ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዘይ ምኽንያት ዚጽልኡ

ብዘይ ምኽንያት ዚጽልኡ

ብዘይ ምኽንያት ዚጽልኡ

“ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ።”—ዮሃንስ 15:25

1, 2. (ሀ) ብዛዕባ ክርስትያናት ሕማቕ ኪዝረብ ከሎ ንገሊኦም ዚድንጽዎም ስለምንታይ እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ኼገርመና ዘይብሉ ግን ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ “ምጽላእ” ኺበሃል ከሎ ንምንታይ የመልክት፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት እዮም ኪመላለሱ ዚደልዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ጽቡቕ ስም ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ ግን ዘይስሞም ተዋሂብዎም እዩ። ንኣብነት: ሓደ ብዓል ስልጣን እታ ኣብ ሩስያ እትርከብ ከተማ ፒተርስበርግ: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጸልማት ኰይኖም ቈልዑ ዚሓርዱን ገዛእ ርእሶም ዚቐትሉን ምስጢራዊ ኣንቈራ ኸም ዝዀኑ እዩ ተነጊሩና” በለ። እንተዀነ ግን: ምስ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ ምርኻቡ: “ሕጂ ተራን ፍሽሑዋትን ሰባት ምዃኖም ፈሊጠ። . . . ሰላማውያንን ህዱኣትን እዮም: ንሓድሕዶም እውን ብዙሕ እዮም ዚፋቐሩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ሰባት ብዛዕባኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት እተዛረቡ ስለምንታይ ምዃኖም ኪርድኣኒ ኣይከኣለን” ኢሉ ተዛረበ።—1 ጴጥሮስ 3:16

2 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም እኩያት ተወሲዶም ስሞም ኪጽልም ከሎ ባህ ዘይብሎም እኳ እንተዀነ: ሰባት ብዛዕባኦም ሕማቕ ኪዛረቡ ኸለዉ ግን ኣይግረሙን እዮም። የሱስ ንሰዓብቱ “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም: ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ . . . እቲ ኣብ ሕጎም፤ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ: ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ። a (ዮሃንስ 15:18-20, 25፣ መዝሙር 35:19፣ 69:4) ኣቐድም ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ “ንበዓል ቤት ብኤል-ዜቡል ካብ በልዎ: ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎም” ኢልዎም ነይሩ። (ማቴዎስ 10:25) ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ጸርፊ ኽፍሊ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ኸለዉ እተቐበልዎ ‘መስቀሎም’ ምዃኑ ይፈልጥዎ እዮም።—ማቴዎስ 16:24

3. ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኽሳዕ ክንደይ እዩ መስጐጕቲ ወሪድዎም፧

3 ኣብ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚወርድ መስጐጕቲ ኻብቲ “ጻድቕ” ዚነበረ “ኣቤል” ኣትሒዙ ዝጀመረ ብምዃኑ ነዊሕ ታሪኽ እዩ ዘለዎ። (ማቴዎስ 23:34, 35) ኣብ ሒደት እተወሰነ እዋናት ጥራይ ኣይኰነን ተፈጺሙ። የሱስ ንሰዓብቱ “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ” በሎም። (ማቴዎስ 10:22) ኣብ ርእሲ እዚውን ሃዋርያ ጳውሎስ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ—ነፍሲ ወከፍና ማለት እዩ መስጐጕቲ ኽንጽበ ኸም ዘሎና ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ስለምንታይ ግን እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧

ምንጪ እቲ ብዘይ ምኽንያት ዚርአ ጽልኢ

4. መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ዅሉ እቲ ብዘይ ምኽንያት ዚንጸባረቕ ጽልኢ መን ምዃኑ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧

4 ቃል ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ነዚ ዜለዓዕል ሓደ ዘይርአ ኣካል ከም ዘሎ ይገልጽ። እቲ ናይ መጀመርታ ናይ እምነት ሰብ ዝነበረ ኣቤል እተቐትለሉ ዜስካሕክሕ መገዲ እሞ ሕስብ ኣብሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንሓዉ ዝቐተለ ቃየል “ካብ እኩይ:” ማለት ካብ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:12) ቃየል ከም ናይ ሰይጣን ዝኣመሰለ ዝንባለ ኣጥረየ: ንሱ ድማ ነቲ እኩይ ዕላማኡ ንምፍጻም ተጠቕመሉ። ሰይጣን ኣብቲ ኣብ እዮብን የሱስ ክርስቶስን እተፈጸመ መጥቃዕቲ እንታይ ግደ ኸም ዝነበሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። (እዮብ 1:12፣ 2:6, 7፣ ዮሃንስ 8:37, 44፣ 13:27) መጽሓፍ ራእይ “ምእንቲ ኽትፍተኑስ: ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ” ስለ እትብል: ምንጪ እቲ ጽልኢ መን ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ትገልጽ እያ። (ራእይ 2:10) እወ: ምንጪ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብዘይ ምኽንያት ዚወርዶም ጽልኢ ሰይጣን እዩ።

5. ሰይጣን ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚጸልኦም ስለምንታይ እዩ፧

5 ሰይጣን ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚጸልኦም ስለምንታይ እዩ፧ ሰይጣን ካብ ክቱር ትዕቢት ተላዒሉ እዩ “ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ተጻሪርዎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ 3:6) ኣምላኽ ንፍጡራቱ ኣብ ዚገዝኣሉ መገዲ ዘየድሊ ቐይዲ ኸም ዜብዝሕን ዝዀነ ይኹን ፍጡር ምእንቲ ረብሓኡ ኢሉ እንተ ዘይኰይኑ ብጽሩይ ልቢ ንየሆዋ ኸም ዘየገልግሎን ከሰሰ። ንሰባት ኪፍትኖም እንተ ተፈቒዱሉ: ንዅሎም ካብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ከም ዚኽእል ገለጸ። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ እዮብ 1:6-12፣ 2:1-7) ሰይጣን ንየሆዋ ኸም ጨቋንን ሓሳውን ዕላማኡ ዝፈሸሎን ገይሩ ኼጸልሞ ኸሎ: ልዑላውነት ንምርካብ እዩ ተናሓኒሑ። ስለዚ ድማ ኣብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘለዎ ቝጥዓ: ካብቲ ንኺምለኽ ዘለዎ ባህጊ ዝነቐለ እዩ።—ማቴዎስ 4:8, 9

6. (ሀ) እቲ ንልዑላውነት የሆዋ ዚምልከት ጕዳይ ብኸመይ እዩ ብብሕቲ ዚትንክፈና፧ (ለ) ነዚ ጕዳይ እዚ ምርዳእና ንጽህናና ኽንሕሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 16 ዘላ ሳጹን ርአ።)

6 እዚ ጕዳይ እዚ ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ተረዲኡካዶ፧ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ምዃንካ መጠን: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ብርቱዕ ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተዀነ: ከምኡ ብምግባርካ ግን ብዙሕ ረብሓታት ዜምጽኣልካ ዀይኑ ኢኻ ረኺብካዮ። ብሰንኪ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥም ኵነታት ንሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ምሕላው እንተ ኣጸጊሙካ ግን እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ዋላ ሓንቲ ዘይረባሕካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ንየሆዋ ምግልጋል ጥቕሚ የብሉን ኣብ ዚብል መደምደምታ ምበጻሕካዶ፧ ወይስ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕርን ነቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ዘሎካ ሞሳን ብመገድታቱ ኽትመላለስ ምደረኸካ፧ (ዘዳግም 10:12, 13) የሆዋ ንሰይጣን ሽግር ኬምጽኣልና ብምፍቃድ: ነቲ ሰይጣን ዘበገሶ ኽሲ ብብሕቲ መልሲ ኽንህበሉ ኣጋጣሚ ኸፈተልና።—ምሳሌ 27:11

“እንተ ጸረፉኹም”

7. ድያብሎስ ካብ የሆዋ ምእንቲ ኼርሕቐና ኢሉ ዚጥቀመሉ ሓደ ሜላ እንታይ እዩ፧

7 ሰይጣን ነቲ ኽሱ መርትዖ ኪዀኖ ኢሉ ኻብ ዚጥቀመሉ ውዲት ሓደ: ኣብ ሓሶት እተመስረተ ጸርፊ እዩ። የሱስ ንሰይጣን ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ኢልዎ እዩ። (ዮሃንስ 8:44) እቲ ድያብሎስ ዚብል ንባህሪኡ ዚገልጽ ስሙ “መካፍኢ” ማለት እዩ። ንኣምላኽን ነቲ ጥዑም ቃሉን ነቲ ቕዱስ ስሙን ቀንዲ መካፍኢ ምዃኑ ኸኣ እዩ ዜመልክት። ድያብሎስ ንልዑላውነት የሆዋ ኣብ ምጽራር: ሕማቕ ነገር ዚእምት ሓሳባት: ናይ ሓሶት ክስታት: ከምኡውን ዓይኒ ዘውጽአ ሓሶት ይጥቀም እዩ። ንእሙናት ህዝቢ የሆዋ ኣብ ምጽላም እውን ካብዚ እተፈልየ ነገር ኣይጥቀምን እዩ። ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ዘይብሃል ጸርፊ ብምዅማር: ምጻሩ ዜጸግም ከቢድ ፈተና እውን ከይተረፈ ኼምጽእ ይኽእል እዩ።

8. ሰይጣን ንእዮብ ዝጸረፎ ብኸመይ እዩ: እዚኸ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

8 ነቲ “ግዳይ ጽልኢ” ዚትርጕሙ ስም እተዋህቦ እዮብ ዜጋጠሞ እሞ ንርአ። ሰይጣን ንእዮብ ጥሪቱን ደቁን ጥዕናኡን ከም ዚስእን ጥራይ ዘይኰነስ: ብኣምላኽ ዚቕጻዕ ዘሎ ሓጢኣተኛ ኸም ዚመስል እውን እዩ ገይሩ። እዮብ ዓብዪ ኽብሪ ዚወሃቦ እኳ እንተ ነበረ: ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን እውን ከይተረፈ ነዓቕዎ። (እዮብ 19:13-19፣ 29:1, 2, 7-11) ብዘይካዚውን: በቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ኣቢሉ: ፈለማ ገለ ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ብምእማት: ደሓር ከኣ ብቐጥታ ኸም ኣበሰኛ ብምዅናን ‘ብዘረባ ኺሰባብሮ’ ጸዓረ። (እዮብ 4:6-9፣ 19:2፣ 22:5-10) እዝስ ንእዮብ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣዳኺምዎ ኪኸውን ኣለዎ!

9. የሱስ ሓጥእ ከም ዝዀነ ጌርካ ንምጥቃን እተጻዕረ ብኸመይ እዩ፧

9 ወዲ ኣምላኽ ንልዑላውነት የሆዋ ብምድጋፍ ዝመጸ ቐዳማይ ብምዃኑ: ሰይጣን ብቐዳምነት ንዕኡ እዩ ዚጸልኦ። የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ: ሰይጣን ከምቲ ኣብ እዮብ ዝጸዓሮ: ንየሱስ እውን ሓጥእ ከም ዚመስል ብምግባር ብመንፈሳዊ ኼጸልሞ ፈተነ። (ኢሳይያስ 53:2-4፣ ዮሃንስ 9:24) ሰባት ሰታይን በላዕን ከምኡውን ‘ጋኔን ኣለዎ’ ይብሉ ነበሩ። (ማቴዎስ 11:18, 19፣ ዮሃንስ 7:20፣ 8:48፣ 10:20) ከም ዝጸረፈ ጌርካ ብሓሶት ተኸሲሱ እዩ። (ማቴዎስ 9:2, 3፣ 26:63-66፣ ዮሃንስ 10:33-36) እዚ ንየሱስ የጨንቖ ነበረ: ከመይሲ ኣብ ኣቦኡ ጸርፊ ኸም ዜምጽእ ይፈልጥ ነበረ። (ሉቃስ 22:41-44) ኣብ መወዳእታ ኸም ዓመጸኛ ተሰቕለ። (ማቴዎስ 27:38-44) ፍጹም ንጽህናኡ ኣብ ዚሕልወሉ እዋን ድማ ‘ካብ ሓጥኣን ምጽራር’ ተዓገሰ።—እብራውያን 12:2, 3

10. እቶም ኣብዚ ዘመንና ዘለዉ ቕቡኣት ተረፍ ክርስትያናት ኣደዳ መጥቃዕቲ ሰይጣን ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

10 ኣብዚ ግዜና ድያብሎስ ነቶም ዝተረፉ ቕቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን ይጸልኦም እዩ። ሰይጣን “እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋት [ክርስቶስ]” ተባሂሉ ኣሎ። (ራእይ 12:9, 10) ካብ ሰማይ ካብ ዚስጐጕን ኣብ ከባቢ ምድሪ ኻብ ዚሕጸርን ኣትሒዙ: ከም ፍንፉናት ገይሩ ንምጥቃን ዝያዳ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 4:13) ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት መናፍቕነት ወይ ሻራ ኸም ዝጀመሩ ጌርካ ዚግለጹ ዝነበሩ: ሎሚውን ኣብ ገሊኡ ሃገራት ቅቡኣት ክርስትያናት ሓደገኛታት ኣንቈራ ወይ መናፍቕ ተባሂሎም ተጠቂኖም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:5, 14፣ 28:22) ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ: ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ተኻፊኦም እዮም። ኰይኑ ግን: ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ በቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዚበሃሉ ብጾቶም እናተደገፉ: ትሕት ኢሎም “ብኽብርን ሕስራንን: ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን” ‘ንትእዛዝ ኣምላኽ ንምሕላውን ምስክር የሱስ ንምሓዝን’ ጽዒሮም እዮም።—ዮሃንስ 10:16፣ 2 ቈረንቶስ 6:8፣ ራእይ 12:17

11, 12. (ሀ) ጠንቂ እቲ ገሊኡ ንክርስትያናት ዜጋጥሞም ጸርፊ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ብምኽንያት እምነቱ ብኸመይ ኪግፋዕ ይኽእል፧

11 ልክዕ እዩ: ኵሉ እቲ ነገልገልቲ ኣምላኽ ብውልቂ ዜጋጥሞም ጸርፊ “ምእንቲ ጽድቂ” እዩ ማለት ኣይኰነን። (ማቴዎስ 5:10) ገሊኡ ጸገማት ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ‘ሓጢኣት እናገበርና መውቃዕቲ እንተ ተዓገስና’ ትምክሕቲ ወይ ዜሐብነና ነገር የብሉን። እንተዀነ ግን: ሓደ ክርስትያን “ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ: እዚ ጸጋ እዩ:” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ብኣምላኽ ቅቡል እዩ።” (1 ጴጥሮስ 2:19, 20) ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ እዚ ኼጋጥም ዚኽእል፧

12 ገሊኦም ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዘይድግፎ ልምድታት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ምስታፍ ብምእባዮም ተገፊዖም እዮም። (ዘዳግም 14:1) መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ጠቢቖም ብምስዓቦም: ኣደዳ ጸርፊ ዀይኖም እዮም። (1 ጴጥሮስ 4:4) ገሊኦም ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ብዘይ ደም ሕክምና ኺግበረሎም ብምድላዮም: “ሸለልተኛታት” ወይ “ሃሰይቲ” ዚብል ስም ተለጢፍዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29) ክርስትያናት: ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃኖም ጥራይ በዝማዶምን ብጐረባብቶምን ተፈንፊኖም እዮም። (ማቴዎስ 10:34-37) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብምሉኦም ከምቲ ንነብያትን ንየሱስን ዜጋጠሞም ግፍዒ ወሪድዎም እዩ።—ማቴዎስ 5:11, 12፣ ያእቆብ 5:10፣ 1 ጴጥሮስ 2:21

ንዜጋጥመና ጸርፊ ምኽኣሉ

13. ብዙሕ ጸርፊ ኼጋጥመና ኸሎ መንፈሳዊ ሚዛንና ንምሕላው እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ምእንቲ እምነትና ብዙሕ ጸርፊ ኼጋጥመና ኸሎ: ከም ነብዪ ኤርምያስ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል: ንኣምላኽ ምግልጋል ዘይንኽእል ኰይኑውን ኪስምዓና ይኽእል። (ኤርምያስ 20:7-9) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት መንፈሳዊ ሚዛንና ኽንሕሉ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ነቲ ጕዳይ በረኣእያ የሆዋ ኽትርእዮ ጽዓር። ነቶም ኣብ ትሕቲ ፈተና ብተኣማንነት ዝቐጸሉ: ከም ግዳያት ዘይኰነስ ከም ሰዓርቲ ገይሩ እዩ ዚርእዮም። (ሮሜ 8:37) ነቶም ድያብሎስ ብዙሕ ውርደት እናኣምጸኣሎም ክነሱ ንልዑላውነት የሆዋ ዝደገፉ ኸም እኒ ኣቤልን እዮብን ማርያም ኣደ የሱስን ካልኦት ጥንቲ ዝነበሩ እሙናትን ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብጾትና ዝዀኑ ኣገልገልትን ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎም። (እብራውያን 11:35-37፣ 12:1) ብዛዕባ ንጽህናኦም ኣስተንትን። እዞም ከም ደበና ዝብዝሖም እሙናት ሰባት: ብእምነትና ነዛ ዓለም ስዒርና ኣብቲ ናይ ዓወት መድረኽ ምሳታቶም ክንሓብር ጻውዒት የቕርቡልና ኣለዉ።—1 ዮሃንስ 5:4

14. ካብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት እሙናት ንኽንከውን ዜበርትዓና ብኸመይ እዩ፧

14 ‘ጓሂ ልብና ኣብ ውሽጥና እንተ በዚሑ:’ ካብ ልቢ ብዝመነጨ ጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና: ንሱውን ኬጸናንዓናን ኬበራትዓናን እዩ። (መዝሙር 50:15፣ 94:19) ነቲ ፈተና ኽንጻወሮ እተኽእለና ጥበብ ይህበና: ጠንቂ እቲ ኣብ ኣገልገልቱ ብዘይ ምኽንያት ዚንጸባረቕ ጽልኢ እቲ ንልዑላውነት የሆዋ ዚምልከት ዓብዪ ጕዳይ ምዃኑ ኸነተኵር ድማ ይሕግዘና። (ያእቆብ 1:5) “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” እውን ኪህበና ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) እዚ ኣምላኽ ዚህበና ሰላም ከቢድ ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ ኽንሃድእን ንጥርጣረ ዀነ ንፍርሂ ዘይንምብርከኽ ጽኑዓት ክንከውንን የኽእለና። የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ኺወርደና ንዜፍቅዶ ፈተና ዅሉ ኽንጾሮ የኽእለና።—1 ቈረንቶስ 10:13

15. ግፍዒ ኺወርደና ኸሎ ንኸይንምረር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

15 በቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡና ንኸይንምረር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ቀንዲ ጸላእትና ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምዃኖም ኣይንረስዕ። (ኤፌሶን 6:12) ገሊኦም ሰባት ኰነ ኢሎም እናፈለጡ ዜሳጕጉና እኳ እንተዀኑ: ብዙሓት ካብቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጻረሩ ግን ብዘይ ፍላጥ ወይ ብኻልኦት ተደፋፊኦም እዮም ዚገብርዎ። (ዳንኤል 6:4-16፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:12, 13) የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ምእንቲ ኪኽእል ኣጋጣሚ ኺህብ እዩ ዚደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) አረ ቐደም ተጻረርቲ ዝነበሩ ገሊኣቶምሲ: ነቲ ሰናይ ኣካይዳና ብምርኣይ ክርስትያን ኣሕዋትና ዀይኖም እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:12) ኣብ ርእሲ እዚ: ካብቲ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ዝገደፎ ኣብነት ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ዮሴፍ ብሰንኪ እቶም በቦ ኣሕዋቱ ዝነበሩ ብዙሕ እኳ እንተ ተሳቐየ: ንዓታቶም ግን ኣይጸልኦምን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብቲ ጕዳይ ኢድ የሆዋ ኸም ዘላን ዕላማኡ ንምፍጻም ድማ ነቲ ፍጻመታት ከም እትኣልዮን ኣስተውዒሉ ነበረ። (ዘፍጥረት 45:4-8) ኣብዚ ግዜናውን የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዚወርደና ግፍዒ ንስሙ ኽብሪ ኸም ዜምጽእ ገይሩ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 4:16

16, 17. ተጻረርቲ ነቲ ዕዮ ስብከት ደው ኬብሉ ዚገብርዎ ጻዕርታት ኬጨንቐና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

16 ተጻረርትና ንእተወሰነ ግዜ ንዝርጋሐ እቲ ብስራት ኣብ ምዕጋት ከም እተዓወቱ እንተ መሰሉ: ብዙሕ ክንጭነቕ የብልናን። የሆዋ በቲ ዚወሃብ ዘሎ ዓለምለኻዊ ምስክርነት ኣቢሉ ነህዛብ የነቓንቖም እዩ ዘሎ: እቲ ኽቡር ነገር እተባህለ ድማ ይመጽእ ኣሎ። (ሃጌ 2:7) እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ “እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ: ኣነ ኸኣ ኤለልየን: ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን: . . . ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 10:27-29) ኣብቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ቕዱሳት መላእኽቲ እውን ይሳተፉ እዮም። (ማቴዎስ 13:39, 41፣ ራእይ 14:6, 7) ስለዚ: ተጻረርቲ ዚብልዎ ዀነ ዚገብርዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ንዕላማ ኣምላኽ ኪዓናቕፎ ኣይክእልን እዩ።—ኢሳይያስ 54:17፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:38, 39

17 መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ተጻረርቲ ዚገብርዎ ጻዕርታት ኣወንታዊ ፍረ እዩ ዜፍሪ። ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከብ ሓደ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ሕማቕ ወረ ተነዝሐ። ንድያብሎስ እዮም ዜምልኹ እውን ከይተረፈ ተባህለ። ብሰንኪ እዚ ሓንቲ ግሬስ እትበሃል ውልቀ-ሰብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪመጽዋ ኸለዉ: ክሳዕ ዚኸዱ ሃዲማ ብድሕሪ ገዝኣ ትሕባእ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ናይቲ እትኸደሉ ቤተ-ክርስትያን ቀሺ: ሓንቲ ኻብተን ጽሑፋትና ንዅሎም እናኣርኣየ: ሃይማኖቶም ከም ዚቕይሩ ስለ እትገብሮም ከየንብቡዋ ነገሮም። እዚ ንግሬስ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ኣሕደረላ። ድሕርዚ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መጹዋ: ኣብ ክንዲ እትሕባእ ኣዘራረበቶም: ቅዳሕ እታ ጽሕፍቲ ድማ ተቐበለት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት: ብ1996 ከኣ ተጠምቀት። ሕጂ ግዜኣ ነቶም ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግጉይ ሓበሬታ እተነግሮም ኣብ ምንዳይ ተሕልፎ ኣላ።

ሕጂ እምነትካ ኣደልድል

18. ከቢድ ፈተና ቕድሚ ምምጻኡ እምነትና ኸነደልድል ዘሎና ስለምንታይ እዩ: ብኸመይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

18 ሰይጣን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ነቲ ጽልኡ ብዘይ ምኽንያት ኬውጽኦ ስለ ዚኽእል: ሕጂ እምነትና ኸነደልድል ኣሎና። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ካብ ሓንቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስጐጉላ ዝነበሩ ዓዲ እተላእከ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ኣዝዩ ንጹር ዝዀነ ነገር ኣሎ:- እቶም ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዓሚቝ ሞሳን ዘለዎም ፈተናታት ኪመጽእ ከሎ ጽኑዓት ንምዃን ኣየጸግሞምን እዩ። እቶም ‘ኣብ ግዜ’ ደሓን ካብ ኣኼባታት ዚበዅሩ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታውያን ዘይኰኑ: ከምኡውን ብንኣሽቱ ጕዳያት ዚለማመጡ ግን ‘ከቢድ’ ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ ይወድቁ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ምምሕያሽ ክትገብረሉ ዘሎካ መዳያት እንተ ተራእዩካ: ከይተደናጐኻ ምምሕያሽ ክትገብር ጽዓር።—መዝሙር 119:60

19. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዘይ ምኽንያት ኪጽልኡ ኸለዉ ንጽህናኦም ምሕላዎም እንታይ ፍረ እዩ ዚህልዎ፧

19 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ሰይጣን ብጽልኡ ዜምጽኦ ስቓይ እናተጻወሩ ንጽህናኦም ምሕላዎም: የሆዋ ልዑላዊ ኪኸውን መሰል ዘለዎን ዚግብኦን ምዃኑ ዚሕብር ህያው ተመክሮ እዩ። ተኣማንነቶም ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ። ሰባት እዚ ዘይበሃል ጸርፊ እኳ እንተ ዀመሩሎም: እቲ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝኸበረ የሆዋ ግን “ኣምላኾም ኪብሀል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ።” እወ: ብዛዕባ ዅሎም እቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት “ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይና” ኺበሃል ይከኣል እዩ።—እብራውያን 11:16, 38

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ “ምጽላእ” እትብል ቃል እተፈላለየ ትርጕም ዝሓቘፈት እያ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ካብ ካልእ ኣትሒትካ ምፍቃር ማለት እያ እተመልክት። (ዘዳግም 21:15, 16) “ምጽላእ” ኪበሃል ከሎ ንኻልእ ንምጕዳእ ዕላማ እኳ እንተ ዘይብልካ: ግን ከኣ እትፍንፍኖ ብምዃንካ ኻብኡ ምርሓቕ እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እታ “ምጽላእ” ተባሂላ ዘላ ቓል ብተንኰል ዚግበር ቀጻሊ ምጽራር እውን ተመልክት እያ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ በዚ ኣብ መወዳእታ እተጠቕሰ ትርጕም ኢና ኽንመያየጠላ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ምንጪ እቲ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብዘይ ምኽንያት ዚንጸባረቕ ጽልኢ መን እዩ፧

• ሰይጣን ንንጽህና እዮብን የሱስን ንምብልሻው ጸርፊ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧

• ብሰይጣን እናተጸላእና ኽነስና ጸኒዕና ንኽንቅጽል የሆዋ ዜበርትዓና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ነቲ ናይ ሓቂ ጕዳይ ኣስተውዒሎምሉ

ሓደ ኣብታ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ን50 ዓመት ተኣጊዱላ ዝነበረ ዩክረይን ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለ:- “እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜጋጥሞም ዝነበረ ዅነታት በቲ ኻልኦት ሰባት ዚገብርዎም ዝነበሩ ጥራይ ጌርካ ኺግምገም የብሉን። . . . መብዛሕትኦም እቶም ሰበ-ስልጣን ስርሖም ጥራይ እዮም ዚፍጽሙ ነይሮም። እቲ መንግስቲ ምስ ተቐየረ: እቶም ሰበ-ስልጣን ተኣማንነቶም ቀየሩ: ንሕና ግን ከም ቀደምና ኢና ዘሎና። እቲ ቐንዲ ምንጪ እቲ ዜጋጥመና ጸበባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተገልጸ ተገንዚብና ኢና።

“ንርእስና ብጨቈንቲ ሰባት እተረገጽና ንጹሃት ግዳያት ከም ዝዀንና ጥራይ ጌርና ኣይኰንናን እንርእያ ኔርና። ነቲ ኣብ ገነት ኤድን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል እተላዕለ ጕዳይ ዘሎና ንጹር ምርዳእ ንኽንጽመም ኣኽኢሉና እዩ። . . . ምስ ብሕታዊ ጕዳያት ደቅሰብ ኣብ እተተሓሓዘ ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ ኢና ኣቕዋም ጌርና ዘሎና። ብዛዕባ እዚ ናይ ሓቂ ጕዳይ ዝዓበየ ምርዳእ እዩ ነይሩና። እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ ኣበርቲዑናን ንጽህናና ኽንሕሉ ኣኽኢሉናን እዩ።”

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ምንጪ እቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ውርደት መን እዩ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እዮብን ማርያምን ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኸም ስታንሊ ጆንስ ዝኣመሰሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽን ንልዑላውነት የሆዋ ደጊፎም እዮም

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ቪክቶር ፖፖቪች ብ1970 ተኣስረ