኦም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም” (33)

33  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ መጸኒ፦  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦+“‘ኣነ ኣብ ምድሪ ሰይፊ እንተ ኣምጺአ፡+ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ሓደ ሰብ ወሲዶም ሓላዊ እንተ ገይሮም፡  ንሱ ድማ ሰይፊ ናብታ ምድሪ ኺመጽእ እንተ ርእዩ እሞ መለኸት እንተ ነፊሑ፡ ነቶም ህዝቢ እውን እንተ ኣጠንቂቕዎም፡+  ሓደ ኸኣ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ ኽነሱ እንተ ዘይተጠንቂቑ፡+ ሰይፊ መጺኡ ድማ ንህይወቱ እንተ ኣጥፊእዋ፡* ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።+  ደሃይ መለኸት ሰሚዑ ኽነሱስ ኣይተጠንቀቐን። ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፡ ንህይወቱ* መድሓና ነይሩ።  “‘እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ መለኸት እንተ ዘይነፊሑ፡+ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቂቕዎም፡ ሰይፊ መጺኡ እውን ንህይወት* ሓደ ኻባታቶም እንተ ኣጥፊእዋ፡ እቲ ሰብ እቲ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብቲ ሓላዊ ኽደልዮ እየ።’*+  “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ፣ ካብ ኣፈይ ቃል ምስ ሰማዕካ፡ ካባይ መጠንቀቕታ ሃቦም።+  ንሓደ እኩይ፡ ‘ኣታ እኩይ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ’ ምስ በልክዎ፡+ ነቲ እኩይ መገዱ ኪቕይር ከተጠንቅቖ ኢልካ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፡ ንሱ እኩይ ብምዃኑ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣+ ደሙ ግና ካባኻ ኽደልዮ እየ።  ግናኸ፡ ንሓደ እኩይ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቂቕካዮ እሞ ንሱ ነቲ መገዱ ምቕያር እንተ ኣብዩ፡ ንሱ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣+ ንስኻ ግና ብርግጽ ህይወትካ* ኸተድሕን ኢኻ።+ 10  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ ‘ንስኻትኩምሲ፡ “ዕልወትናን ሓጢኣትናን ከቢዱና ኣሎ፣ የማህምነና እውን ኣሎ።+ ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፧”+ ኢልኩም ኣለኹም’ በሎም። 11  ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “እኩይ መገዱ ቐዪሩ+ ብህይወት ኪነብር እምበር፡+ ብሞት እኩይ ባህ ኣይብለንን እዩ።+ ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ፡ ተመለሱ፣+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይከ እትሞቱ፧”’+ በሎም። 12  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ ኸምዚ በሎም፦ ‘ጻድቕ ምስ ዓለወ፡ ጽድቁ ኣየድሕኖን እዩ፣+ እኩይ ካብ እከዩ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ እከዩ ኣይዕንቅፎን እዩ፣+ ጻድቕ በታ ዚሓጥኣላ መዓልቲ ድማ፡ ሳላ ጽድቁ ብህይወት ኣይነብርን እዩ።+ 13  ንጻድቕ፡ “ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” ምስ በልክዎ፡ ብጽድቁ ተኣሚኑ እንተ በዲሉ፡*+ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ በደል ደኣ ኺመውት እዩ እምበር፡ ካብ ጽድቁስ ሓደ እኳ ኣይኪዝከረሉን እዩ።+ 14  “‘ንእኩይ ድማ፡ “ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ምስ በልክዎ፡ ካብ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡+ 15  እቲ እኩይ ድማ ትሕጃ ዚመልስን+ እተዘምተ ዚኽሕስን+ ከይበደለ ብሕግታት ህይወት ዚመላለስን እንተ ዀይኑ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ ኣይኪመውትን እዩ። 16  ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ብሓደ እኳ ተሓታቲ ኣይኪኸውንን እዩ።*+ ፍትሕን ጽድቅን ብምግባሩ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።’+ 17  “ደቂ ህዝብኻ ግና መገዶም ዘይቅኑዕ ክነሱስ፡ ‘መገዲ የሆዋ ዘይቅኑዕ እዩ’ ኢሎም ኣለዉ። 18  “ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን፡ ብሰሩ ኺመውት እዩ።+ 19  ግናኸ፡ እኩይ ካብ እከዩ እንተ ተመሊሱ እሞ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡ ከምኡ ብምግባሩ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ 20  “ንስኻትኩም ግና፡ ‘መገዲ የሆዋ ዘይቅኑዕ እዩ’ ኢልኩም ኣለኹም።+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድታትኩም ክፈርደኩም እየ።” 21  ኣብ መበል 12 ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ እተማረኽናላ ወርሒ፡ ካብ የሩሳሌም ዘምለጠ ሰብኣይ ናባይ መጸ እሞ፡+ “እታ ኸተማ ተወቒዓ!” በለኒ።+ 22  ኣብታ ቕድሚ እታ እቲ ዘምለጠ ሰብኣይ ዝመጸላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረት፣ እቲ ሰብኣይ ንግሆ ናባይ ቅድሚ ምምጻኡ ድማ፡ ኣፈይ ከፊቱለይ ነበረ። ስለዚ፡ ኣፈይ ተኸፊቱ ነበረ፣ ኣነ እውን ድሕሪኡ ዓባስ ኣይኰንኩን።+ 23  ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 24  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነበርቲ እዚ ዑናታት+ እዚ ብዛዕባ ምድሪ እስራኤል፡ ‘ኣብርሃም ሓደ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ነዛ ምድሪ ኸኣ ተረስትይዋ።+ ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፣ እዛ ምድሪ ብርግጽ ርስቲ ጌርካ ተዋሂባትና እያ’ ይብሉ ኣለዉ። 25  “ስለዚ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምግቢ ምስ ደም ትበልዑ፡+ ኣዒንትኹም ናብ ጽዩፋት ጣኦታት* ተልዕሉ፡ ደም እውን ተፍስሱ ኣለኹም።+ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ነዛ ምድሪ እትርስተይዋ፧ 26  ኣብ ሰይፍኹም ተኣሚንኩም ኣለኹም፣+ ፍንፉን ተግባራት ከኣ ትገብሩ ኣለኹም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ሰበይቲ ብጻዩ የርክስ ኣሎ።+ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ነዛ ምድሪ እትርስተይዋ፧”’+ 27  “ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ እቶም ኣብ ዑናታት ዚነብሩ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣብ መሮር ዘለዉ ድማ፡ ምግቢ ገይረ ንኣራዊት ክህቦም እየ፣ ኣብ ዕርድታትን ኣብ በዓትታትን ዘለዉ ኸኣ፡ ብሕማም ኪሞቱ እዮም።+ 28  ነታ ምድሪ ጠሪሰ ኸባድማ እየ፣+ ነቲ ዕቡይ ትምክሕታ ድማ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ዚሓልፎ ዘይብሉ ዀይኑ ኺባድም እዩ።+ 29  ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት፡+ ነታ ምድሪ ጠሪሰ ምስ ኣባደምክዋ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”’ 30  “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መናድቕን ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ።+ ንሓድሕዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ ‘ንዑ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ቃል ንስማዕ’ ይባሃሃሉ ኣለዉ። 31  ህዝበይ ኰይኖም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኪቕመጡ፡ ኪዓጕጉ እዮም፣ ቃላትካ ድማ ኪሰምዑ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣይኪገብርዎን እዮም።+ ብኣፎምሲ ኺሽሕጡኻ* እዮም፣ ልቦም ግና ንዘይግቡእ ረብሓ ይስስዕ እዩ። 32  እንሆ፡ ንስኻ ንዓታቶም ከምቲ ብጥዑም ድምጺ እተደርፈ፡ ብኽእለት ብእተወቕዐ በገና ድማ እተሰነየ ደርፊ ፍቕሪ ኢኻ። ቃላትካ ኺሰምዑ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣይኪገብርዎን እዮም። 33  ምስ ተፈጸመ ኸኣ፡—ኪፍጸም ድማ እዩ፡—ኣብ መንጎኦም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሰይፊ መጺኡ ድማ እንተ ወሲድዎ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ንነፍሲ።”
ወይ፡ “ብደሙ ግና ነቲ ሓላዊ ተሓታቲ ኽገብሮ እየ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ዓሚጹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሓደ እኳ ኣይኪዝከርን እዩ።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ወይ፡ “ብፍትወት ኪዛረቡ።”