1 ጴጥሮስ 4:1-19

  • ከም ክርስቶስ ንፍቓድ ኣምላኽ ንበሩ (1-6)

  • መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ (7-11)

  • ከም ክርስትያን ኴንካ መከራ ምጽጋብ (12-19)

4  ክርስቶስ ብስጋ መከራ ኻብ ጸገበ፡+ ንስኻትኩም እውን በዚ ኣተሓሳስባ* እዚ ተዓጠቑ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ብስጋ መከራ ዝጸገበ፡ ንሓጢኣት ሓዲግዎ እዩ፣+ 2  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ግዜኡ ንትምኒት ሰብ ዘይኰነስ፡+ ንፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺነብር እዩ።+ 3  እቲ ብንውርምና፡* ብፍትወት፡ ብስኽራን፡ ብፈንጠዝያ፡* ብመስተ ብምውድዳር፡ ብፍንፉን* ኣምልኾ ጣኦት ክትመላለሱ ኸለኹም፡+ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ግዜ ይኣክል እዩ።+ 4  ናብቲ ዕያግ ዝርጋን ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፡ ንዓኻትኩም ከኣ ይጸርፉኹም ኣለዉ።+ 5  ንሳቶም ግና ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም።+ 6  ስለዚ እዩ ንምዉታት እውን ብስራት እተነግሮም፣+ እዚ ኸኣ ብኣረኣእያ ሰብ ብስጋ እኳ እንተ ተፈርዱ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ምስ መንፈስ ተሰማሚዖም ምእንቲ ኺነብሩ እዩ። 7  ግናኸ፡ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ። እምበኣር፡ ለብሙ፡+ ንጸሎት እውን ንቕሑ።+ 8  ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡+ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።+ 9  ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ብግሽነት ተቓባበሉ።+ 10  ነፍሲ ወከፍ ከከም እቲ እተቐበሎ ውህበት፡ ከም ሕያዎት ኣመሓደርቲ እቲ ብእተፈላለየ መገዲ ዚግለጽ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።+ 11  ዚዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይዛረብ፣ ዜገልግል እንተ ዀይኑ እውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል፣+ እዚ ድማ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኽበር እዩ።+ ንዕኡ ኽብርን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ይኹኖ። ኣሜን። 12  ፍቑራተየ፡ በቲ ዚረኽበኩም ዘሎ ዜንድድ ፈተና፡+ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ። 13  የግዳስ፡ ክርስቶስ ብኽብሩ ኺግለጽ ከሎ ምእንቲ ኽትሕጐሱን ባህ ምእንቲ ኺብለኩምን፡+ ብመጠን እቲ ተኻፈልቲ መከራኡ ዝዀንኩምዎ+ ተሓጐሱ።+ 14  ምእንቲ ስም ክርስቶስ ትጽረፉ እንተ ኣሊኹም፡ መንፈስ ክብሪ፡ እወ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይዓርፍ ኣሎ እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ 15  ግናኸ፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም ከም ቀታል ነፍሲ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር ክፉእ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ጣልቃ ኸም ዚኣቱ ዀይኑ መከራ ኣይጽገብ።+ 16  ከም ክርስትያን ኰይኑ መከራ እንተ ጸጊቡ ግና፡ እዚ ስም እዚ ጾይሩ ንኣምላኽ የሞግሶ እምበር፡ ኣይሕፈር።+ 17  ምኽንያቱ፡ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ምዱብ ግዜ ኣኺሉ እዩ።+ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡+ ነቶም ንብስራት ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧+ 18  “ጻድቕ ብጭንቂ ዚድሕን ካብ ኰነ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህን ሓጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ፧”+ 19  ስለዚ፡ እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ፡ ንርእሶም* ኣብቲ እሙን ፈጣሪ የማዕቍብዋ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቈራጽነት።”
ወይ፡ “ብሕንኪ ኣልቦነት።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ (ብብዙሕ)። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
ወይ፡ “ብቐይዲ በተኽ ድግስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘይሕጋዊ።”
ወይ፡ “ንነፍሶም።”