ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ብመንፈስ ግን ኣይንደክምን ኢና

ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ብመንፈስ ግን ኣይንደክምን ኢና

ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ብመንፈስ ግን ኣይንደክምን ኢና

“እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር . . . ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።”—ኢሳይያስ 40:28, 29

1, 2. (ሀ) ብንጹህ ኣምልኾ ኺመላለሱ ንዚደልዩ ዘበሉ ዅሎም እንታይ ዚምስጥ ጻውዒት እዩ ቐሪቡሎም ዘሎ፧ (ለ) እንታይ እዩ ንመንፈሳውነትና ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል፧

 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን: ነቲ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። . . . ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ” ዚብል ልቢ ዚትንክፍ ጻውዒት ንፈልጦ ኢና። (ማቴዎስ 11:28-30) ክርስትያናት “ካብ ገጽ እግዚኣብሄር . . . ዘመን ዕረፍቲ” ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምፍላጥ: ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ምሓዝ: ከምኡውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዜምጽኦ ዕረፍቲ ባዕልኻ ኸም እተመኰርካዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

2 ይኹን እምበር: ገሊኦም ኣምለኽቲ የሆዋ ስምዒታዊ ድኻም የጋጥሞም እዩ። እዚ ተስፋ ምቝራጽ እዚ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ንሓጺር እዋን ኪጸንሕ ከሎ: ኣብ ገሊኡ ግን ንነዊሕ እዋን ስለ ዚጸንሕ ረሸሽ ይብሎም። ስለዚ ኸኣ ግዜ እናነወሐ ምስ ከደ: ገሊኦም እቲ ክርስትያናዊ ሓላፍነቶም ከምቲ የሱስ እተመባጽዖ ዕረፍቲ ዘይኰነስ ጾር ከም ዚዀኖም ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት ነቲ ክርስትያናት ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ።

3. የሱስ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 14:1 ዚርከብ ምኽሪ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ ቀቅድሚ እተታሕዘሉን እተቐትለሉን እዋን: ንደቀ መዛሙርቱ “ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ” በሎም። (ዮሃንስ 14:1) ድሕሪ ሓጺር እዋን ዜሕዝን ነገራት ነቶም ሃዋርያት ኬጋጥሞም ስለ ዝነበሮ እዩ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበ። ድሕሪኡውን መስጐጕቲ ይመጾም ነበረ። የሱስ እቶም ሃዋርያቱ ኻብ ክቱር ተስፋ ምቝራጽ እተላዕለ ኺዕንቀፉ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ነበረ። (ዮሃንስ 16:1) ንጓሂኦም እንተ ዘይተቘጻጺሮምዎ: ብመንፈስ ኬድክሞምን ኣብ የሆዋ ዝነበሮም ትውክልቲ ኸም ዜጥፍኡ ኺገብሮምን ይኽእል ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ከምዚ እዩ ዜጋጥሞም። ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ተስፋ ምቝራጽ ብዙሕ ጓሂ ኼምጽኣልናን ንልብና ኪኸብዶን ይኽእል እዩ። (ኤርምያስ 8:18) ውሽጥና ይደክም ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳይ ክንለምስ: ሕሉፍ ሓሊፍናውን ንየሆዋ ንምምላኽ ዘሎና ባህጊ ኸነጥፍእ ንኽእል ኢና።

4. ንምሳልያዊ ልብና ኻብ ድኻም ንኽንሕልዎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

4 እቲ “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ። (ምሳሌ 4:23) መጽሓፍ ቅዱስ ንምሳልያዊ ልብና ኻብ ተስፋ ምቝራጽን መንፈሳዊ ድኻምን ክንሕልዎ ዜኽእለና ግብራዊ ማዕዳ ይህበና እዩ። ፈለማ ግን ጠንቂ ድኻምና ብንጹር ከነለልዮ ኣሎና።

ክርስትና ጨቋኒ ኣይኰነን

5. ወደ መዝሙር ብዛዕባ ምዃን እንታይ ዚጻረር ዚመስል ሓሳባት ኣሎ፧

5 ክርስትያን ምዃን ተጋድሎ ኸም ዜድልዮ ዜተሓታትት ኣይኰነን። (ሉቃስ 13:24) የሱስ እውን እንተዀነ “መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ: ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” በለ። (ሉቃስ 14:27) ነዘን ቃላት እዚኣተን ላዕለ ላዕለን ክንሪአን ከለና: ምስቲ ጾሩ ፈኲስን ዕረፍቲ ዜምጽእን ምዃኑ እተዛረቦ ሓሳባት ዚጻረር ኪመስል ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ከም ሓቂ ግን ኣይጻረርን እዩ።

6, 7. ኣምልኾና ዜድክም ኣይኰነን ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

6 ተጋድሎን ከቢድ ስራሕን ኣካላዊ ድኻም ዜስዕብ እኳ እንተዀነ: ብጽቡቕ ምኽንያት እንተ ተገይሩ: ዜዕግብን ዜሐድስን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መክብብ 3:13, 22) ንሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ ሓቅታት ካብ ምንጋር ዚሓይሽከ እንታይ ምኽንያት ኣሎ፧ ኣብ ርእሲ እዚውን በቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ንምምልላስ እንገብሮ ቓልሲ ምስቲ ኸምኡ ብምግባርና ዚርከብ ረብሓታት ከነነጻጽሮ ኸለና ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። (ምሳሌ 2:10-20) መስጐጕቲ እውን ኪወርደና ኸሎ: ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስቓይ ከም ክብሪ ጌርና ኢና እንርእዮ።—1 ጴጥሮስ 4:14

7 ጾር የሱስ ብፍላይ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ተቘሪኖም ዘለዉ ሰባት እተሰከምዎ ጾር ኪነጻጸር ከሎ: ብሓቂ ዕረፍቲ እዩ ዜምጽእ። ኣምላኽ ስለ ዜፍቅረና: ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይጽበየናን እዩ። “ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።” (1 ዮሃንስ 5:3) ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ ናይ ሓቂ ክርስትና ጨቋኒ ኣይኰነን። ኣምልኾና ጠንቂ ድኻምን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ።

‘ንዅሉ ዚኸብደና ነርሕቕ’

8. መብዛሕትኡ ግዜ መንፈሳዊ ድኻም ዜምጽእ እንታይ እዩ፧

8 ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኻም መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ በዚ ብልሹው ኣገባብ እተጻዕነና ጾር እዩ ዚመጽእ። ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ስለ ዘላ:’ ኬድክመናን መንፈሳዊ ሚዛንና ኼስሕተናን ብዚኽእል ዚጻረር ሓይልታት ኢና ተኸቢብና ዘሎና። (1 ዮሃንስ 5:19) ዘየድሊ ነገራት ንክርስትያናዊ ልማድና ኺሓላልኾን ኪርብሸናን ይኽእል እዩ። እዚ ተወሳኺ ጾር እዚ ኪኸብደናን ንመንፈስና ኺደቝሶን ይኽእል ይኸውን። እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንዅሉ ዚኸብደና ኸነርሕቕ’ ኪምዕደና ሓቁ እዩ።—እብራውያን 12:1-3

9. ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምስዓብ ብኸመይ ኪኸብደና ይኽእል፧

9 ንኣብነት: ዓለም ኣብ ዝና: ገንዘብ: ምዝንጋዕ: ዙረት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ስጋዊ ነገራት ዘለዋ ኣትኵሮ ነተሓሳስባና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ገሊኦም ደድሕሪ ሃብቲ ዚጐዩ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንህይወቶም ኣብ ሽግር ኣእትዮምዋ እዮም። ነዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ብምባል ገለጾ።—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10

10. ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስላ እቲ ዘራኢ: ብዛዕባ ሃብቲ እንታይ ንመሃር፧

10 ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ድኻምን ተስፋ ምቝራጽን ኪስምዓና ኸሎ: እቲ ስጋዊ ነገራት ንመንፈሳውነትና የጻብቦ ስለ ዘሎዶ ዀን ይኸውን፧ ከምቲ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ዘራኢ ኣብ ዝሃቦ ምስላ ዝሓበሮ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግር ኬጋጥም ይኽእል እዩ። የሱስ ን“ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን” ምስቲ ናብ ኣልባብና ‘ብምእታው’ ነቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽ ‘ዚሓንቆ’ እሾዅ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማርቆስ 4:18, 19) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ንሱ ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ብምባል ይምዕደና።—እብራውያን 13:5

11. ነቲ ኪኸብደና ዚኽእል ነገራት ብኸመይ ከነርሕቕ ንኽእል፧

11 ሓድሓደ ግዜ ንህይወትና እተሓላለኸ ዚገብሮ ዝያዳ ነገራት ምንዳይ ዘይኰነስ: ነቲ ድሮ ዘጥረናዮ ነገራት ዘሎና ኣተሓሕዛ እዩ። ገሊኦም ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ምስ ኣጋጠሞምን ዜፍቅርዎም ሰባት ምስ ሞትዎምን ካልእ ጸገማት ምስ ኣጓነፎምን ስምዒታዊ ድኻም ይስምዖም ይኸውን። በብግዜኡ ድማ ምትዕርራይ ኪገብሩ የድልዮም። ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይን ሰበይቱን ንመሕለፍ ግዜ ዚጥቀሙሉ ነገራትን ኣድላዪ ዘይኰነ ብሕታዊ ውጥናቶምን ኣወጊዶም እዮም። ነቲ ዝነበሮም ንብረት ድሕሪ ምምርማር: ቃል ብቓሉ ዅሉ እቲ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጥናት ዚተሓሓዝ ነገራት ጠርኒፎም ኣርሓቕዎ ። ምእንቲ ኸይንደክምን ነፍሳትና ኸይሕለላን በብእዋኑ ንልማዳትናን ጥሪትናን ክንምርምር: ነቲ ዚኸብደና ዘበለ ኸኣ ከነርሕቕ ንኽእል ኢና።

ሚዛናዊ ኣረኣእያን ትሕትናን ኣገዳሲ እዩ

12. ብዛዕባ ጌጋታትና እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧

12 ጌጋታትና ኣብ ንኣሽቱ ጕዳያት እውን እንተዀነ ንህይወትና በብቕሩብ ኪሓላልኾ ይኽእል እዩ። እተን ዳዊት “በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ: ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ሓቅነተን ዘይክሓድ እዩ። (መዝሙር 38:4) መብዛሕትኡ ግዜ ሒደት ምትዕርራይ ምግባር ጥራይ ነቲ ኸቢድ ጾርና ይንክዮ እዩ።

13. ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምህላው ብዛዕባ ኣገልግሎትና ግቡእ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ዜኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ “ንጥበብን ንምኽርን” ወይ ናይ ምሕሳብ ክእለት ከነማዕብል የተባብዓና። (ምሳሌ 3:21, 22) መጽሓፍ ቅዱስ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ልእምቲ [ሚዛናዊት] . . . እያ” ይብል። (ያእቆብ 3:17) ገሊኦም ማዕረ እቲ ኻልኦት ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ኺስጕሙ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ብምባል ይምዕደና። (ገላትያ 6:4, 5) ኣብ ክርስትያናት ብጾትና እንርእዮ ጽቡቕ ኣብነት ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ንኸነገልግሎ ዜተባብዕና እኳ እንተዀነ: ጥበብን ሚዛናዊ ኣረኣእያን ግን ምስ ኵነታትና ዚሰማማዕ ሸቶታት ከነውጽእ የኽእለና።

14, 15. ንኣካላውን ስምዒታውን ድሌትና ኣብ ምምላእ ብኸመይ ኢና ጥበብ ከነርኢ እንኽእል፧

14 ኣብ ንኣሽቱ ዚመስል ጕዳያት ዘሎና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ድኻም ንኸይስምዓና ኺሕግዝ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ንኣካላዊ ጥዕናና ጠቓሚ ዝዀነ ልማዳት ነማዕብል ዲና፧ ኣብ ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር ጥበባዊ ምዃን ንኸይትደክም ከም ዚሕግዝ ተዓዚቦም እዮም። እታ ሰበይቲ ኸምዚ በለት:- “ዘሎና ብዝሒ ስራሕ ብዘየገድስ: ምሸት እንድቅሰሉ ሰዓት ፍሉጥ እዩ። ኣዘውቲርና እውን ኣካላዊ ምውስዋስ ንገብር ኢና። እዚ ብሓቂ ሓጊዙና እዩ። ዓቕምና ኣብ ኣየናይ መዳይ ድሩት ምዃኑ ስለ እንፈልጥ: በዚ መሰረት እዚ ኢና ጕዳያትና እንፍጽም። ምስቶም ዘይውዳእ ሓይሊ ዘለዎም ዚመስሉ ሰባት ገዛእ ርእስና ኸነወዳድር ኣይንፍትንን ኢና።” ኣዘውቲርና ጽቡቕ ንምገብን እኹል ዕረፍቲ ንረክብን ዲና፧ ንጥዕናና ሚዛኑ ዝሓለወ ቘላሕታ ምግባር: ስምዒታውን መንፈሳውን ድኻም ኪንክየልና ይኽእል እዩ።

15 ገሌና ፍልይ ዝበለ ነገራት የድልየና እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኣብ እተፈላለየ ኣጸጋሚ ቦታታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ኣገልጊላ እያ። መንሽሮን ካልእ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገምን ኣለዋ። ነቲ ጽንኩር እዋን ንኽትጻወሮ ዝሓገዛ ግን እንታይ እዩ፧ “ጸጥታ ኺሰፍን ከሎ ንበይነይ ግዜ ኸሕልፍ እደሊ እየ። ውጥረትን ድኻምን ብዝያዳ ኣብ ዚስምዓኒ እዋን: ንበይነይ ኰይነ ኸንብብን ከጽንዕን ብዝያዳ እዩ ዜድልየኒ” ብምባል መልሲ ሃበት። ጥበብን ናይ ምሕሳብ ክእለትን ነቲ ብብሕትና ዜድልየና ነገራት ክንፈልጦን ከነማልኦን ይሕግዘና: በዚ ኸምዚ ድማ ብመንፈስ ኣይንደክምን።

የሆዋ ኣምላኽ ሓይሊ ይህበና

16, 17. (ሀ) ንመንፈሳዊ ጥዕናና ምክንኻን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብቲ መዓልታዊ እንገብሮ ነገራት እንታይ እዩ ኺጠቓለል ዘለዎ፧

16 ልክዕ እዩ: ንመንፈሳዊ ጥዕናና ምክንኻን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። ምስ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ እንተ ሃልዩና: ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ንዕኡ ብምምላኽ ግን ከቶ ኣይንደክምን ኢና። የሆዋ “ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።” (ኢሳይያስ 40:28, 29) ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ህይወቱ ዝረኣየ ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ: እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ: ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ቈረንቶስ 4:16

17 ነታ “ኣብ ጸጽባሕ” እትብል መግለጺ እሞ ኣስተብህለላ። እዛ መግለጺ እዚኣ ኻብቲ የሆዋ ዝገበረልና ምድላው መዓልታዊ ኽንጥቀም ከም ዘሎና እያ እተመልክት። ሓንቲ ን43 ዓመት ብተኣማንነት ዘገልገለት ሚስዮናዊት: ኣካላዊ ድኻምን ተስፋ ምቝራጽን ዘጋጠማ እዋናት ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን: በዚ ኣይተሓለለትን። “ዝዀነ ይኹን ዕዮ ቕድሚ ምጅማረይ ናብ የሆዋ ንምጽላይን ቃሉ ንምንባብን ግዜ ምእንቲ ኽረክብ ኣንጊሀ ናይ ምትንሳእ ልማድ ኣሎኒ። እዚ መዓልታዊ ልማድ ክሳዕ ሕጂ ጸኒዐ ክቕጽል ኣኽኢሉኒ” በለት። ኣዘውቲርና ወይ “ኣብ ጸጽባሕ” ናብ የሆዋ ንጽሊ: ብዛዕባ እቲ ኽብ ዝበለ ባህርያቱን መብጽዓታቱን ከኣ ነስተንትን እንተደኣ ዄንና: ብሓይሉ ገይሩ ኸም ዜጽንዓና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

18. መጽሓፍ ቅዱስ ንኣረጋውያን ወይ ንዝሓመሙ እንታይ ምጽንናዕ እዩ ዚህቦም፧

18 እዚ ኸኣ ምናዳ ነቶም ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ተስፋ ዝቘረጹ ዘበሉ ጠቓሚ እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንርእሶም ምስ ካልኦት እኳ እንተ ዘየወዳደሩ: ምስቲ ኣቐዲሞም ዚገብርዎ ዝነበሩ ብምውድዳር ኪድቈሱ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ንኣረጋውያን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ይብል። (ምሳሌ 16:31) የሆዋ ዓቕምና ይፈልጥ እዩ: ድኽመት እውን እንተሎና ነቲ ብምሉእ ልብና እነቕርበሉ ኣምልኾ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። እቲ ኣቐዲምና ዝገበርናዮ ሰናይ ግብሪ ድማ ብዘይሃስስ መገዲ ኣብ ተዘክሮ ኣምላኽ ተመዝጊቡ ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ብምባል የረጋግጸልና። (እብራውያን 6:10) እቶም ንሓያሎ ዓመት ንየሆዋ እሙናት ምዃኖም ዘርኣዩ ሰባት ኣብ መንጎና ምህላዎምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰና!

ኣይትተሓለል

19. ሰናይ ኣብ ምግባር ትሑዛት እንተ ዄንና: ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

19 ብዙሓት ሰባት ኣዘውቲርካ ብትግሃት ምዕያይ ንናይ ድኻም ስምዒት ከም ዜፋዅስ ይኣምኑ። ብተመሳሳሊውን ኣዘውቲርካ ብመንፈሳዊ ንጡፍ ምዃን ስምዒታዊ ወይ መንፈሳዊ ድኻም ኣብ ምፍኳስ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ። እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ይብል። (ገላትያ 6:9, 10) ነተን “ሰናይ ግብሪ” ከምኡውን “ሰናይ ንግበር” ዚብላ ቓላት እሞ ነስተብህለለን። እዘን ቃላት እዚኣተን ሓደ ነገር ክንገብር ከም ዘሎና እየን ዚሕብራ። ንኻልኦት ሰናይ ምግባር ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንኸይንደክም ይሕግዘና።

20. ምስ ተስፋ ምቝራጽ ንምቅላስ ካብ መን ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

20 ብኣንጻሩ ግን: ሕግታት ኣምላኽ ምስ ዘየኽብሩ ሰባት ምቅርራብን ምዕያይን ኣድካሚ ጾር ኪዀነና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እምኒ ኸቢድ እዩ: ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ: ካብ ክልቲኡ ግና እንጽርጽሮት ዓሻ ይኸብድ” ብምባል የጠንቅቐና። (ምሳሌ 27:3) ምስ ተስፋ ምቝራጽን ድኻምን ንምቅላስ: ካብቶም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ጕድለት ዚኣርዩን ዚነቕፉን ሰባት ክንርሕቕ ኣሎና።

21. ኣብ ጉባኤ ንኻልኦት እነተባብዖም ብኸመይ ኢና፧

21 ክርስትያናዊ ኣኼባታት: የሆዋ ብመንፈሳዊ ንኼበርትዓና ኢሉ ዝገበሮ ምድላው እዩ። ኣብኡ በቲ መንፈስ ዜሐድስ ትምህርትን ምስ ሰባት ዘሎና ርክብን ኣቢልና ንሓድሕድና ንምትብባዕ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኣሎና። (እብራውያን 10:25) ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ኪህቡ ኸለዉ ወይ ክፍሊ ኬቕርቡ ኸለዉ ሃነጽቲ ንምዃን ኪጽዕሩ ኣለዎም። ምናዳ እቶም መምህራን ኪዀኑ እተመዘዙ: ንኻልኦት ኬተባብዑ ሓላፍነት ኣለዎም። (ኢሳይያስ 32:1, 2) ማዕዳ ወይ መግናሕቲ ምሃብ ኣብ ዜድልየሉ እዋን እውን እንተዀነ: ቃና ድምጾም ዜረስርስ ኪኸውን ኣለዎ። (ገላትያ 6:1, 2) ንኻልኦት ዘሎና ፍቕሪ ንየሆዋ ኸይተሓለልና ንኸነገልግሎ ኺሕግዘና እዩ።—መዝሙር 133:1፣ ዮሃንስ 13:35

22. ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዄንና: ክንተብዕ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

22 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ንየሆዋ ምምላኽ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ክርስትያናት ከኣ ካብ ኣእምሮኣዊ ድኻምን ስምዒታዊ ስቓይን ጽንኩር ኵነታትን ሓራ ኣይኰኑን። ዘይፍጹማት ብምዃንና ኸም ስርሓት ካይላ ተነቀፍቲ ኢና። “ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን: እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። (2 ቈረንቶስ 4:7) እወ: ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ብመንፈስ ግን ኣይንደክምን ወይ ኣይንሕለልን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: “ተቢዕና፤ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ . . . ንበል።”—እብራውያን 13:6

ሓጺር ድግማ

• ገለ ኻብቲ ኸነርሕቖ እንኽእል ዚኸብደና ነገራት እንታይ ክንጠቅስ ንኽእል፧

• ንክርስትያናት ብጾትና “ሰናይ” ኣብ ምግባር ክንሳተፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ክንደክም ወይ ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና: የሆዋ ብኸመይ እዩ ዜጽንዓና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንነዊሕ ግዜ ዚጸንሕ ተስፋ ምቝራጽ ንሃዋርያት ኬሸግሮም ከም ዚኽእል የሱስ ይፈልጥ ነበረ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኦም ሰባት እተወሰነ መሕለፍ ግዜኦምን ዘየድሊ ብሕታዊ ውጥናቶምን ኣርሒቖም እዮም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዓቕምና ድሩት እኳ እንተዀነ: የሆዋ ነቲ ብምሉእ ልብና እነቕርበሉ ኣምልኾ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ